ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከቡ ቆልዑ ሕጽረት መግቢ የጥቅዖም ከምዘሎ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, MSF
ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ግዳይ ናይቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ከምዝኾነ፡ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም (MSF) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ግብረሰናይ ሓቢሩ።
እቲ ኣብቲ ክልል ብምእታው ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ዘሎ ትካል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ገሊጹ።
ኣባላቱ ናብ ገለ ቁሸታት ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ትካላት ጥዕና ፈሪሶምን ተዘሚቶምን ከምዝራኣዩን፡ ነበርቲ እቶም ከባቢታት ንኣዋርሕ ኣድላዪ ሕክምና ተሓሪምዎም ከምዝጸንሐን ኣረጋጊጾም።
እቲ ብ3 ሕዳር ኣብቲ ክልል ዝተጀመረ ኲናት፡ ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ከምዝተወደአ ብመንግስቲ ፈደራል ተገሊጹ እንተነበረ፡ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ግጭት፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል ከም ዘስዓበን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝተገደዱን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የረድኡ።
ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ እቲ ኣብ ኩነታት ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ኣብ ማእከል ኲናት ዝተቐርቀረ ህዝቢ ንምድጋፍ ትካላት ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣትዉ'ኳ እንተ ኣፍቀደ፡ እቲ ናብ ገጠራት ዝበጽሕ ዘሎ ሓገዝ ውሱን ምዃኑ ይግለጽ።
"ዋላ'ኳ ካብ ለካቲት ጀሚሩ፡ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ጉጅለታት ሰዲደን እንተ'ለዋ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝወሃብ ዘሎ ግን ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ዉሱን'ዩ። ዳርጋ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ዝሓልፍ ኣይኮነን" ይብል ዶብ-ኣልቦ ሓካይም።
ብሰንኪ'ቲ ኩነታት፡ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ ከምዘሎን፡ ብፍላይ ህጻናት ካብቶም በቲ ሕጽረት ዝሳቐዩ ዘለዉ ምዃኖም'ውን ሓቢሩ።
ህጻናት ኣድሕን (ሰይቭ ዘ ቺልድረን) ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ህጻናት ኣብቲ ኲናት ካብ ስድራቤቶም ከምዝተፈላለዩ ትካል ገሊጹ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቶም ንጥምየትን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝተቓልዑ ዝበሎም ህጻናት፡ ናብ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ይውሕዙ ምህላዎም እቲ ማሕበር ይጠቅስ።
ኣብተን ኣባላት ኤም-ኤስ-ኤፍ ዝበጽሑወን፡ ዓዲ-ፍታውን ሰበያን ዝተባህላ ዓድታት ዝርከባ ማእከላት ጥዕና፡ ተዘሚተንን፡ ብኸፊል ዓንየንን ከምዝረኸቡ'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ኣብ ማእከል ጥዕና ሰበያ ዝነበረ ክፍሊ መዋልዳን ብከቢድ ብረት ተሃሪሙ ከምዝዓነወን፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበረት ኣምቡላንስ ከምዘየለን'ውን ኤም-ኤስ-ኤፍ ሓቢሩ። ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ነፍሰ-ጾራት ዝሓርሳሉ ቦታ ከምዘይብለን፡ ንገለ ነበርቲ ብምጥቃስ፡ ገሊጹ።
ክራማት ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ እኹል ሓገዛት ናብቲ ዘይተበጽሐ ከባቢታት ክኣቱ እንተዘይኪኢሉ፡ ህዝቢ ንሕማማትን ጥሜትን ከይቃላዕ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።
ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







