ህወሓትን 'ሸኔን' ብግብረ ሽበራ ምብያን እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, ROBERTO SCHMIDT
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 77 ሕገ መንግስቲ ሂቡኒ ብዝበሎ ስልጣን ህወሓትን 'ሸኔን' ግብረ ሽበራውያን ተባሂሎም ክብየኑ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ክልእኽ እዩ፡፡
ንምዃኑ ንሓደ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ ኢልካ ምስያም ንምንታይ የድሊ?
መንግሰቲ ዝተፈላለዩ ናይ ገበን ተግባራት ንምክልኻል ዝርዝር ክትትል ምግባር ዘይክእለሉ ኩነታት እንትፍጠር፡ ንሓደ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ ኢሉ ክስይሞ ከም ዝኽእል በዓል ሞያ ሕጊ ዶክተር ኣባድር ኢብራሂም ይገልጽ።
እቲ በዓል ሞያ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተመሓይሹ ዝጸደቐ ሕጊ ግብረ ሽበራ ኣብ ምርቃቕ ዝተሳተፈን መራሒ ቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ ጉባኤ ዓቃቢ ሕግን'ዩ።
'ናይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖት ወይ ስነ ሓሳብ ንምስጓም ብምሕሳብ፡ ንህዝቢ ወይ ንዝተወሰነ ክፋል ሕብረተሰብ ንምርዓድ ተሓሲቡ ዝተፈጸመ ተግባር እንተኾይኑ፡ "ሽበራዊ" ከም ዝብሃል የብርህ።
"መንግስቲ፣ ናይ ወጻኢ ሃገር መንግስቲ ወይ ዓለም ለኻዊ ትካላት ምግዳድ፣ ህይወት ንሓደጋ ምቅላዕ፣ ናይ ኣካል ጉድኣት ምብጻሕ፣ ምዕጋት ወይ ምጭዋይ፣ ንብረትን ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ምትዕንቓፍን'' ዝብሉ ሓዊሱ ዝተቐመጡ ሓሙሽተ ክልከላታት ተጣሒሶም እንትርከቡ ናይ ግብረ ሽበራ ገበን ይገልጹ ይብል፡፡
ብተወሳኺ ሓደ ጉጅለ ነዞም ተግባራት ዕላምኡ እንተገይሩ፣ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ነዞም ገበናት ከም ኣሰራርሓ ወይ ብግልጺ እንተተቐቢሉዎም፣ እዚ ገበን ብኣሰራርሓ ወይ ብተግበር ናይቲ ጉጅለ መግለጺ እንተኾይኑ ሓደ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ክስየም ከም ዝኽእል ኣባድር ኢብራሂም (ዶ/ር) ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ሓደ ውድብ ''ግብረ ሽበራዊ'' ተባሂሉ ክስየመሉ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ እንተቕርብ፡ እቲ ውድብ ግብረ ሽበራዊ ዘብልዎ ተግባራትን ዘለዎ ተሳትፎን ብግልጺ ከቕርብ ኣለዎ ብምባል ወሲኹ፡፡
እንተኾነ እዞም መረዳእታታት ብዝርዝር ምቕራብ ናይ ድሕነት ስግኣት ኣለዎ እንተተባሂሉ ዝርዝር ጉዳያት ዘይክቐርቡ ከም ዝኽእሉ እቲ ሕጊ ደንጊጉ እዩ፡፡
እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ እቲ ጉጅለ ካብቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ሰለስተ ተግባራት ብውሑድ ኣብቲ ሓደ ምስታፉ ክረጋገጽ ኣለዎ፡፡
ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ እውን እቲ ጉጅለ ወይ ካሊእ ኣካል፡ ሓሳቡን ርእይቶኡን ናብቲ ቤት ምኽሪ ዘቕርበሉ እኹል ግዘ ብምሃብ፣ ናይ ግዘ ገደብ ብምግላጽ፡ ኣግባብ ብዘለዎ ናይ መራኸቢ ማዕኸን ጻውዒት ክገብረሉ ከምዘለዎ እቲ ኣዋጅ ይድንግግ፡፡
ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ክስየም ሓሳብ ዝቐረበሉ ውድብ፡ ርእይቶኡ ነቲ ቤት ምኽሪ ከቕርብ ዘኽእልን ሚስጢራዊ ካብ ዝበሃሉ ጉዳያት ወጻኢ መረዳእታታት ናይ ምፍላጥን ናይ ምርካብን መሰል ኣለዎ፡፡
ከምኡ ድማ ነቲ ናይ ውሳነ ሓሳብ ንምቅዋም ዘለዎ መረዳእታታት ናብቲ ቤት ምኽሪ ናይ ምቕራብ መሰል ከምዘለዎ እቲ ኣዋጅ ይድንግግ፡፡
ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ትማሊ ሰኑይ ነዚ ጻውዒት ብመራኸቢ ሓፋሽ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡
እዚ ውሳነ ሓሳብ እንትጸድቕ ድማ፡ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ እቲ ውድብ እንድሕር ዘይፈረሰን ሕጋዊ ሰብነት እንተሃልዩዎን፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ውድብ ክፈርስ ስልጣን ናብ ዘለዎ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ ክፈርስ ይገብር፡፡ ከምኡ ድማ ናይቲ ትካል ንብረት መንግስቲ ክወርሶ ይገብር ብምባል እቲ ኣዋጅ ይድንግግ።
መንግስቲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕዚ ጌግኡ እንታይ ይመሃር?
መንግስቲ ነዞም ክልተ ውድባት ብሓደ ግዘ ግብረ ሽበራውያን ይበሎም እምበር፡ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰብ ሞያ ሕጊ ግና ኣብቶም ክልተ ጉጅለታ ዝህልዎ ውጽኢት ነንበይኑ ክረአ ኣለዎ እዮም ዝብሉ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ንመንግስቲ ዝቃወም ግብረ ሽበራዊ እናተብሃለ ይምደብ ነይሩ ዝብሉ እዞም ሰብ ሞያ፡ ንመንግስቲ ምቅዋም ከም ግብረ ሽበራ ተገይሩ ክውሰድ ከምዘይግባእ ይገልጹ፡፡
''ሲቪላዊ ምዃን ዘድልዮ ፖለቲካዊ ርክብ፡ ብሕጊ፣ ብወታሃርን ፖሊስን ክመሓደር የብሉን፡፡ ብፍላይ ኣብ ኣፈጻጽማ ከይህሉ ክግበር ኣለዎ'' ይብሉ፡፡
''እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተቐየረ ሕጊ ጸረ-ሽበራ፡ መንግስቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ዘለዎ ርክብ ናብ ናይ ጸጥታ ርክብ ዝወስደሉ እዩ ነይሩ፡፡ ንሱ ኣብዚ እዋን ክድገም የብሉን'' ዝብሉ እዞም ወሃብቲ ርእይቶ ብተወሳኺ ''ድሕሪ ሕዚ ኣብ መንጎ መንግስትን እዞም ክልተ ጉጅለታትን ብፍላይ ዘተ፣ ዕርቂ ወይ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ከይህሉ ዝገብር እዩ'' ይብሉ፡፡
ብፍላይ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ካብ መሰረቱ ካብ ምፍታሕ፡ ነፍሲ ወከፍ ብቤት ፍርዲ ዝረአ ጉዳይ እዩ ዝገብሮ፡፡
እዚ ድማ ሕጋዊ ናይ ገበን ተግባርን ንመጥቃዕቲ መልሲ ናይ ምሃብ ከይድን ይኸውን፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ኣካል ንምትዕራቕ ወይ ናብ ዘተ ንምምጻእ ዝገብሮ ጻዕሪ ገበን ከምዝገብሮ ይገልጹ፡፡
ብፍላይ ካብ ኣመሪካ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ መንግስታት ወጻኢ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ብስምምዕ ደው ክብል ዝቐርቡ ዝነበሩ ሕቶታት ንምዕጻው ዝተሓሰበ ይመስል እውን ይብሉ።
ህወሓትን ሸኔን መነ መን እዮም?
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ክስየም ዘቕረቦ ጉጅለ ''ሸኔ'' እዩ፡፡
ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን ብሰፊሑ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልልን ዝንቀሳቐስን ሰበ ስልጣን መንግስቲ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝጽውዕዎን ዕጡቕ ጉጅለ ነዚ ዝስዕብ ኢና እንፈልጥ፡፡
እዚ ብፍላይ ሰበስልጣን ክልል ኦሮምያ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝጽውዕዎ ሓይሊ፡ ንባዕሉ '' ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ'' ኢሉ እዩ ዝጽውዕ፡፡
'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ንብዙሕ ዓመታት፡ ወታሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ(ኦነግ) ኮይኑ ጸኒሑ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ ኣመራርሓ ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ ምስኣተዉ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ዘሎ ሓይሊ) ካብቲ ውድብ ተፈልዩ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ፡፡
ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ 'ውን ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ) ንሱ ከምዘይእዝዞ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ፡፡
ሸኔ ዝብል መጸውዒ ካበይ ዝመጸ እዩ?
ሸኔ ማለት 'ሸን' ካብ ዝብል ናይ ኦሮምኛ ቃል ዝመጸ እዩ፤ 'ሸን' ማለት ሓሙሽተ ማለት እዩ፡፡ 'ሸኔ' ማለት ድማ እቶም ሓሙሽተ ከም ማለት እዩ፡፡
ኣብ ውሽጢ ኣወዳድባ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ 'ጉሚ ሸኔ' ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ፡፡
ጉሚ ሸኔ ማለት 'ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዎ ጉባኤ' ከም ምባል እዩ፡፡
ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ነቲ ንባዕሉ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ኢሉ ዝጽውዕ ሓይሊ ንምንታይ 'ኦነግ ሸኔ' ከምዝብልዎ ግልጺ ኣይኮነን፡፡
መራሒ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ከም ዝኾነ ዝእመን፡ ጃል (ብጻይ) መሮ ብዝብል ናይ ቃልሲ ሽም ዝፍለጥ ኩምሳ ድሪባ፡ ንናጽነት ኦሮሞ ኢና እንቃለስ ይብል፡፡
ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ኣብ ሰሙናት 'ስጉምቲ' ክወስድ እየ ዝበለ እኳ እንተኾነ፡ ኣባላት እቲ ጉጅለ ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ኣሻሓት ተፈናቒሎምን እዮም፡፡
መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ብዝጽወዖ ጉጅለ፡ ብዙሐት ሰበስልጣናት መንግስትን ፖሊስን ከምዝተቐተሉን ባንኪታት ከምዝተዘረፉን ገሊጹ እዩ፡፡
እቲ ጉጅለ ብህወሓት ከም ዝሕገዝን፡ ኣብቲ ናይ ትግራይ ኲናት እውን ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኖም እናተዋግኡ ነይሮም ዝበሎም ዕጡቓት 'ኦነግ ሸኔ' ከምዝመረኸን መንግስቲ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡
ህወሓት
ህወሓት ካብ ናይ ደባይ ቃልሲ ናብ ሃገር መራሕነት፡ ቀጺሉ ናብ ክልል ኣመሓዳርነትን ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ናይ ደባይ ቃልሲ ዝተመለሰ ውድብ እዩ፡፡
ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ መድረኽ ፖለቲካ እታ ሃገር ቀንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተወለዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ብብሄራዊ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ካብ ዝርዝር ፖለቲካዊ ውድባት ክስረዝ ተገይሩ እዩ፡፡
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዘውዳዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ወዲቑ፡ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መንግስቲ በትረ ስልጣን ምሓዙ ስዒቡ እዩ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ብኣቆጻጸራ ግእዝ ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሩ ዘፍለጠ፡፡
ንቃልሲ ህወሓት መበገሲ ዝነበረ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጣየሽዎ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ዝተባህለ መደበኛ ዘይኮነ ውዳበ እዩ፡፡
ማገብት በሪሁ በርሀ (ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር))፣ እምባዬ መስፍን (ስዩም መስፍን)ን ኣማሃ ጸሃየን (ኣባይ ጸሃየ) ዝርከቡዎም ሸሞንተ ኣባላት ዝመስረትዎ እዩ ነይሩ፡፡
ምስ ደርጊ ዝግበር ዝነበረ ኲናት እናሰፈሐን ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር እናተሳገረ ምስ ከደን፡ በቢኸባቢኡ ዘለዉ ህዝቢታት ይውክሉ እዮም ዝተባህሉ ውድባት ኣብ ምሕቋፍን ኣብ ምጥያስን ህወሓት ዓብዪ ተራ ነይሩዎ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ምስ ናይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ኢህዴን)፣ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ዴሞክራስያዊ ድርጅት (ኦህዴድ)ን ናይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ደኢህዴን)ን ግንባር ብምፍጣር ንኢህወዴግ መስሪቶም፡፡
ብህወሓት ዝዕብለል ዝነበረ ኢህወዴግ ንስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ብምእላይ ን 27 ዓመታት ነታ ሃገር መሪሑ እዩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ ግና ኣፈላላያት እናሰደደን እናጎለሀን መጺኡ፡፡
ኣብ መወዳእታ ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ፡ 'ህወሓት ናብቲ ሓድሽ ውህደት ኣይጽንበርን' ካብ ምባል ብተወሳኺ ''እቲ ውህደት ሕጋዊ ኣይኮነን'' ብምባል ተቓዊምዎ።
ህወሓት ኣመራርሕኡ ሒዙ ናብ ትግራይ ምስኣተወ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮ ርክብ ካብ ምሕርፋፍ ሓሊፉ ናብ ጎንጺ ኣምሪሑ።
ብምኽንያት እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ ኲናት፡ መንግስቲ ፌደራል 'ህወሓት ኣኺልዎ እዩ' ክብል ኣዊጁ ነይሩ፡፡
እንተኾነ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ይቕጽል ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







