ቅልውላው ትግራይ፡ ልዕሊ 90% ህዝቢ ትግራይ 'ህጹጽ ረድኤት መግቢ ከም ዘድልዮ' ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ከም ዘድልዮ ኣፍሊጡ።
ውድብ መግቢ ዓለም ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት፡ 90 ሚኢታዊት ዝኾነ፡ብጠቕላላ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮ" ኣፍሊጡ።
ነቲ ኣብቲ ክልል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ንምሕያልን ህይወት ሰባት ንምድሓንን ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ 203 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮ'ውን ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ መግቢ ምዕዳል ካብ ዝጀመረሉ ክሳዕ ሕጂ ንኣስታት ሓደ ሚልየን ሰባት ረድኤት ከም ዘቕረበ ሓቢሩ።
ውድብ መግቢ ዓለም፡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብቑጽሪ እቶም መኣዛዊ መግብን ህጹጽ ሓገዛትን ዘድልዮም ሰባት ምሽቓሉ ክገልጽ እንከሎ፤ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ንኽልተ ሚልዮን ህዝቢ መግቢ ንምቕራብ ዝከኣሎ ኹሉ ይገብር ምህላው ገሊጹ።
ዝቕጽል ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ክዘርኡ እንተዘይኪኢሎም ድማ "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ" ዘይፈልጥ ጥምየት ኣብቲ ክልል ከጋጥም ከም ዝኽእል ሰብመዚ ሕርሻ ከጠንቅቑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኲናት ትግራይ፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እታ ሃገር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስጉምቲ ክውሰድ ትእዛዝ ብምምሕልላፉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር እዩ ተወሊዑ።
እቲ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ እታ ውሕስነት መግቢ ዘይጸንሓ ክልል ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ ኣሎ።
እቲ ኲናት፡ ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ከም ዝተወደአ ብመንግስቲ ፈደራል ተገሊጹ እንተነበረ፡ ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ጎንጺ፡ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ምምዝባል ከም ዘስዓበን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከም ዝተገደዱን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የረድኡ።
ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







