ተጋሩ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ዝወሰድዎ ስጉምቲ 'ንሰራዊትና ዘይውክል'ዩ'፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ

ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, UNMISS

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን

ኣብ ደቡብ ሱዳን ምስ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሰርሑ ዝጸንሑ "ትግርኛ ተዛረብቲ" ወታሃደራት ዝወሰድዎ "ንሰራዊትና ዘይወክልን ዘሕፍርን ተግባር" እዩ ክብል ሰራዊት ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኣብቲ ሎሚ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "15 ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝኾኑ ዕሱባት ናይቲ ጁንታ [ህወሓት] ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት፡ ናብ ሃገርና ኣይንኸይድን ብምባል፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ፈፈው ብምባልን ብምውጫጭን ህውከት ክፈጥሩ ፈቲቶም" ኢሉ።

ኣካል ናይቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ 15 ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ስለዘይደለዩ ኣብ ጁባ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶም'ዩ እቲ መግለጺ ወጺኡ ዘሎ።

እቶም ወተሃደራት ትማሊ ሰኑይ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጁባ ናብ ኢትዮጵያ ክትመልሶም ናብ ዝተዳለወት ነፋሪት ክኣትዉ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ትሕቲ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ "ኣብ ውሑስ ቦታ" ከም ዘለዉ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ'ሎ።

ውሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ

ምንጪ ስእሊ, UN

መግለጺ ስእሊ, ውሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ

ሓላፊ ኢንዶክትሪነሽን ሰራዊት ኢትዮጵያ ሜ/ጀነራል መሃመድ ተሰማ ከምዝበሎ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት "ጽቡቕ ስምን ዝናን" ኢትዮጵያ ኣብ ምብልሻው "ዘቃለሖ ጸብጻብ ዘይግቡእ ብምዃኑ ይቕሬታ ክሓትት ከምዝግባእ" ተዛሪቡ።

ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ተጋሩ ወተሃደራት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ድልየት ከም ዘይብሎም ብምግላጽ "ዝኾነ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዝደሊ ሰብ ዑቕባ ክሓትት መሰል ኣለዎ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ "ህይወቶም ወይ ድማ ናጽነቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ እንተደኣተሰሚዕዎም" ናብ ዓዶም ናይ ዘይምምላስ መሰል ኣለዎም ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጎንጺ ምስ ተወለዐ፡ ኣብ ምክልኻል ኢትዮጵያ ከገልግሉ ዝጸንሑ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቦተኦም ከም ዝተልዓሉን ከም ዝተኣሰሩን ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ፡ ኣብ'ቲ መዓልታዊ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ረድኤት ትግራይ'ውን መብርሂ ሂቡ እዩ።

ንሱ፡ "ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታት" ከምኡ ድማ "ምህላው ዕጡቓት ሓይልታት" ረድኤት ኣብ ምቕራብ ዓንቃፊ ኮይኑ ምህላዉ ገሊጹ።

እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ምስ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክነጻጸር እንከሎ እኹል ከም ዘይኮነ ድማ እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ኣባላት ዓቃቢ ሰላም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ

ኣብቲ ክልል 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኮነ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ነቲ ህዝቢ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ክፈጥርን ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው።

ትካላት ረድኤትን ውደብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ሕማቕ ምዃኑን "ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ክሃልቁ ከም ዝኽእሉን" ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ዓለማዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ሓያሎ ህዝቢ ተጸባዪ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾነ ገሊጹ።

ዳይሬክተር ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ዶሚኒክ ስቲልሆርት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጻንሒት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ምህርቲ ዝእክበሉ ወቕቲ ኣይረኸበን" ኢሉ።

ከምኡ'ውን ምስ ቀረብ ሕክምና ዝምልከት 'ከቢድ ጸገም' ተፈጢሩ ኣሎ ኢሉ።

ቅድሚ 2 ሰሙን፡ ሓለፊ ትካል መግቢ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንከብጽሑ ከምዝተስማምዑ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝበጽሐ ሓላፊ እቲ ትካል፡ ን1.3 ሚልዮን ህዝቢ ንምርዳእ 20 ሽሕ ቶን ምግቢ ኣብ መላእ ትግራይ እናብጸሐ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዝተመዛበሉ ኾይኖም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣመዓባብላ ናይቲ ጎንጺ

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ፌዴራል መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2020፡ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ነጺጉ፡ 'ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ' ብምባል ኣብቲ ንሱ ዘማሕድሮ ክልል መረጻ ክካየድ ገይሩ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን፡ ፌዴራል መንግስቲ "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ዋላ'ኳ መንግስቲ እቲ ወታሃደራዊ ስርሒታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ብዓወት ከምዝተዛዘመ እንተ ተገልጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓሓሊፉ ጎንጺ ይቕጽል ምህላዉ ይግለጽ።

ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ገጠራትን ከተማታትን "ቅልውላዉ" ይፈጥሩ ምህላዎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጾም ነይሮም።