ተጋሩ ኣባላት ምክልኻል ኢትዮጵያ ‘ዕጥቂ ክንፈትሕ ተገዲድና’ ኢሎም

ተጋሩ ኣባላት ምክልኻል ኢትዮጵያ 'ዕጥቂ ክንፈትሕ ተገዲድና' ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖለቲካዊ ወጥሪ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ናብ ሰማይ ዓሪጉ ሓይልታቶም ኣብ ተፋጠጥ ካብ ዝኣትዉ እነሆ ሳልሳይ መዓልቲ ሒዙ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕጽል ገሊጹ’ሎ።

መራሒ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ድማ፡ ሎሚ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ቀሪቡ ብወገን ምዕራብ ትግራይ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ።

“ብደቡብ ትግራይን ዓፋርን እውን ሰራዊት የእትዉ ኣለዉ፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ውግእ ክለዓል ይኽእል እዩ” ድማ ኢሉ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ፡ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ሃገርን ኮምሽን ፌደራል ፖሊስን ዝሰርሑ ተወለድቲ ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ተወሳኺ መምርሕታት ክሳብ ዝወሃቦም ክጽበዩ ከምዝተገበረ ምንጭታት ቢቢሲ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያን ሓቢሮም።

ምእንተ ውልቃዊ ውሕስነቱ ስሙ ከይጥቀስ ዝገለጸ ኣባል ሰራዊት ‘ኣየር ወለድ’ ኢትዮጵያ፡ ክልተ በራጊድ ኣየር ወለድ ናብ ባህርዳርን ጎንደርን ከይደን ኣነ ዘለኹዋ በርጌድ ግን፡ ተዳለዉ ጥራይ ተባሂልና ኣብ ምድላው እንከለኹ፡ ናብ ትማሊ [ሕዳር 4] ዘውግሕ ለይቲ ተጸዊዔ ‘ዕጥቕኻን ንብረትካን ኣረክብ’ ተባሂለ ኣረኪበ ኣለኹ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ኣባል ኮማንዶ ኮይኑ ኣብ ዝተመደቦ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ወፍርታት ግቡኡ ክፍጽም ከም ከምዝጸንሐ ዝገልጽ እዚ ምንጪ “ኣዘዝትና ኣኼባ ኣኪቦም ‘ህወሓት ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ሰራዊት ሃገር መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ’ ድሕሪ ምባል፡ ኩላትና ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት እታ ብርጌድ ዕጥቕና ፈቲሕና ተወሳኺ መምርሕታት ክሳብ ዝወሃበና ንጽበ ኣለና ይብል።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ክሓትት ናብ ምክትል ኤታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሀኑ ጁላ፡ እዚ ንዕኡ ዝምልከት ከምዘይኮነ ብምግላጽ “ከምኡ ነገር እንተልዩ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ስለዝኾነ ፖለቲካ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰባት ስለዘለውዎ ንዕኣቶም ሕተቱ” ዝብል መልሲ ሂቡ።

ካልእቲ ስማ ክግለጽ ዘይደለየት ኣባል ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለትሉ ሓይሊ ፖሊስ ፌደራል ሃንደበት ተደዊሉ “ኣልባሳትክን ዕጥቅንን ኣረክቢ” ከምዝተብሃለት፡ ንቢቢሲ ሓቢራ።

እታ ምንጭና ወሲኻ፡ ካልኦት ኣባላት ናይ’ቲ ኮምሽን ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብ ኣኼባ ዕጥቆምን ኣልባሳቶምን ከረክቡ ከምዝተገበረ ትዛረብ።

ብዛዕባ’ዚ ዝተሓተተ ኮምሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል እንዳሻው ጣሰው፡ ‘ውሽጣዊ ጉዳይ ምዃኑ ብምግላጽ ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።

ሎሚ ብተሌቪዥን ቀሪቡ መግለጺ ዝሃበ፡ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ‘ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ከም ከሓድቲ ተቖጺሮም፡ ካብ ስርሓቶም ከምዝተኣገዱን ይንከላበቱ ከምዘለዉን’ ተዛሪቡ።

እቶም ምንጭታት እንታይ ይብሉ?

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣኼባታትን ወፍርታትን ከይሳተፉ ተኣጊዶም ካብ’ቲ ናይ ወተሃደራት መዓስከር ከይወጽኡ ከምዝተነገሮም ዝሓበረ እቲ ኣባል ምክልኻል፡ “ተጋሩ ተኣኪብና ዕድመ ልክዕና ደምና ዝገበርናሉ ትካል ከመይ ከምዚ ይፈድየና? ኢልና ሓቲትናዮም፡ እንተኾነ ግን ካብ ላዕሊ ዝመጽአ ትእዛዝ እዩ” ዝብል ምላሽ ከምዝተወሃቦም ይገልጽ።

“ንቐጻሊ እንታይ ከምዝገብሩና እውን ንፈልጦ ነገር የለን” ድሕሪ ምባል ድማ፡ ንህይወቶም እውን ከምዝሰግኡ ይዛረብ። “ዓለም ለኸ ትካላት ኣብቲ ጉዳይ ኢዶም ኣእትዮም ፍታሕ ክህቡና ንላቦ” ብምባል ተሻቒሉ ምህላዉ፡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምትፍናን መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ናብ ኵናት ኣምሪሑ ክልቲኦም ሓይልታት “ኣነ እየ ዝስዕር ኣነ እባ” እናተብሃሃሉ ይቕጽል ኣሎ።

ፖለቲካዊ ወጥሪ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን