ጋዜጠኛ ኣውሎ ሚድያ በቃሉ ኣላምረው ከምዝተኣሰረ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, Awlo media
ጋዜጠኛ ኣውሎ ሚድያ በቃሉ ኣላምረው ሎሚ ረቡዕ ንጉሆ፡ ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝኣትወሉ፡ ደምቢ ክዳን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብዝተኸደኑ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተወሰደ፡ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣውሎ ሚድያ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣይተ ወልደጊዮርጊስ ገብረሂወት፡ ጋዜጠኛ በቃሉ ምስ ካልኦት መሳርሕቱ ኮይኑ፡ ካብ ገዛ ናብ ስራሕ እናተጉዓዘ እንከሎ፡ ሰለስተ ደምቢ ክዳን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸደኑን፡ ካልእ ሲቪል ክዳን ዝለበሰን ኣባላት ጸጥታ፡ ነቲ ጋዜጠኛ ከምዝወሰድዎ ሓቢሩ።
እቶም ኣካላት ፀጥታ፡ ንጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ካብ ምውሳድ ብተወሳኺ፡ ኣብ'ቲ ናይ ሚድያ ትካል ተፍትሽ ከምዘካየዱን፡ ንብረት እቲ ሚድያ “ብኢደወነኖም” ከምዝወሰዱን፡ ኣይተ ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ነዚ ክነረጋግጽ፡ ናብ ኮምሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
“ልዕሊ ሰለስተ ኮምፒዩተር፣ ብዙሕ ሃርድ ዲስክ፣ ፍላሽ፣ ናይ ሚድያ ሰነዳት፣ ሞባይልን ናይ ዋይፋይ ራውተርን ከይተረፈ ኣልዒሎም ወሲዶሞ” ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ እቶም ናይ ፀጥታ ኣባላት ኣድራሽኦም ከይተዛረቡ፣ መለለይ መንነት ከየርኣዩን፡ ናይ ቤት-ፍርዲ ትእዛዝ እንከይሓዙን እዮም፡ ነዚ ተግባር ፈፂሞም ኢሉ።
ኣይተ ወልደጊዮርጊስ፡ ድሕሪ'ዚ ፍጻመ ንሱን ካልኦት መሳርሕቱን ናብ ቤት ጽሕፈቶም ክኣትዉ ስግኣት ከምዝሓደሮም'ውን ገሊጹ።
“ሕዚ ናብ ከባቢ ቤት ጽሕፈትና ክንከይድ ኣይንኽእልን፤ ኣብኡ ዝተወሰኑ ፖሊስ ከምዘለዉ እውን ሰሚዕና ኢና። ስለዚ ካብ ገዛን ካብ ስራሕ ቦታን ርሕቕ ኢልና ኢና፡ ነቲ ኩነታት ንከታተል ዘለና” ኢሉ።
እቶም ኣካላት ጸጥታ “ንምንታይ ንጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ከምዝኣሰርዎን፡ ንምንታይ ነቲ ቤት ጽሕፈት ብዘይሕጋዊ መገዲ ከምዝፈተሽዎን” ዝሃብዎ መብርሂ ከምዘየለ ድማ ገሊፁ።
ኣብ'ቲ እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣውሎ ሚድያ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት'ውን 'ኣንከላቢቶምዎም' ክብል ከሲሱ።
እዚ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ ናይ'ቲ ጋዜጠኛን ኣብ ልዕሊ እቲ ሚድያ ዝተኻየደ ተፍትሽን፡ ምስ ምንታይ ዝዛመድ ከምዝኾነ ዝተነገሮም ነገር ከምዘየለን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝቐረበ ቅረታ ኮነ ክሲ’ውን ከምዘይነበረን እቲ ሓላፊ ገሊፁ።
“ኣብ ዕለታዊ ንሰርሖም ዜና ኮነ ምይይጣት እዚ ጌርኩም ተባሂሉ ዝተነገረና ነገር ኮነ ዝተውሃበና መጠንቀቕታ የለን” ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







