ቅልውላው ትግራይ: ካብ ስልጣኖም ዝተወገዱ መራሕቲ ህወሓት ንሰላማዊ 'ዝርርብ ቅድመ-ኩነት ኣንቢሮም'

ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገዛኢ ውድብ ህወሓት ዘመሓድራ ትግራይ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ግጭት ኣምሪሓ ትርከብ

እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ስልጣን ሒዞም ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት፡ ምስ መንግስቲ ቅድሚ ምዝርራቦም ክፍጸሙ ኣለዎም ዝበልዎም ቅድመ-ኩነታት ኣንቢሮም።

እቲ መግለጺ ኣብቲ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝግለጽ 'ትግራይ ሜድያ ሃውስ' (TMH) እዩ ተቓሊሑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽንሖም'ዮም ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ረጽሚ ኣምሪሖም።።

ብ3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጥቅዖም ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ቅደሚ ምፍጻሞም ዝወሰድዎ 'ናይ ምክልለል ስጉምቲ' ምዃኑ'ም ዝገልጹ።

ዋላ'ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝተወስደ ወታሃደራዊ ስርሒት ብዓወት ሰራዊቱ ከምዝተዛዘም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር እንተገለጸ፡ እቲ ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ን96 ቀንዲ መራሕቲ ህወሓት ዝርከቡዎም 349 ጥርጡራት ተታሒዞም ክእሰሩ ምእዛዙ ይዝከር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኣቶ ስዩም ምስፍን፡ ኣቶ ኣባይ ጸሃየ፡ ኣቶ ስመላሽ ወልደስላሰ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነበር ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ሓፍቱን፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ዝርከብዎም ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ዕጥቃዊ ምልዕዓል ብምክያድ ዝብሉ ክስታት ክሕደት ሃገር ተመስሪቶምሎም ምህላዎም ይግለጽ።

እቲ በቶም ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ናብ በረኻታት ትግራይ ኣንሳሒቦም ዝርከቡ መራሕቲ ዝወጸ መግለጺ ነዞም ዝስዕቡ ቅደመ-ኩነታት ኣቐሚጡ'ሎ፡

  • ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ። መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ኢድ ከምዘይብላ'ዮም ዝገልጹ።
  • ካልኦት "ወረርቲ ሓይልታት" እውን ካብቲ ክልል ክወጹ። ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ኲናት ከምዝተሳተፉን፡ ንገለ ከባቢታት ናይቲ ክልል ሒዞሞ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
  • ነቲ ኣብቲ ክልል ተፈጺሙ ዝበልዎ "ምጽናት ብሄር"ን እቲ ኲናት ዘኸተሎ ዕንወትን ብናጻ ኣካል ክጻረ
  • ነቶም ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ዝኾኑ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ። ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ናይ መግቢ ረዲኤት ክወሃብ ጀሚሩ ምህላዉ ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚን ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
  • ፖለቲካውያን እሱራት ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክፍትሑ
  • እቲ ነቲ ክልል ከማሓድር ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ክፈርስን
  • ዝኾነ ሰላማዊ ዝርርብ ድማ ብዓለምለኻዊ ወገን ክምእከልን ጠሊቦም ኣለዉ።
ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, Tigray tv

መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ኣቐዲሙ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዝተፈተነ ጻዕሪ ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይተዓወተ ይፍለጥ። ብዛዕባ'ቲ ሓድሽ እማመ ዛጊት ካብ መንግስቲ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

"ህወሓት ዝበሃል ውድብ ከም ውድብ የለን" ክብል ሓደ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ መኮንን ብዓርቢ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ናይ ሕጂ መግለጺ መራሕቲ ህወሓት እንታይ ዘበገሶ ምዃኑ ዛጊት ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሰሙን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ህዝቢ ካብቶም ምስኡ ተጸጊዖም ኣለዉ ዝበሎም ሓይልታት ህወሓት ክፍለን ግዳይ ናይቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ከይከውንን ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ።

ኣብቲ ኲናት ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ኤርትራ ግጭት ትግራይ

ኣብ ፈለማ መዓልታት ናይቲ ኵናት መራሕቲ ህወሓት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ደብዳባት የካይድ ምንባሩን፡ ሓያሎ ኣሃዱታት ኣብ ትግራይ ኣእትዩ ምንባሩን ክኸሱ ተሰሚዖም።

ብሰሉስ 10 ሕዳር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን ኤርትራ "ኣብ ውሽጣዊ ግጭት [ኢትዮጵያ]" ከምዘይትኣቱ ተዛሪቡ።

ገለ ኣሃዱታት ሰሜን እዝ ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዛሪቦም'ዮም።

ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዶባት ምስ ሓይልታት ትግራይ ተዋጊኦም ምንባሮምን፡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ይእለዩ ምንባሮም'ውን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ብ14 ሕዳር ንፈለማ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣስመራ ናይ ሚሳይላት ደብዳብ ኣካይዶም። ዕለት 26ን 27ን ሕዳር'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ኣካይዶምም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV

ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ብቐጻሊ ዝተኻየደ ደብዳባት ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ ኣይነበረን።

ሕብረት ኤውሮጳ ብዕለት 8 ለካቲት 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንጻውዒት ኣመሪካ ብምድጋፍ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ንጽውዕ" ኢሉ።

ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ብቐጥታ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝሓተተት ኣነጺራ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ክስታት ኣመሪካ "ግጉያትን ግምታውን" እዮም ብምባል መንግስቱ ነቲ ክሲ ከምዝነጽጎ ኣፍሊጡ'ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ17 ለካቲት ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካይዶ ቃለመሕትት ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ከምዘገድሶ ተዛሪቡ።

"ንሕናው'ን ካብ ካልኦት ህዝብታት ብዝተፈልየ ድሕሪ 80 ዓመታት ሽግር ዝራኣናሉ ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቅሳነትን ርግኣትን ካብ ካልኦት ህዝብታት ናይዚ ጎዶቦ ዝያዳ የገድሰና።

"ብኡ መጠን ከኣ ግዴታና ግቡእና ከነበርክት ኣለና ኢልና ንሰርሕ ኣለና" ክብል ንተራ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢትዮጵያ ገሊጹ። እንታይ ዓይነት ኣበርክቶ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።

ብዛዕባ ወታሃደራዊ ምትእትታው ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ግን ዝኾነ ንጹር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ዓመዓባብላ ናይቲ ግጭት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ሒዙዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ 2019 ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገ መንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።