ቅልውላው ትግራይ : ኣብ መላእ ትግራይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዳግም ተቛሪጹ ምህላዉ ሰብመዚ ኣረጋጊጾም

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Electric Power
ኣብ ምሉእ ክልል ትግራይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምዝተቛረጸ ብዓልመዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ጠንቂ ናይቲ ምቁራጽ ኣብ ልዕሊ'ቲ ካብ ኣላማጣ-መኾኒ-መቐለ ዝዝርጋሕ መስመር መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ኣብ ከባቢ ዓዲጉደም ዝተባህለ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ በቶም "ተረፍመረፍ ጁንታ" ዝበሎም ሓይልታት ህወሓት ዝተኻየደ ምዃኑ'ውን ከሲሱ።
ብወገን ሓይልታት ህወሓት ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብናጻ ኣካል'ውን ኣይእተረጋገጸን።
ሓይሊ ኤልክትሪክ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ጠፊኡ ምንባሩ ግን ነበርቲ ናይቲ ክልል ኣረጋጊጾም ነይሮም።
እቲ መስመር ሓደ ካብቶም ፈላማ ግዳያት ናይቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝኾኑ ትሕተ ቅርጽታት ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ብዓልመዚ ከምዝበሎ፡ እቲ ካብ ተከዘ ናብ ኣክሱም ዝኣቱ ካልኣይ መስመር ኣብ ጽገና'ዩ ጸኒሑ።
ነቲ ዓንዩ ዘሎ መስመር ብምጽጋን ኣገልግሎት መብራህቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ሓደ ቦታ እንተኾይኑ እቲ መስመር ተቛሪጹ ዘሎ ንምጽጋኑ ግዜ ዝወስድ ከምዘይከውን ዝገለጸ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ትካል ኣቶ ሞገስ መኮነን፡ ኣብ ካልኦት ቦታታት'ውን ዕንወት ወሪድዎ እንተሎ ንምፍላጥ ዳህሳስ ክግበር ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ማእከል ህዝቢ ተሰትዩ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ዳግማይ "ከቢድ ቅልውላዉ" ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
"ኣብ ከተማታትን ገጠርን ትግራይ፡ እቶም ካብ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ዘምለጡ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት፡ ነቲ ህዝቢ ከውሊ ብምግባር፡ ናይ'ቲ ህዝቢ ሰላም ክዘርጉን ኣብ ዝውሰድ ናይ ዓጸፋዊ መልሲ፡ ናብ ካልእ ከቢድ ቅልውለው ክመልሱዎን ይጽዕሩ ምህላዎም ተረጋጊጹ ኣሎ" ክብል እቲ መግለጺ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2020 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እቲ "ሕጊ ንምኽባር" ብዝብል ብ4 ሕዳር ናይቲ ዓመት ዝጀመሮ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ብምእዋጅ፡ ዝተርፍ ንመራሕቲ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ምእታው ጥራይ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ እቲ መዓልታት ጥራይ ከምዝወስድ ዝተነገረሉ ስርሒት ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ቀጺሉ'ሎ። ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓሓሊፉ ረጽሚ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ትሕተ-ቅርጻዊ ዕንወትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







