አብ ትግራይ፡ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ፡ ኣብ መቐለ ኣገልግሎት መብራህቲ ጀሚሩ

ኣብ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልገሎት መብራህትን ምንቅስቃስ ተሽከርከርትን ምጅማሩ ተሓቢሩ።
ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ግጭት ምስ ኣጋጠመ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ትማሊ ምሸት ናብ ንቡር ተመሊሱ።
ሎሚ ኸኣ እቲ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ተኸልኪሉ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ብፍሉይ ፍቓድ ፖሊስ ከም ዝጀመረ ተፈሊጡ።
ኣብዚ እዋን እዚ ከተማ መቐለ ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ዘላ፤ ይኹን እምበር እቲ ህዝቢ ኲናትን ወረ ኲናትን ብዝፈጠሮ ጸቕጢ ኣብ ሻቕሎት ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ትማሊ ብድምጺ ነፋሪት ኵናት ተሰናቢዱ ዝነበረ ህዝቢ ከተማ መቐለ፡ ሎሚ ስሩዕ ዋኒኑ ንምክያድ ይንቀሳቐስ ኣሎ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ሕብረተሰብ ሻቅሎት ከም ዘሎ ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኩናት ይካየድ እኳ እንተሎ ምዕባለታቱ ግን ገና ኣይተሓበረን ዘሎ።
ሓደ ሓደ ንቑጣታት መዓደሊ ነዳዲ ኣገልግሎት ይህባ እኳ እንተለዋ ርኡይ ሕጽረት ቤንዚን ምህላው ተገሊጹ።
ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ናይ ሻምናይ ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ክወስዱ ዝጽበዩ ዘለው ተማሃሮ ሻሙናይ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ቀዳማይ ብርኪ መዳለዊ ፈተና ትምህርቲ ይወስዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።
እቶም ትምህርቶም ጀሚሮም ዝነበሩ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ግን ትምህርቶም ከቋርጹ ተገዲዶም ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







