እስራኤል፡ ሓድሽ ዓይነት ጥንታዊ ሰብ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, AVI LEVIN AND ILAN THEILER, SACKLER
ኣብ እስራኤል መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ተመራመርቲ፡ ቅድሚ ሕዚ ዘይተፈለጠ ሓድሽ ዓይነት ጥንታዊ ሰብ ከም ዝረኸቡ ኣፍሊጦም፡፡
እቲ ሓድሽ ዓይነት ጥንታዊ ሰብ፡ ቅድሚ ልዕሊ 100 ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ምስቶም ናይ ሎሚ ዘርኢ ሰባት ዝነበረ እዩ ተባሂሉ።
እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ራማላ ዝተረኸበ ኣሰር ሰብ ካብቶም ኣብ መወዳእታ ዝነበሩ ጉጅለ ጥንታውያን ሰባት፡ ሓደ ከም ዝኾነ እዮም ዝኣምኑ፡፡
እቲ ዝተረኸበ ክፋል ሽክና ርእስን ምንጋጋን፡ ናይ ሓደ ቅድሚ ኣብ መንጎ 140 ሽሕን 120 ሽሕን ዓመታት ዝነበረ ጥንታዊ ሰብ እዩ፡፡
ዝርዝር እቲ ግንዮት ኣብ መጽሄት ዘ ጆርናል ሳይንስ ዝተሓተመ ኮይኑ፡ እቲ ፍጡር ካብቶም ቅድሚ ኣማኢት ሽሕ ዓመታት ካብቲ ዞባ ተበጊሶም ክኾኑ ዝኽእሉን ነቶም ዳሕራይ ኣብ ኣውሮጳን እስያን ዝነበሩ ኒያንደርታልስ ዝፈጠሩን ዓይነት ጥንታዊ ሰባት ዝመጽአ ክኸውን ከም ዝኽእል እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ ይግምቱ።
እቶም ተመራመርቲ ነቲ ዝረኸብዎ ቅሪት ‘‘ነሸር ራምላ ሆሞ ታይፕ’’ ዝብል ሽም ሂቦምዎ ኣለዉ፡፡
መምህር ዩኒቨርሲቲ ተልኣቪቭ ዶ/ር ሂላ መይ፡ እቲ ግንዮት ንታሪኽ ፍልቀት ወዲሰብ ብፍላይ ዘርኢ ኒያንደርታል ዝቕይር እዩ ኢላ።
ቅድሚ ሕዚ ፍልቀት ኒያንደርታል ብዝምልከት ዝነበረ ርድኢት ምስ ኣውሮጳ ዝተሓሓዝ እዩ፡፡
"ኩሉ ኣብ እስራኤል እዩ ጀሚሩ፡፡ እቲ ምንጪ ኣብዚ ዝነበረ ሰብ እዩ ኢልና ኢና እንሓስብ፡፡ ኣብ ዘበነ ኢንተርግላሲያል (ኣብ መንጎ መዋእላት በረድ ዝነበረ ዘበነ ዋዒ) ህዝቢ ራምላ ነሽር ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ኣውሮጳ ተሰዲዱ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ፡፡
እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ቀዳሞት ኣባላት ጉጅለ ነሸር ራምላ ሆሞ፡ ቅድሚ 400 ሽሕ ዓመታት ከም ዝነበሩ ይገልጹ።
እቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣሰር ህይወት ድማ ምስቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሩ ጉጅለ ‘‘ቅድመ ኒያንደርታል’’ ከም ዝሳሰል ይሕብሩ፡፡
እዞም ሰባት ናይ ኒያንደርታል ኣቦሓጎታት ከም ዝኾኑ እትገልጽ ዶ/ር መይ "ናይ ኣውሮጳ ኒያንደርታል ኣብዚ እዮም ነይሮም፤ ካብኡ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ደቂ ሰብ እናተዋሰቡ ናብ ኣውሮጳ ተሰዲዶም" ኢላ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







