እስራኤል ብኳዕቲ ልዕሊ 1 ሽሕ ዓመት ዕድመ ዘለዎ መስጊድ ረኺባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ እስራኤል ኔጌቭ ኣብ ዝበሃል ምድረበዳ፡ ሰብ ሞያ ስነ ኳዕቲ እስራኤል፡ ቅድሚ 1,200 ዓመት ኣቢሉ ዝተሃነጸ መስጊድ ረኺቦም።
እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ዝበሃሉ እዩ።
ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ከምዝበሎ፡ እቲ መስጊድ ዝተረኸበ ንህንጸት ተባሂሉ ኳዕቲ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Israel's Antiquities Authority

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ምስቶም ኣብ መካን እዮርሳሌምን ዝተረኸቡ ናይቲ ዘመን መሳጊድ ብዕድመ ዝቀራረብ ምዃኑ'ውን ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ገሊጹ።
ነቲ ኳዕቲ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ብወገኖም "ኣብ ዓለምና ካብ ዝተረኸቡ ኩሎም ፍልይ ዝበለ" ክብሉ ገሊጾምዎ።
ነቲ መስጊድ ድማ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ይጥቀምሉ ነይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ መስጊድ ናሕሲ ኣልቦ ክኸውን እንከሎ፡ ብቕርጺ ርቡዕ ኩርናዕ ዝተሃነጸ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ታሪኽ ሃይማኖት እስልምና ዘጽንዑ ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፡ እቲ መስጊድ፡ ሃይማኖት እስልምና ናብታ ናይ ሎሚ እስራኤል ኣብ ዝኣተወሉ ናይ መፈለምታ ዓመታት ካብ ዝተሃነጹ ፈላሞት መስጊዳት ሓደ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







