እስራኤል ብኳዕቲ ልዕሊ 1 ሽሕ ዓመት ዕድመ ዘለዎ መስጊድ ረኺባ

ኣብ እስራኤል ኔጌቭ ኣብ ዝበሃል ምድረበዳ፡ ሰብ ሞያ ስነ ኳዕቲ እስራኤል፡ ቅድሚ 1,200 ዓመት ኣቢሉ ዝተሃነጸ መስጊድ ረኺቦም።

እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ዝበሃሉ እዩ።

ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ከምዝበሎ፡ እቲ መስጊድ ዝተረኸበ ንህንጸት ተባሂሉ ኳዕቲ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እዩ።

እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ምስቶም ኣብ መካን እዮርሳሌምን ዝተረኸቡ ናይቲ ዘመን መሳጊድ ብዕድመ ዝቀራረብ ምዃኑ'ውን ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ገሊጹ።

ነቲ ኳዕቲ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ብወገኖም "ኣብ ዓለምና ካብ ዝተረኸቡ ኩሎም ፍልይ ዝበለ" ክብሉ ገሊጾምዎ።

ነቲ መስጊድ ድማ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ይጥቀምሉ ነይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ።

እቲ መስጊድ ናሕሲ ኣልቦ ክኸውን እንከሎ፡ ብቕርጺ ርቡዕ ኩርናዕ ዝተሃነጸ እዩ።

እቶም ታሪኽ ሃይማኖት እስልምና ዘጽንዑ ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፡ እቲ መስጊድ፡ ሃይማኖት እስልምና ናብታ ናይ ሎሚ እስራኤል ኣብ ዝኣተወሉ ናይ መፈለምታ ዓመታት ካብ ዝተሃነጹ ፈላሞት መስጊዳት ሓደ እዩ።