ኣብ ካናዳ፡ ዝጠፍአት ኣህጉር ከምዝነበረት መረዳእታታት ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ካናዳዊ ተመራማሪ፤ እታ 'ዝጠፍአት' ኣህጉር ካብቲ ነይርዋ ተባሂሉ ዝግመት ዕቤት ንላዕሊ ገዛፍ ከምዝነበረት ኣረጋጊጹ።
ባፍሊን ኣብ ዝተብሃሉ ብበረድ ዝተሸፈኑ ደሴታት ንዝተረኸቡ ስብርባራት ኣልማዝ መሰረት ገይሩ ምርምሩ ዘካየደ ካናዳዊ፤ እታ ኣሰር-መሰደራ ጠፊኣ ዝበላ ኣህጉር ካብቲ ዝእመነላ 10 ሚኢታዊ ንላዕሊ ገዛፍ ከምዝነበረት ዘርእይ መረዳእታ ረኺበ ይብል።
እቶም ስብርባራት ኣልማዝ ናይዛ 'ኖርዝ ኣትላንቲክ ክራቶን' ተባሂላ ዝተሰምየት ኣህጉር ተረፍ-መረፍ እዮም።
ሰሜን ኣመሪካ ክራቶን፡ ካብ ናይ ሎሚ ስኮትላንድ ክሳብ ሰሜን ኣመሪካ ዝዝርጋሕ ኾይኑ ቅድሚ 150 ሚልዮን ዓመታት እዩ ተበታቲኹ ጠፊኡ ተባሂሉ ይእመነሉ።
እቶም ተመራመርቲ ነዚ ኩሉ ርካባት ክረኽቡ ዝበቕዑ፡ ኣብ ደሴታት ባፍሊን ኣብ ዝርከቡ ኣኻውሕ ኣብ ዝተረኸቡ ስብርባራት ኣልማዝ ብዝገበርዎ መጽናዕቲ እዩ።
እቶም ኣኻውሕ 'ኪምበርላይትስ' እናተብሃሉ ይጽውዑ።
ፍልይ ዝበለ መልክዕን ቅርጽን ስለዘለዎም ድማ፡ ሰባት እንትረኽብዎም ከየልዐሉ ኣይሓልፍዎምን።
ተመራማሪት ስነ-ኳዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ማያ ኮፒሎቫ፡ እዞም ኣኻውሕ ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ምድሪ ዘሎ ባህሪ ቁልጭ ኣቢሎም ዘርእዩ 'ፍሉያት ተፈጥሮታት' እያ ትብሎም።
ብፍላይ ድማ ምስቶም ኣኻውሕ ተጣቢቖም ዝርከቡ ደቓቕም ስብርባራት ኣልማዝ፡ እታ ኣህጉር እንታይ ተፈጥሮ ከምዝነበራ ንምጽናዕ ዝጠቕሙ ባእታታት ዝሓዙ ከምዝኾኑ ትዛረብ።
ኣብ መጽሄት ውጽኢታት ምርምር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝሰፈረ ጽሑፍ፡ ነዞም ስብርባራት ኣልማዝ ምርካብ፡ ዳርጋ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ እታ ዝጠፍኣት ኣህጉር ሕንቅሕንቅሊተይ ኮይኑ ንዝጸንሐ ምስጢር ዝፈትሕ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።
"ብዛዕባ እታ ዝጠፍአት ኣህጉር ንዝነበረና ፍልጠት ብዓብዩ ዝቕይር ውጽኢት ምርምር" ኢላቶ ማያ ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







