እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ሲዘርያ 900 ዓመት ዝገበረ ናይ ወርቂ ሳናቲም ተረኺቡ

ኣብ ከተማ ሲዘርያ 900 ዓመት ዝገበረ ናይ ወርቂ ሳናቲም ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Yaniv Berman

መግለጺ ስእሊ, እዚ ሳናቲም ምስ ሓደ ድራማዊ ክስትት ከተማ ሲዘርያ ምትሕሓዝ ከም ዝህልዎ ይግመት

ብክኢላታት ስነ ኳዕቲ እስራኤል 900 ዓመታት ከም ከምዝገብር ዝግመት ናይ ወርቂ ሳናቲም ኣብ ጥንታዊት ወደባዊት ከተማ ሲዘርያ ተረኺቡ።

እዚ ናይ ወርቂ ሳናቲም ኣብ ዒላ ኣብ ወሽጢ ሓደ ናይ ነሓስ ዕትሮ ዝተረኸበ ኸይኑ፡ እዚ 24 ናይ ወርቂ ሳናቲም ብሓደ ክምለሶ ኢሉ ዝሓበኦ ሰብ'ሞ ዘይተመለሶ ክኸውን ከምዝኽል እዩ ዝግመት።

እዞም ክኢላታት ስነ ኳዕቲ፡ ሰብ ዋና እዚ ናይ ወርቂ ሳናቲም፡ ነበርቲ ጥንታዊት ከተማ ሲዘርያ ኣብ 1101 ብ መስቀላዊ ዘመተ ብጅምላ ኣብ ዝተቐተልሉ፡ ተቐቲሉ ክኽውን ከም ዝኽእል ግምቶም ሂቦም።

እዚ ናይ ወርቂ ሳናቲም፡ ንገለ ክፋል ከተማ ሲዘርያ ናብ ዓለማዊ ውርሻ ንምስግጋራ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ኩዕታ እዩ ተረኺቡ

ክኢላታት ስነ ኩዕታ ኣብ ጥንታዊት ወደባዊት ከተማ ሲዘርያ ኩዕታ እናኣካየዱ

ምንጪ ስእሊ, Yaakov Shimdov

መግለጺ ስእሊ, እዚ ናይ ወርቂ ሳናቲም ኣብ ሓደ ዒላ እዩ ተረኺቡ

ሰብ መዚ ስነ ኳዕቲ እስራኤል "እዚ ሳናቲም ምስክር ናይቲ ድራማዊ ክስተት ጥንታዊት ከተማ ሲዘርያ'ዩ" ክብሉ ገሊጸሞ።

ብመሰረት ዝተረኸቡ ጽሑፋት ዝበዝሑ ነበርቲ ጥንታዊት ከተማ ሲዘርያ ካብ 1100 ክሳብ 1118 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ በቲ ንንግስነት እዮሩሳሌም ዝመርሕ ዝነበረ፡ ባልዳዊት ቀዳማይ ዝምራሕ ዝነበረ መስቀላዊ ዘመተ ከም ዝሃለቑ'ዩ ዝሕብር።

ዳይሬክተራት እዚ ስነ ኳዕቲ ዶክተር ፔተርን ሞሓመድ ሃታርን "ነዚ ወርቂ ዝውንን ዝነበረ ውልቀ ሰብ ወይ በቲ ናይ መስቀላዊ ዘመት ተቀቲሉ ኣሎ፡ ወይ'ውን ከም ባርያ ናብ ካልእ ቦታ ተሸይጡ፡ ናብቲ ኣዋርቑ ዝሓባኣሉ ቦታ ዳግማይ ክምለስ ዘይክኣለ እዩ ክኸውን ዝኽእል" ይብሉ።

ኣብ ጥቃ እዚ ናይ ወርቂ ሳናቲም ዝተረኸበሉ ቦታ፡ ናይ ተመሳሳሊ እዋን ምኳኑ ዝንገረሉ፡ ኣብ 1960ታት ኣብ ዕትሮ ዝተዓቀበ ናይ ወርቂን ብሩርን በናጅር፡ ከምኡ'ውን ኣብ 1990ታት ብነሓስ ዝተሰርሐ ሒላብ ከምዝተረኸበ ይፍለጥ።

እዞም ዝተረኸቡ ሳናቲም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤተ መዘክር እዮሩሳሌም ተዓቂቦም ይርከቡ።