እስራኤል፡ 'ገነት' ቅድመ ታሪክ ረኺባ

ምንጪ ስእሊ, Tel Aviv University
ሰብ ሙያ ስነ ኩዕታ እስራኤል፡ ቅድሚ 500 ሽሕ ዓመት ኣብ ከባቢ ቴል ኣቪቭ ሃደንቲ 'ገነት' ኢሎም ዝጽዋዕዎ ዝነበሩ ከባቢ ቅድመ ታሪክ ረኺቦም።
ኣብቲ ኣብ ጥቓ መገዲ ኣርብዓ ጃልጁሊያ ዝተረኽበ ቅርሰ-ዓዲ፡ ከም ፋስን ካልኦት ናዉቲታትን ተረኺቦም ኣለዉ። ሰብ ሙያ ከምዝብሉዎ፡ ቅድሚ ወዲ ሰብ ምንባር ምጅማሩ ኣብቲ ኸባቢ ብብዝሒ ኣትኽልትን እንስሳትን ነይሮም'ዮም።
ሓላፊ ክፍሊ ስነ -ኩዕታ ዩኒቨርሲቲ ቴል ኣቪቭ ራን ባራካይ፡ እቲ ከባቢ "ዘደንቕ ሓለዋ ተገይርሉ ዝጸንሐ'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።
"ሰባት ልክዕ ከም ገነት ይርእዩዎ ስለዝነበሩ ናብቲ ቦታ ብተደጋጋሚ ይመጽኡ ነይሮም" ይብል።
"ውሕጅ ኣኻኺቡ ዘምጸኦም ዘገልገሉ ኣቑሑ ተጠቒሞም ናዉታት ዕዮ ይሰርሑ ነይሮም፡ እዚ ከኣ ንእንስሳት ይስሕብ ነይሩ። እዚ ቅርሰ-ዓዲ ከምዘመልክቶ እቶም ጥንታውያን ዘድልዮም ዝነበረ ኩሉ ነይሩዎም'ዩ"።

ምንጪ ስእሊ, Tel Aviv University
በዓል መዚ ጥንታዊ ሓድግታት እስራኤል፡ እቲ ኳዕቲ ምስ ዩኒቨርሲቲ ቴልኣቪቭ ብምትሕብባር ከምዝተኻየደ ገሊጹ።
"እዚ፡ ዉጽኢት እቲ ንታሪኽ ጥንታዊ ናዉቲታት ዘለና ርድኢትን ዝተገበረሉ ሓለዋን ዘደንቕ'ዩ" ኢላ ዳይሬክተር ስነ ኩዕታ፡ እቲ በዓል መዚ ማያን ሴመር። "እቲ መጽናዕቲ ብዕምቖት ብምክያድ ድማ ኩነታት መነባብሮን ባህርን ደቂ ሰባት እቲ እዋን ንምፍላጥ ክንጽዕር ኢና፡ ኢላ እታ ዳይሬክተር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







