መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኢዜማ ንውጽኢት ናይቲ ምርጫ ‘ብጸጋ ክንቅበል ኢና’ ክብል ገሊጹ

ምክትል ኣቦመንበር ኣንዷለም ኣራጌ
መግለጺ ስእሊ, ምክትል ኣቦመንበር ኢዜማ ኣንዷለም ኣራጌ ንውጽኢት ናይቲ ምርጫ 'ብጸጋ ክንቅበል ኢና' ኢሉ

ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፡ ነቶም ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ምርጫ ብዝተሓሓዝ ዝተፈጥሩ ጸገማት፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ መልሲ ዘይህበሎም እንተኾይኑ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝወስዶ ኣጠንቂቑ።

እቲ ሰልፊ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቅድሚን ድሕርን ምርጫ ብዛዕባ ዘጋጠምዎ ጸገማት ኣመልኪቱ ናብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ጥርዓን ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

ብሰኑይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ደበብን ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ነቚጣታት ምርጫ፡ ኣባላቱ ከይዕዘቡ ከምዝተኸልከሉ ብምግላጽ፡ ኣብቶም ክኣትዉ ዝተፈቕደሎም ቦታታት'ውን ክወጹ ከምዝተገደዱ ኢዜማ ገሊጹ።

ናይ መወዳእታ ውጽኢት ንኽግለጽ ይጽበ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ሰልፊ፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቶም ዘቕረቦም ጥርዓናት "ብዕቱብ ርእዩ ወሳነ ዘይህበሎም እንተኾይኑ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ኣካላት ፍትሒ ክንወስዶ ከምእንኽእል ኣቐዲምና ንህዝቢ ከነፍልጥ ንፈቱ" ኢሉ።

ኣቦመንበር ናይቲ ኢዜማ፡ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብዚ ዝተኻየደ ምርጫ ዘመዝግቦም ዓወታት ብዘየገድስ፡ "ዝጀመሮም ምንቅስቓሳት ቀጸልቲ" ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣቶ የሺዋስ ከምዝበሎ፡ ልዕሊ 400 ዘጋጠምዎ ጸገማት ንሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ምክትል ኣቦመንበር ኣንዷለም ኣራጌ ብወገኑ፡ "ህዝቢ እንተዘይመሪጹና ናይ ህዝቢ ውሳነ ብጸጋ ክንቅበል ኢና" ክብል ንውጽኢት እቲ ምርጫ ከምዝቕበልዎ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሰልፊ ኣብ መላእ ሃገር፡ ኣብ 455 ናይ ምርጫ ወረዳታት ኣካላት ብምቛም ክንቀሳቐስ ከምዝጸንሐን፡ ኣብዚ ናይዚ ዓመት ምርጫ ንገዛኢ ሰልፊ ክወዳደሮ ከምዝኸኣለ'ውን ሓቢሩ።

ጸሓፊ ኢዜማ፡ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ኢዜማ "ግዝያዊ" ሰልፊ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።

"ኢዜማ ግዝያዊ ሰልፊ ዘይኮነ፡ ገና ክብገስ እንከሎ . . . ሩሑቕ ክጓዓዝ ዝኽልን ዘመን ዝሳገርን እዩ" ብምባል፡ ድሕሪ ምርጫ ንትካላዊ ቅርጺ ናይቲ ሰልፊ ከሐይልዎ መደብ ከምዘለዎም ጠቒሱ።