መረጻ ኢትዮጵያ፡ ውጽኢት ብደረጃ ክልል መረጻ ረቡዕን ሓሙስን ክግለጽ እዩ ተባሂሉ

ውጽኢት ምርጫ እትዕዘብ ጓል ኣንስተይቲ

ናይቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ መረጻ ውጽኢት ብደረጃ ክልል መረጻ፡ ረቡዕን ሓሙስን ውጽኢት ከምዝንገር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ምድማጽ ኣብ ዝተዛዘመሎም ነቑጣታት፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ድምጺ ክቁጸር ጸኒሑ'ዩ፡ ውጽኢት መድመጺ ነቁጣታት ናብ ክልል ቆጸራ ምስ ተላኣኹ "ረቡዕን ሓሙስን ናይ ክልል መረጻ ውጽኢት ብወግዒ ክሕበር'ዩ"' ክትብል ኣማኻሪት ኮምዩኒኬሽን እቲ ቦርድ ሶልያና ሽመልስ ገሊጻ።

ካብ ኩሎም ከባቢታት ውጽኢት ክልላት መረጻ ናብ ማእከል ኣትዮም ኣድላዪ ምጽራይ ምስተወደአ ድማ፡ እቲ ቦርድ ሓፈሻዊ ውጽኢት ከምዝገልጽ ተዛሪባ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢሉ 10 መዓልቲታት እንተወሓደ ግዝያዊ ሓፈሻዊ ውጽኢት መረጻ ክሕብር'የ ኢሉ ኣሎ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ገለ ገለ ሰባት ውጽኢታት ጣብያ መረጻ ብምሓዝ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከምዝኾነ ኣምሲልካ ካብ ምግላጽ ክቑጠቡ እቲ ቦርድ ተማሕጺኑ።

ኣማኻሪት ኮምዩኒኬሽን እቲ ቦርድ ሶልያና ሽመልስ ብዙሓት ጎስጎስትን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያን ካብ ሓንቲ ጣብያ መረጻ ዝተረኸበት ውጽኢት መሰረት ገይሮም "ናይዚ ክልል መረጻ ተዓዋታይ እከለ እዩ" እናበሉ ክዛረቡ ተዓዚብና ኢና ኢላ።

ውጽኢታት መረጻ ብወግዒ ናይ ምሕባር ሓላፍነት ዘለዎ ቦርድ መረጻ ጥራሕ ከምዝኾነ እትገልጽ ሶልያና፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር "ተቐባልነት ዘይብሉን ገበንን'ዩ" ኢላ።

ዛጊድ ቦርድ መረጻ ክንደይ ዝኣክል ሰብ ድምጺ ከምዝሃበ ኣሃዛዊ መረዳእታ ከምዘይብሉ ብምሕባር፡ ብዙሕ ሰብ ግን ከድምጽ ከምዝወጸ ተዛሪባ።

ኣማኻሪት ኮምኒኬሽን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሶልያና ሽመልስ "ኣብ ገጠርን ከተማን ብዙሕ ህዝቢ ድምጺ ክህብ ወጺኡ እዩ፡፡ እዚ ድማ ዘሐጉስ'ዩ" ኢላ።

ናይቲ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 14 ሰኔ 2013 [21 ሰነ 2021]፡ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ዝተኻየደ መረጻ፡ ድምጺታት ብምቑጻር ብደረጃ ጣብያ መረጻ ካብ ሰሉስ ንጉሆ ጀሚሩ ውጽኢት ብወግዒ ይሕብር ኣሎ፡ ከም ውጽኢቱ'ውን ኣብ ኣብተን መድመጺ ነቑጣታት ዝተዓወቱ ተወዳደርቲ'ውን ተፈሊጦም ኣለዉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ብዝተፈጠሩ ምትዕንቓፋት ሰኑይ ድምጺ ዘይተውሃበሎም ከባቢታት፡ መረጽቲ ትማሊ ሰሉስ ድምጾም ክህቡ ውዒሎም።

ምስ መረጻ ተተሓሒዙ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ ኣብ ዝዓረፈሉ ሆቴል ሞይቱ ብዛዕባ ዝተረኸበ ኣመሪካዊ እውን ካብ ፖሊስ ከምዝሰምዑ ሶልያና ሽመልስ ተዛሪባ.

"እቲ ውልቀ ሰብ ኣብቲ ዝዕረፈሉ ሆቴል ሞይቱ ከምዝተረኸበ ሰሚዕና ኢና፡ ኣብ ክፍሊ እቲ ሆቴል እዩ ወዲቑ ተረኺቡ፤ ኣዝዩ ዘሕዝን ኣጋጣሚ እዩ" ብምባል ሞቱ ምስቲ መረጻ ምትእስሳር ከምዘይብሉ ገሊጻ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ውልቀ ሰብ ካብቶም ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ከም ጋሻ ካብ ቦርድ መረጻ 'ባጅ' ወሲዱ ከምዝነበረ ኣብሪሃ።

"ናይ ምዕዛብ ስራሕ ኣይኮነን ዝሰርሕ ነይሩ፡ ንኣጋይሽ ዝወሃብ ባጅ እዩ ወሲዱ፡ ካብ ማእከል ካርተር ንምዕዛብ ዝመጸ የለን" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ተባሂሉ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብ ሎሚ ዓመት ተሰጋጊሩ ብክልተ ዙር ክካየድ ብዝተውሃበ ውሳነ መሰረት፡ ቀዳማይ ዙር መረጻ ኢትዮጵያ ሰኑይ 21 ሰነ 2021 [14 ሰነ 2013 ]ተኻይዱ ኣሎ፡፡

ኣብ ክልላት ሃረሪ፣ ሶማልን ካልኦት መረጻ ዘይተኻየደሎም ከባቢታትን ድማ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ 1 ጳጉሜን 2013 ዓ/ም [6 መስከረም 2021 ]ክካየድ እዩ፡፡