ኢትዮጵያ፡ ቅልውላው ትግራይ ብሓጺሩ እንክግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብዘርኣየቶ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤትን ናብ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምስግጋር ብዝገበረቶ ጻዕርን ርእሰ ዜና ዓለም ክትከውን ጸኒሓ'ያ።
ካብቲ ቅድሚኡ ብድኽነት እትልለየሉ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ክትወጽእ ኣብ ጻዕሪ ገይራ።
እንተኾነ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝኾነ ክልል ትግራይ ወተሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣጋጢሙ ኣሎ።
እቲ ኩነታት ንመጻኢ እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ጥራይ ዘይኮነ ንጎረባብታ እውን ብኸቢድ ክጸልወን ይኽእል ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ደባይ ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ነታ ካብ ሕዳር ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ማእከላይ መንግስቲ ዝጸንሐት ርእሲ ከተማ ትግራይ መቐለ ከም ብሓድሽ ተቘጻጺሮምዋ ኣለው።
እስከ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመን እታ ሃገር ናበይ ከምእተምርሕን ንርአ ።

ኣብ ትግራይ እንታይ እዩ ዝግበር ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትግራይ ኣብ ወጥሪ ጸኒሓ፤ ሕጂ እውን እቲ ወጥሪ ኣይዘለቐን ግን ከኣ ሓድሽ ኣይኮነን።
ትግራይ፡ ካብቲ 122 ሚልዮን ዝብዝሑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኦሮሞን ኣምሓራን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ክልል እያ።
ህዝቢ እቲ ክልል፡ ኣብቲ ነዊሕ ወተሃደራዊ ምሕደራ ስርዓት ደርግን ብ1974 ብዕልዋ ዝተኣልየ ንጉሳዊ መንግስትን ሓያል ቅሬታ ጸኒሑዎ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ናይ ሕጂ ማእከላይ መንግስቲ እውን ሓያል ቅርታ ጸኒሑ ኣሎ።
ካብ 1983 ክሳብ 1985 ዓ.ም.ፈ ብዘጋጠመ ጥሜት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባታ ሞይቶም፤ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም እዮም ።
ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ተዛማዲ ርግኣት ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ወተሃደራት ምምሕዳር ዞባ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ውግእ ተባሪዑ ።
ስለምንታይ እዩ ኣብ ትግራይ ኵናት ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደራዊ ሓይሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንመሰሎም ምስ ዝቃለሱ ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኢህወዴግ ዝብል ልፍንታዊ ግንባር ፈጢሩ ኣብ 1991 ንስርዓት ደርግ ኣልዩዎ።
ክሳብ 2019 ከኣ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓያል ጽልዋ ሒዙ ቀጺሉ።
ዳሕራይ ግን ኣብቲ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝመስረቶ ሓድሽ ሰልፊ ብልጽግና ክኣቱ ስለ ዘይደለየ ተፈልዩ።
እቲ ጉጅለ [ኣብ ትግራይ ምርጫ ብምክያድ] ስልጣን ብምሓዝ ንለበዳ ኮቪድ-19 ምኽንያት ብምግባር ብዘይ ምርጫ ኣብ ስልጣን ንዝቐጸለ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ተቓዊምዎ።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ፈንዩ ።
ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ ትግራይ ከቢድ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጀሚሩ።
ብዛዕባ ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራ'ኸ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርነትን መራኸቢ ብዙሃንን ስለ ዝዓጸዎ ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ከም እተመዛበሉን ይግመት።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ኣብቲ ክልል ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግብን ረዲኤትን ሓገዝ ከም ዘድልዮም ኣስታት 350,000 ሰባት ከኣ ዓጸባ ጥሜት የጋጥሞም ከም ዘሎ የረድእ።
ኵሎም ወገናት ከኣ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ቅትለትን ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለው።
ጸጥታ ትግራይ ብኸመይ እዩ ንርግኣት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክጸልዎ ዝኽእል ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ቅልውላው'ዚ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሱዳን ንክሰግሩ ስለ ዘገደደ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።
ሰራዊት ጎረቤት ሃገር ኤርትራ፡ ሕጂ ዘለውዎ ኩነታት እኳ ክፍለጥ እንተዘይተኻእል ካብ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዞም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋግኡ ጸኒሖም ኣለው።
እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ብዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንመንግስቲ ሶማል ኣንጻር ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝግበር ኩናት ዝህቦ ዝነበረ ድጋፍ ከይዳኸም ስግኣት ኣሎ።
ተንታኒ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ራሺድ ዓብዲ፡ እቲ ውግእ ድሮ ዞባዊ መልክዕ ከም ዝሓዘ እዩ ዝገልጽ።
ከም ዓብዲ ዝኣመሰሉ ካልኦት ክኢላታት፡ እቲ ግጭት ንኢትዮጵያ ከዳኽማን ዞባዊ ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል'ዩ ክብሉ ይምጕቱ።
ንኣብነት፡ ንሓያሎ ብዝሐ ብሄራት ዘለወን ሃገራት ዝርከቡ ካልኦት ጕጅለታት ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ንክለዓሉ ክደፋፍኦም ይኽእል እዩ።
ጽባሕ እቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ "ርግኣት ኢትዮጵያ ንብምሉኡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ እዩ" ክብል፡ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ክጽዕር ጸኒሑ።
ማሕበረ ሰብ ዓለም'ከ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ኣየርላንድን ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ጸዊዐን ኣለዋ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ትማሊ ሰኑይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሕመድ ከም እተዘራረበን እቲ ተዅሲ ደው ንክብል "ተስፋ" ከም ዝነበሮን ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ " እዚ ውሽጣዊ ጕዳይ እዩ" ብማለት ንጻውዒት ዲፕሎማስያዊ ዘተ ብምቅዋም መጥቃዕቲ ፈንዩ።
እቲ መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ከይመሓደር ኣብዩ ክብል ዝገለጾ ሓይሊ "ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት'ዩ" ክብል እዩ ገሊጹዎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







