ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ተወሰኽቲ ከተማታት ተቖጻጺሮም

ምንጪ ስእሊ, kh
ኣንጻር ሰራዊት ፌደራል ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ብሰኑይ ንርእሰ ከተማ እታ ክልል ድሕሪ ምቁጽጻሮም ተወሳኺ ቦታታት ይምንዝዑ ከም ዘለው ተገሊጹ።
ትማሊ ካብ መቐለ ኣስታት 310 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሽረ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምእታዋ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጾም።
ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክዋግኡ ዝጸንሑ ወተሃደራት ኤርትራ'ውን ነታ ከተማ ገዲፎምዋ ከምዝወጽኡ ጸብጻባት ሓቢሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክእውጅ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ እቶም ተዋጋእቲ "ጸላእትና" ካብ ትግራይ ክሳብ ዝወጽኡ ክንቅጽል ኢና ኢሎም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ህወሐት ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፌደላራዊ መንግስትን ዝተወለዐ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ልዕሊ ክልተ ሚልኦን ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ክመዛበሉ እንከለው 350 ሽሕ ሰባት ድማ ንዓጸቦ ከም ዝተቓልዑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቕሱ።
ምስ ዕረያታት ማእከላይ መንግስቲ ዘይተቓደው ሓይልታት ትግራይ ንወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዚ ምስተቖጻጸሩ እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ሕዳር ክጅምር እንከሎ፤ ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንመቐለ ተቖጻጺሮም ነይሮም።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዙርያ መቐለ ድሕሪ ክካየዱ ዝቐነዩ ከበድቲ ውግኣት መቐለ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ትግራይ ክትኣቱ እንከላ ነበርቲ ጸምቢሎም።
ማእከላይ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ግን "ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ" ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ክሳብ ኤርትራን ኣምሓራን ብምእታው "ንጸላእትና ክንድምስሶም ኢና" ኢሉ።
"እቲ ጸላኢ ዳግም ንህዝብና ስግኣት ከም ዘይኸውንን ዓቕሚ ከም ዘይህልዎን ከነረጋግጽ ኣለና" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃለዋት ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ትግራይ እንታይ እዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን።
ሓደ ነባሪ ሽረ ንሮይተርስ ከም ዝበሎ ግን እቶም ሰራዊት ንኣንፈት ሰሜን ናብ ዶብ ገጽ ከም ዝኸዱ ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ትግራይ ንዝበዝሕ ከባቢታት እቲ ክልል ከም ዝተቖጻጸሩ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ገሊጹ።
ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ ይኽሰሱ።
ብሰሉስ ላዕለዋይ በዓል መዚ መንግስቲ ኣመሪካ ሮበርት ጎዴክ፡ ሃገሩ፡ ኣብ ትግራይ "ዘስካሕክሕ ግፍዕታት" ከፍጸም እንከሎ ጠጠው ኢላ ከም ዘይትርእዮ ሓቢሩ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ፡ ምቑራጽ ተጻብኦታት 'ኩናትን ግፍዕን' ጠጠው ክብልን ከምኡ'ውን ገደብ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ብምሕባር ኣውንታዊ ስጉምትታት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ኣብ ትግራይ ኩነታት ዓጸቦ ኣሎ'ዩ እንተበለ'ውን ኢትዮጵያ ግን ትነጽጎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







