ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብዪ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ዘይተመለሱ ሕቶታትን

ሓይሊታት ትግራይ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓትን እናኸረረ ዝኸደ ምትፍናንን ወጥርን ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ምምርሑ ይዝከር።

ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ነቲ ኣብቲ ክልል ሰፊሩ ዝነበረ ብሰሜን እዝ ዝፍለጥ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጥቅዖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊኦም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ሓይልታት ፈደራል ብዝተፈላለየ ኣንፈት ድሕሪ ዝኸፈትዎ መጥቃዕትታት ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንከተማ መቐለ ክቆጻጸርዋ ኪኢሎም።

ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምትሓዝ ናይታ ከተማ፡ እቲ ዝወሰዶ መታሃደራዊ ስርሒት ብዓወት ከምዝተዛዘመ'ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ኲናት ግን እናሓየለ'ዩ ከይዱ።

መራሕቲ ህወሓትን ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ክልላዊ መንግስትን ካብታ ርእሲከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ኣንሳሒቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ሻምናይ ወርሖም፡ ትማሊ ሰኑይ 28 ሰነ 2020 ናብታ ከተማ ተመሊሶም ኣለዉ።

ብሰኑይ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ኩነታት ሃንደበት ክቀያየር ከምዝጀመረን፡ ሓይልታት መንግስቲ ንብረቶም ጠቕሊሎም ክወጹ ዝርኣዩ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ምንባራ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣጋ ምሸት ምስኮነ ግን፡ እቶም ኣብ ስግኣት ዝጸንሑ ነበርታ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብታ ከተማ ክኣትዉ ምስተዓዘቡ፡ ባንዴራ ናይቲ ክልል እንዳበልበሉ፡ ናብ ጎደናታት እታ "ሰሜናዊት ኮኾብ" ዝብል ቅጽል ስም ዘለዋ ከተማ ብምውጻእ ሓጎሶም ክገልጹ ጀሚሮም።

ኣብቲ እዋን፡ እታ ከተማ ካብ ምቁጽጻር ሰራዊት ፈደራል ከምዝወጸት ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ከምዘረጋገጸ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ኤ-ኤፍ-ፒ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ክዝቲ ዝቐኔ መድረክ ሙሁራትን ፖለቲኸናታትን ብርክት ዝበሉ ዛእባታት ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, DT

እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ብዓልስልጣን ከምዝበሎ፡ ሓይልታት ትግራይ "ብኹሉ ኣንፈት" ነታ ከተማ ድሕሪ ምኽባቦም፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ካብታ ከተማ ክወጽእ ከምዝተገደደ ብምጥቃስ፡ "ኩሎም ገዲፎማ ወጺኦም ኣለዉ። እቶም ዝደሓሩ [ሰኑይ] ምሸት ወጺኦም" ክብል ተዛሪቡ።

ዋላ'ኳ ሓይልታት ፈደራል ካብ መቐለን ከባቢኣን ከምዝወጹ እንተተገልጸ፡ ኣካል ናይቲ ኲናት ዝኾኑ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብቲ ክልል ብዛዕባ ምውጽኦም ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ነቲ ብሓይሊ ካብ ለልጣኑ ዝተኣልየ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ተኪኡ ነቲ ክልል ከመሓድር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር "ሰብኣዊነት መሰረት ብዝገበረን ተወሳኺ ጉድኣት ብዘየኸትልን ኣገባብ" ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ንፈደራላዊ መንግስቲ ጠለብ ከምዘቕረበ ሓላፊ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ትማሊ ምሸት ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ድማ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ሕቶ ከምዝተቐበሎን፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝትግበር በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝገበረን ገሊጹ።

ምቁራጽ ተጻብኦታት

እቲ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብቲ ክልል ዓጸቦን ሰፊሕ ምፍንቓልን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ጸብጻባት ይገልጹ።

ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረዲኤትን፡ ናብቲ ዓጸቦ ዘጋጠሞን ተጸባዪ ረዲኤት ዝኾነን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ንክበጽሕ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ተጻብኦታት ከቋርጹ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።

እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ምስ ገበናዊ ጉጅለ ምዝርራብ ከምዘይህሉ" ክገልጽ ጸኒሑ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት "ኣሸባሪ" ጉጅለ ተባሂሉ ክምዝገብ ድሕሪ ምውሳኑ ድማ፡ ናይ ዝርርብ ይኹን ምቁራጽ ተጻብኦታት ዕድል መሊሱ ጸቢቡ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ግን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዝነበረ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ጀሚሮም። ክልቲኦም ወገናት ድማ፡ እቶም ጸብጻባት ሓቂ ምዃኖም ኣረጋጊጾም'ዮም።

ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝፈነውዎ "መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ"፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት መንግስቲ ከምዝቐተሉን ከምዝማረኹን ክገልጹ እንከለዉ፡ ብወገን መንግስቲ ግን እቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ንውሑዳት መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ንምህዳን ዝካየድ ዝነበረ ምዃኑ'ዮም ገሊጾም ነይሮም።

መንግስቲ ከምዝብሎ፡ እዚ ትማሊ ዝተወስደ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ናይ ምግባር ስጉምቲ፡ ሓረስቶት ክረምቲ ከይሓልፎ ኣ መት ሕርሽኦም ክገብሩን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ተጸበይቲ ንክበጽሕን ዝዓለመ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብታ ክልል ጠቕሊሎም ኣብ ዝወጽሉ እዋን ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተጻብኦታት ትርጉም የብሉን ክብል ወኪል ናይቶም ሓይልታት ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ቦታታት ተቖጻጺሮም ብምህላዎም፡ ምስኦም ዝግበር ውግእ ይቕጽል ምህላዉ ተዛሪቡ።

ብኻልእ ወገን፡ ናይቶም ሓይልታት ኣፈኛ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንሲ-ኤን-ኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታቱ ወፍርታቶም ክቕጽሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

"ዕላማና ዓቕሚ ጸላኢ ንምድኻም'ዩ። ትግራይ ካብ ሓይልታት ጸላኢ ናጻ ክሳብ ትኸውን፡ ስርሒታትና ደው ኣይከነብልን ኢና። ዘድሊ ኩሉ ክንገብር ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ።

እቲ በይናዊ ናይ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስጉምቲ፡ ካብቲ ካልእ ወገን ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ፡ ኲናት ደው ከብል ኣይክልን ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ሰብኣዊ ቅልውላዉ

ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ፡ ብህጹጽ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ሓገዝ እንተዘይበጺሑ፡ እቲ ኣብ 1985 ዝተራእየ ከቢድ ዓጸቦ ክኽሰት ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ብወገኖም፡ "ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት" ይስርሓሉ ኣሎ ዝብል ክሲ ብምቕራብ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ክኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።

እቲ ጻዕርታት ክዕወት ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጹን ክምሕጸኑ ጸኒሖም።

ኣደ ቖልዓ ህጻና ሓዚላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ቅትለት፣ ክሳብ ዓጸቦ ዝበጽሐ ጥምየት፣ ሰፊሕ ምፍንቓልን ስደትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ትካላት ረዲኤት ከምዝብልዎ፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ልዕሊ 60 ሽሕ ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ድማ ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ። ልዕሊ 5 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም

ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ተጻብኦታት ደው ከብሉን፡ ተዘራሪቦም ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም።

እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ምቁራጽ ተጻብኦታት ውሳነ ግን፡ ብዛዕባ ሰላማዊ ዝርርብ ዝኾነ ኣንፈት ኣይሃበን።

እቲ መንግስቲ "ኣሸባሪ" ክብል ዝጽውዖ ህወሓት ኣብ ምምራሕ ሓይልታት ትግራይ ዘለዎ ገደ ዘካትዕ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ፡ ምስ መራሕቲ ህወሓት ክዘራረብ ዓቐብ ከይኮኖ ኣይተርፍን።

ዝርርብ እንተ ተጀሚሩ'ውን፡ ምስ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘሎ ናይ ወሰን ምስሕሓብ እቲ ካልእ ዝተሓለለኸ ጉዳይ ምዃኑ ኣይክተርፎን እዩ።

ሓይልታት ትግራይ ነቶም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ፈደራልን ኣምሓራን ዘለዉ ቦታታት ንምምላስ ውግእ ዝቕጽሉ እንተኾይኖም፡ እቲ ብመንግስቲ ዝተወሰደ ምቁራጽ ተጻብኦታት ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን።

እቲ ኩነታት ብኸምኡ እንተቐጺሉ ድማ፡ እቲ ህጹጽ ረዲኤት ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ዝረኽበሉ ዕድል ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ።

ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ግን፡ በይናዊ ቶዂሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ እንታይ ዝደረኾ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ፡ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መንግስቲ መብርሂ ክህበሉ ይሓቱ ኣለዉ።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብሓፈሻ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ በይናዊ ስጉምቲ ብኣወንታ ከምዝጥምቶ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ኲናት እናገደደ እንተኸይዱ ተወሳኺ ስጉምቲታት ክወስዱ ክዳለዉ ከምዝጸንሑ ዝነገረሎም ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ከኣ ካልኦት ኣመራጺታት ከናድዩ ዘተባብዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ካልኦት ትካላትን ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለምን ዝህብዎ ግብረመልሲ ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክንጸር ትጽቢት ይግበር።

ኣመሪካ፡ ኣየርላንድን ብሪጣንያን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ብህጹጽ ክእከብ ጸዊዐን ኣለዋ። እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ ክካየድ ከምዝኽእል፡ ኤ-ኤፍ-ፒ ንዲፕሎማስያዊ ምጭታት ብምጥቃስ ጸብጺቡ'ሎ።

ኣንፈት ናይቲ ብቐጻሊ ዝቀያየር ዘሎ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ከምዘብል ኣብ እዘን ዝመጻ መዓልታትን ሳምንታትን ኣመት ከይሃበ ኣይተርፍን።