“ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል የጋድድ ኣሎ” ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር)

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ካብ ዘላትሉ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝምንጩ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዶክተር ዳንኤል በቀለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ከምዝበሎ ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ጸገም ፍታሕ ምድላይ ስለዘይተኽኣለ ሰፊሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጽም ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን የጻርይ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብሄር መሰረት ዝገበሩ ጎንጽታት፣ ምፍንቓል ዜጋታትን ቅትለታትን ዘጋጠሙ ኮይኖም ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ውልቀሰባትን ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።
ኮሚሽነር ዳንኤል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ከምዝሓበሮ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ መንቀሊ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ'ሎ።
እቲ ወጥሪ እናኸረረ ብምምጽኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዘጋጠሙ ጎንጽታት ሞት፣ ምፍንቓልን ዕንወት ንብረትን ስለዘኸተሉ ነቲ ጸገም ከምዘተሓላለኽዎ ድማ ኣረዲኡ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዝተፈጠሩ ጎንጽታት ህይወት ብዙሓት ሰባት ከምዝጠፍአ፣ ምፍንቓል ከምዘጋጠመን ንብረት ከምዝዓነወን ዘዘኻኸረ እቲ ኮሚሽነር፤ እቲ ወጥሪ ሎሚ’ውን ብዘይምህድኡ ‘ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ከምእትርከብ” ገሊጹ።
ብድሆታት እቲ ኮሚሽን
ዶክተር ዳንኤል ከምዝበሎ ካብ ሞንጎ ብድሆታት እቲ ኮሚሽን እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ ምስ ሕሉፍ ታሪኹ ዝተኣሳሰር’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ብናጽነትን ብብቕዓትን ይሰርሕ ብዘይምንባሩ ትካላዊ ብቕዓት ከምዘይብሉ ይዛረብ።
እዚ ከኣ ብውሱን ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ፤ ቴክኖሎጂን ስልትታት ስራሕን ብኣግባቡ ብዘይምጥቃም ዝግለጽ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ብዘይካ’ዚ ድሩትነት ሓይሊ ሰብን ገንዘብን ተወሰኽቲ ጸገማት እቲ ኮሚሽን ከምዝኾኑ ብምሕባር ውሱንነት በጀት ብምህላዉ ክንድቲ ዝድለ ንኸይሰርሑ ማሕለኻ ከምዝኾኖም ይገልጽ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ግህሰታት ሰብኣዊ ጥሕሰታት ንኽሰፍሕ ስለዝገበረ ከኣ ካልእ ተደራቢ ፈተና ከምዝኾኖም ድማ ሓቢሩ’ሎ።
ዝተፈላለዩ ጫፋት ሒዙ ዝካረር ዘሎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብመንነት ብሄተር ዝተቓነየ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝስራሕ ኩሉ ስራሕን ዝግበር ምንቅስቓስን በዚ መነጽር ከምዝረኣዩ እቲ ኮሚሽነር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ከምዝበሎ ስራሕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን በዚ መንጽር ዝቃነዩሉ ተርእዮታት ኣሎ።
ኣብ ታሪኽ ምምሕዳር መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሹመኛታትን ሓለፍቲ ጸጥታን ብነጻን ዘይሻራውን ትካል ተሓተትቲ ዝኾኑሉ ተሞክሮ ኣይነበረን ይብል።
ኣብዚ እዋን ንስራሕቲ መንግስቲ ብነጻን ዘይሻራውን ትካል ብምምርማር ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝቃልዑሉ እዋን ከምኡ’ውን ተሓታትነት ንኽረጋገጽ ጸቕጢ ክገብር ከሎ ወይ ምኽረ ሓሳብ ከቕርብ ከሎ፤ ካብ ገለ ሹመኛታት መንግስቲ ቅኑዕ ዘይኮነ ምላሽ ከምዝቐርበሎም የረድእ።
ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ኦሮሚያ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት እሱራት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ኮሚሽን ዑደት ኣብ ዘካየደሎም ጣብያታት ፖሊስ ዝርከቡ እሱራት ሰብኣዊ መሰላቶም ዝሕለወሉ ኩነታት ብቕልጡፍ ምምሕያሽ ክግበረሉ ዝሕትት መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ክልል ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝተኣሰሩ ሰባት ከምዘለዉ ከምኡ’ውን ብመሰረት ውሳነ ቤት ፍርዲ ክፍትሑ ዝነበሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ከምዘለዉ ድማ ምሕባሩ ይዝከር።
“ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ኣተሓሕዛ እሱራት ዝተሓሓዙ ዘሻቕሉ ተርእዮታት ኣለዉ” ዝብል ኮሚሽነር ዳንኤል፤ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ነበርቲ እቲ ክልል ዝፈጥርዎ ስግኣት ድሕነትን ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ዘብጽሕዎ ጉድኣትን ኮሚሽኖም ከምዝግንዘብ ይዛረብ።
ካብ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብዝኾነ መገዲ ዝተኣሰሩ፣ ኣብ ማእሰርቲ ከቢድ መግረፍቲ ዝተፈጸሞምን ተመጣጣኒ ብዘይኮነ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ህይወቶም ዝጠፍአን ሰባት ከምዘለዉ ድማ ገሊጹ።
ንሱ ከምዝበሎ ዕጡቓት ብዝወሰድዎም ስጉምትታት ዝተቐተሉ ብዙሓት ሰባት ሰባት ኣለዉ።
ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ናይ ዘይምኽባር ተርእዮታት ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ዝረኣይ’ኳ እንተኾነ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ግን ሰፊሕ ብምዃኑን ቅሬታታት ስለዝቐረቡን ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ዳህሲሶምዎ’ዮም።
ምስ ሰበስልጣን እቲ ክልል ተቐራሪቦም ንምስራሕ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ሓሓሊፉ ካብ ዝተወሰኑ ሹመኛታት ቅኑዕ ዘይኮነ ምላሽ ከምዝተወሃቦም ኮሚሽነት ዳንኤል ይዛረብ።
ካብዚ ብዝነቅል ምኽንያት ከኣ ውጽኢት መጽናዕቶም ብገለ ሰብመዚ እቲ ክልል ተቐባልነት ክረክብ ኣይከኣለን።
ተቐባልነት ምኽረ-ሓሳባት እቲ ኮሚሽን
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዘውጽኦም መግለጺታት ዘቕመጦም መመሓየሺ ምኽረ-ሓሳባት ሓሓሊፉ ተቐባልነት ከምዝረኸቡ ዝዛረብ ዶክተር ዳንኤል “ስጉምቲ ክውሰድ ከሎን ምምሕያሽ ክግበርን ንርእይ ኢና፤ እንተኾነ ዘይተመሓየሹ ነገራት እውን ንዕዘብ ኢና” ይብል።
እቲ ኮሚሽን ምጽራይ ገይሩ፤ ብቤት ፍርዲ’ውን መሰል ውሕስና ተፈቒዱሎም ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ኣለዎም ዝተበሃሉ ሰባት ክሳብ ሎሚ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ኣሎ።
ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝተኣሰሩ፣ ህይወት ብምጥፋእ ተሓተትቲ ክኾኑ ዘለዎም ጉጅለታት ከምኡ ድማ ምጽራይ ተኻይዱ ስጉምቲ ዘይተወሰዶም ከምዘለዉ ይሕብር።
ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዘይምኽባር ብተደጋጋሚ ዝተረኣየ ጸገም ከምዝኾነ ዝገልጽ ኮሚሽነር ዳንኤል “ብዝኾነ ይኹን መገዲ ተቐባልነት ዘይብሉ ኣሰራርሓ እዩ” ክብል ነቲ ተግባር ኮኒኑ።
ነጻነት እቲ ኮሚሽን
ዶክተር ዳንኤል ብኮሚሽነርነት ተመዚዙ ናብ ስራሕ ካብ ዝኣተወሉ እዋን ጀሚሩ ካብ መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ጽዕንቶ በጺሕዎ ከምዘይፈልጥ’ዩ ዝዛረብ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ጸገማት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ብምሕባር ድማ እቲ ኮሚሽን ብዘይ ገለ ጸቕጢ ዝኾነ ይኹን ኣካል ብዘለዎ ዓቕሚ ይሰርሕ ምህላዉ ይገልጽ።
“እቲ ኮሚሽን ለውጢ ንኸምጽእ ዝገበሮ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ ፖለቲካ እዩ” ይብል።
ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ምጽራይ ይገብር ከምዘሎ ዶክተር ዳንኤል ይዛረብ።
ካብ ሕቡራት መንግስታት ንዝተወከሉ ሰብሞያ ዝጠርነፋ ጉጅለታት እውን ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ብምንቅስቓስ ይሰርሓ ኣለዋ ይብል።
ጉድኣት ካብ ዝበጽሖም ውልቀሰባት፣ ስድራ፣ መንግስታዊ ኣመሓደርቲን ካልኦት ምንጪታት ሓበሬታን ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ኣብ ምእካብ ይርከባ።
እቲ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንምዝዛም ውጥን ከምዝነበረ ዝገልጽ እቲ ኮሚሽነር ገለ ስራሕቲ ብዝተሓሰበሉ ክፍጸሙ ብምዘይምኽኣሎም ግን ክደናጎይ ከምዝኸኣለ ኣረዲኡ።
ነቲ ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ዝገብሮ ዘሎ ምጽራይ ከኣ ገለ ዘተኣጓጉሉ ምኽንያታት እንተዘይኣጓኒፎም ብመሰረት ዝተትሓዘ ውጥን ኣብ ነሓሰን መስከረምን ንምፍጻም ንሰርሕ ኣለና ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሓደጋ ጥምየት ብዝምልከት ካብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ መጠንቀቕታ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ቆላሕታ ክገብሩሉ ብምግላጽ፤ ኣብቲ ክልል ካብ ዝተዓዘብዎም ነገራት እቲ ሓደ ኣብ ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝተጎድኡ ህጻናት ቁጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡ ከምዝኾነ ኮሚሽነት ዳንኤል ኣዘኻኺሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







