ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ኣመራርሓ ዞባ ዝርከቦም 5 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, KILTU KARA COMMUNICATION
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ነበር ሓዊሱ፡ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም፡፡
እቶም ሓሙሽተ ሰባት ብቐዳም ካብ ወረዳ ቆንዳላ ናብ መንዲ እናተጉዓዙ እናሃለዉ ከምዝተቐተሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣቶ ኤልያስ ኡመታ ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡
ንሱ፡ ነቶም ንስራሕ እናተጉዓዙ ዝነበሩ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባ ነበር ኣቶ ዋቅጋሪ ቀጄላን መሳርሕቱን ዝቐተሉ ዕጡቓት ‘‘ንባዕሎም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑን ኣብ ቀረባ መንግስቲ ግብረ ሽበራውያን ኢሉ ዝሰየሞምን ዕጡቓት ሸኔ እዮም’’ ኢሉ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሓደ ጋዜጠኛ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ‘ኣባ ቶርበ’ ብዝተባህለ ጉጅለ ምስተቐተለን ኣባል እቲ ጉጅለ ነይሩ ዝተባህለ መንእሰይ ብሓይሊታት ጸጥታ ኣብ ኣደባባይ ምቕታሉን ስዒቡ እዩ፡ ዜና ሞት እዞም ግዳያት ተሰሚዑ ዘሎ፡፡
ኣቶ ኤልያስ ከምዝገለጾ፡ እቶም ብቐዳም ዝተቐተሉ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ክልተ መኪና ኮይኖም እናጉዓዙ እናሃለዉ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎም፡፡
ካብቲ ኣመራርሓ ብተወሳኺ፡ ሓደ መራሒ መኪና፣ ነቲ ኣመራርሓ ንምሕላው ሓቢሮምዎ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሚልሻን ሓደ ኣባል ፖሊስ ኦሮምያን ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ፡፡
ስነስርዓት ቀብሪ እቲ ሓላፊ ጸጥታ ነበር ብሰንበት ከምዝተፈጸመ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣቶ ኤልያስ፡ ምስቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ ከምዘየለ ሓቢሩ፡፡
ብተወሳኺ እቶም ሓሙሽተ ሰባት፡ ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ኣብ ዘዋስን ከባቢ ከምዝተቐተሉ ብምጥቃስ፡ ነቶም ገበነኛታት ንምሓዝ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፍተሻ የካይዱ ከምዘለዉ እቲ ኣመሓዳሪ ገሊጹ፡፡
ኣቶ ዋቅጋሪ መን እዩ?
ኣቶ ዋቅጋሪ ቅድም ክብል ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኮይኑ ዘገልገለ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣመሓዳሪ ወረዳን ከንቲባ ከተማን ኮይኑ እውን ሰሪሑ፡፡
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ ሓላፊ በዓል ስልጣን መንገዲታት ዞባ ኮይኑ እናገልገለ ከምዝነበረ ኣቶ ኤልያስ ገሊጹ፡፡
ንሱ ‘‘ህርኩትን ብህዝቢ እቲ ካባቢ ተቐባልነት ዝነበሮን’’ ክብል እዩ ዝገልጾ፡፡
ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑት ዝነበረ ኣቶ ዋቅጋሪ፡ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቱ ዛዚሙ ንምረቓ ቀሪቡ ከምዝነበረ እውን ኣቶ ኤልያስ ሓቢሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት፡ ዕጡቓት ብዝፍጽምዎም ተደጋገምቲ መጥቃዕቲታት፡ ካብ ኣመሓደርትን ሓይልታት ጸጥታን ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ክጽብጸብ ጸኒሑ እዩ፡፡
ቅድም ክብል ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዝነበረ ውድብ ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ተነጺሉ ዝወጸ፡ ንባዕሉ ‘ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ ኢሉ ዝጽውዕን መንግስቲ ‘ሸኔ’ ኢሉ ዝጽወዖን ጉጅለ ምስዞም መጥቃዕቲታት ተተሓሒዙ ሽሙ ብተደጋጋሚ ክለዓል ጸኒሑ፡፡
በዚ ምኽንያት ቅድሚ ውሑዳት ሰሙናት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ ኢሉ ከምዝሰየሞ ይዝከር፡፡
ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ጥራሕ 18 ሰበስልጣን መንግስቲ፣ 112 ኣባላት ፖሊስን 42 ሚልሻታትን ከምዝተቐተሉ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ገይሩ እዩ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







