ኦሮሚያ: ኣብ ከተማ ደምቢዶሎ ብሓይልታት ጸጥታ ‘ኣብ ቅድሚ ህዝቢ’ ዝተቐትለ መንእሰይ መን እዩ?

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ከተማ ደምቢደሎ "ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ቅርዓት" ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትለ ዝተነግረሉ መንእሰይ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ዝኾነ ዓይነት ይኹን" ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሽበራ ዝፈጥሩ ክውሰድ ኣለዎ ኢሉ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ከተማ ደምቢዶሎ፤ ኣማኑኤል ወንድሙ ዝተብሃለ መንእሰይ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሓልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐትለ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።
ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ናይቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ከተማታት ሰባት ብምቕታል ህዝቢ ምሽባር ናቶም ዕለታዊ ተግባር እዩ" ብምባል "ስጉምቲ" ክውሰደሎም ኣለዎ ኢሉ።
"ንሳቶም ዝገብርዎ ምቕታል'ዩ። ሰላም ንምኽባር ዝልኣኽ ሓይሊ፡ ነዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣቃሊዑ፡ ስጉምቲ ወሲዱ ክቆጻጸሮም ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ።
"ስለዚ፡ እንታይ ዓይነት ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ፡ ህዝቢ ብምሽባር፡ ኣፈራሪሑ ክቆጻጸር'የ ዝብል ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ" ኢሉ።
ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ናይቲ መንእሰይ ምቕታል ብምርግጋጽ፡ "እቲ መንእሰይ ብህዝቢ ክረአ ተገይሩ 'ምበር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይኮነን ዝተቐትለ" ምባሎም ይዝከር። እቶም ሰብመዚ፡ መንእሰይ ኣማኑኤል ኣባል 'ኣባ ቶርቤ' ስለዝኾነ እዩ ስጉምቲ ተወሲድዎ'ዮም ዝብሉ።
ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን'ታ ከተማ ብወገኑ፤ "እቲ መንእሰይ ኣባል 'ኣባ ቶርቤ' ዝተባህለ ጉጅለ ኾይኑ ሰባት ይቕንጽል ዝነበረ ብምዃኑ፤ ስጉምቲ ተወሲድሉ" ክብል ኣብ ፌስቡክ ገጹ ለጢፉ ኣሎ።
እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እቲ መንእሰይ ቅድሚ ምቕታሉ፡ ኣብ ፌስቡክ ገጹ፡ ብዛዕብኡ ዘርኢ ቪድዮ ለጢፉ ነይሩ።
ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ 'ግብረ ራዕዲ' ተባሂሉ ዝተበየነ ጉጅለ ሸኔ፡ ከምዝንቀሳቐስ ይዝረብ።
እቲ ጉጅለ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፤ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ብምፍጻም እዩ ዝኽሰስ።
ኣቶ ጌታቸው ከምዝብሎ፡ "ሰብ ኣብ ቤቱ፡ ኣብ መረበቱ'ዩ ዝቕተል ዘሎ። ኣብ ዘይፈልጦ ነገር'ዩ ዝመውት ዘሎ። ኣብ ልዕሊ'ቶም ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝፍጽሙ ዝውሰድ ስጉምቲ፡ ነቲ ንሶም ዝፍጽምዎ ዝመጣጠን ክኸውን ኣለዎ።"
ኣብቲ ቪድዮ እንታይ እዩ ዝረአ?
ኣብቲ ኣብ ፌስቡክ ዝተለጠፈ ቪድዮ፡ እቲ መንእሰይ ቅድሚ ምቕታሉ ንዝቐርብሉ ሕቶታት መልሲ ክህብ ይረአ።
እቲ ቪድዮ ዝቐርጽ ውልቀሰብ'ውን፡ ናይቲ መንእሰይ ስምን ዝተወለደሉ ዓድን ክሓቶ ይስማዕ።
ኢዱ ናብ ድሕሪት ኩርንኩሪት ዝተኣሰረ እቲ መንእሰይ፡ ኣብ ክሳዱ ሽጉጥ ኣንጠልጢሉ ይረአ።
ኣብ እግሩን ዙርያኡን ድማ ደም ዝረአ ኾይኑ፤ ክዳኑ ብጭቃ ተዓያዪኑ እዩ ዝረአ።
እቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጠጠው ኢሉ ዝረአ መንእሰይ፡ ስሙ ኣማኑኤል ወንድሙ ከምዝበሃልን ወዲ ደምቢደሎ ከምዝኾነን ይዛረብ።
ዙርይኡ ድማ፡ ብናይ መንግስቲ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድኑ ተኸቢቡ ይረአ።

ምንጪ ስእሊ, Dembi Dolo City Administration Communucation
እቲ መንእሰይ ንምንታይ እዩ ተቀቲሉ?
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬስን እታ ከተማ፡ ከምዝብሎ፡ እቲ መንእሰይ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብምቕታል ዝፍለጥ 'ኣባ ቶርቤ' ዝተብሃለ ስዉር ጉጅለ ኣባል እዩ።
ትማሊ ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምውዓሉ፡ ንጎሆ ገመቹ መንገሻ ዝተብሃለ ብጥይት ወቒዑ ከምልጥ ክብል 'ብሓይልታት ጸጥታ ብርቱዕ ርብርብ' ከምዝተትሓዘ ተዛሪቡ። ገመቹ መንገሻ ኣብቲ ከባቢ በዓል ሃብቲ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ደንቢዶሎ ጋዜጠኛ፡ ብሮድካስቲን ኔትዎርክ ኦሮሚያ ዝኾነ፡ ሲሳይ ፊዳ ዝተቀትለ በቲ ጉጅለ ምዃኑ ተዛሪቡ።
መሰኻኽር ዓይኒኸ እንታይ ይብሉ?
ስሞም ከይጽራሕ ዝደለዩ ነባሪ ደንቢደሎ፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክቕተል ከምዝረአዩ ንቢቢሲ መስኪሮም።
"ኣማኑኤል ህዝቢ ዝፈትዎ ቆልዓ እዩ ነይሩ" ምስ ተታሕዘ ብጥይት ተወቒዑ "ክቕንጸል ብዓይንና ሪእና" ኢሎም።
ንሶም ከምዝብልዎ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩን፡ እቲ መንእሰይ ናብ ሓደ እንዳ ድንኳን ኣትዩ ኣቕሓ ከምዝተታሕዘን ሓቢሮም።
ካብኡ ብተወሳኪ ድማ፤ ካልኦት ክልተ ደቂ እቲ ከባቢ፤ ብጥይት ተወቐዖም ንሕክምና ናብ ማእከል ጥዕና ከምዝተወስዱ ተዛሪቦም።
ሓለፊ ጸጥታ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ኣይተ ተሰማ ዋርዮ ግን፡ እቲ መንእሰይ ቆሲሉ ምስተትሓዘ ኣብ ኣዳባበይ ህዝቢ ክሪኦ ተገይሩ ምንበር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይተቐትለን ኢሎም።
"ገበነኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ክልተ ሰባት ብጥይት ወቒዑ እንተምልጥ እዩ ተወቒኡ ተታሒዙ'ውን ኢሉ።
ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ስለምንታይ ስጉምቲ ተወሲድዎ ንዝብል ሕቶ፡ 'እቲ መንእሰይ ገበነኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ' ዝብል መልሲ ካብ ምሃብ ወጻኢ ዝበሎ የለን።
ብዛዕባ እዚ ካልኦት ሰበ ስልጣነት ንምዝራብ ዝገበርናዮ ፈተና ኣይሰለጠን።
ኣቶ ተሰማ ኣብ ደምቢዶሎ ከባቢ ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ መንጎ ኦነግ ሸኔን ሓይልታት መንግስቲ ተኽሲ ከምዝነበረ፡ እቲ ኣብ ክሳዱ ዝተንተልተለ ሽጉጥ ሰብ ስልጣናትን ሰላማውያን ሰባትን ዝቐትለሉ ዝነበረ እዩ ኢሉ።
ቢቢሲ ናይቲ ዞባ ፖሊስ ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ ምላስ ምስቲ ናይ ኣቶ ተሰማ ምላሽ ሓደ ዓይነት እዩ።
ኣባ ቶርቤ መን አዩ?
'ኣባ ቶርቤ' ዝብል ናይ ኦሮምኛ ቃል ኮይኑ፡ በዓል ሰሙን ማለት እኡ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ፡ ሰራዊት ሓርነት ህዝቢ ኦሮሞ እናበለ ምስ ዝጽውዕ ኣካል ርክብ ከምዘለዎ እዝረብ።
ቅድም ክብል፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ጸጥን ክልል ኦሮምያ ዝኾነ፡ ኣቶ ጀብሪል መሓመድ፤ "እቲ ጉጅለ ናይቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ሸኔ ናይ ከተማ ስርዒት እዩ" ኢሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ከተማ፡ 'ሶንሳ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ኣለዎ።
እቶም ጉጅለታት ራዕዲ ንምፍጣር ቅትለት ዝፍጽሙን ዝውድቡን እዮም ተባሂሎም።
ኣቶ ጅብሪል መሓመድ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኣባላት እዚ ጉጅለ ዝተፈለየ ስልጠና ኾነ ዕጥቂ የብሎምን።
እቲ ዝጥቀምሉ መይላ፡ ነቲ ሕብረተሰብ መሲሎም ነቲ ዝደለዩዎ ሰብ ኣጸንቲዮም ጸኒሖም ብምጥቃዕ ብምስዋር እዩ' ኢሉ።
ሓለፊ ቢሮ ኮምኒኬሽን፡ ኣባ ቶርቤ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን መንግስቲ፣ ኣባላት ሓይልታት ጸትታ፣ ከምኡ'ውን ሰላማዋያን ሰባት ብተደጋገሚ መጥቃዕቲ ከብጽሕ ምጽንሑ ገሊጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







