ኣብ ነቀምቴ ኣባላት ‘ኣባ ቶርቤ’ እዮም ዝተብሃሉ 4 መናእሰይ ተቐቲሎም

ብዓርቢ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ነቀምቴ፡ መንግስቲ ‘ኣባላት ኣባ ቶርቤ ዝበሃል ንሰበስልጣን ዝቐትል ጉጅለ እዮም’ ንዝበሎም ኣርባዕተ መናእሰይ ቀቲሉ።
ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬስን ናይ’ቲ ክልል “ሓይልታት ጸጥታ ምስ ህዝቢ ተዋዲዶም ብዝገበርዎ ጥንኩር ስርሒት፡ ዓብዪ ሓደጋ ንምውራድ ዝዳሎ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ሽፍታ ስጉምቲ ተወሲድዎ” ኢሉ።
መንግስቲ ናይ’ቲ ክልል፡ እቶም ኣርባዕተ መናእሰይ ኣብ ዝተኻረይዎ ገዛ፡ ነቲ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ እናተዳለዉ እንከለዉ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከእትውዎም እንትፍትኑ፡ ተኹሲ ብምኽፋቶም እዮም ተቐቲሎም እዩ ዝብል።
“ኢድ ኣይንህብን ኢሎም. . . እናተኮሱ’ውን ነይሮም። ሽጉጥን ቦምባን ሓዊሱ ዕጥቅታት ነይርዎም” ክብል ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ከተማ ነቀምቴ ኮማንደር ግርማ አብዲሳ ንቢቢሲ ተረሪቡ።
በቲ ተኹሲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን የለን።
ካብቶም ዝተቐተሉ ኣርባዕተ ሰባት፡ ራጉኤል ኃይሉ ዝበሃል መንእሰይ፡ ‘እቲ ኣባ ቶርቤ ዝበሃል ጉጅለ ንዝፍጽሞም መጥቃዕትታት ዝመርሕ ዝነበረ እዩ’ ክብል ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን ናይ’ቲ ክልል ኣብ ፌስቡኩ ጽሒፉ።
ቅድሚ ሰሙን፡ እቲ ‘ኣባ ቶርቤ’ ዝበሃል ጉጅለ፡ ንኽልተ ኣዘዝቲ ፖሊስ ከምዝቐተለ ኮማንደር ግርማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ መንበሪ እቶም ዝተቐተሉ መናእሰይ፡ ክልተ ቦምባ፡ ሰለስተ ሽጉጥን ናይ ቀደም ክዳን ሰራዊት ኢትዮጵያን ከምዝተረኸበ ኮማንደር ግርማ ተዛሪቡ።
ነበርቲ እንታይ ይብሉ?
ሓደ ካብቶም መወትቲ መሓዝኡ ከምዝኾነ ዝዛረብ፡ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ነቀምቴ፡ እቶም ዝተቐተሉ መናእሰይ ዕድመኦም ካብ 23 ክሳብ 24 ዓመት እዩ ይብል።
“ቆልዑ እዮም። ኣኽበርቲ ሰብ እዮም። ተማሂሮም ዝተመረቑ’ውን ኣለዉ” ኢሉ።
ካልእ ነባሪ ናይ’ታ ከተማ ድማ፡ እቶም መናእሰይ ቅድሚ ሓደ ሰሙን እዮም ነቲ ገዛ ተኻርዮምዎ ይብል።
“ነቶም መናእሰይ እፈልጦም እየ፤ ከም’ቲ ዝተብሃልዎ ዓይነት ሰባት ኣይኮኑን ይብል።
“ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን [ወተሃደራት] ብሓሙሽተ ፓትሮል መኪና መጺኦም፡ ነቲ ገዛ ከቢቦምዎ” ዝብል እዚ ነባሪ፡ ሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ ስጉምቲ ምውሳዶም ድማ፡ ኣብ መረባ ሬሳ ከምዝረኣየ ይዛረብ።
እቲ 'ኣባ ቶርቤ' ወይ ድማ (በዓል ሰሙን) ዝበሃል ጉጅለ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሕቡእ ንሰበስልጣን ከምዝቐትል እዩ ዝንገረሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







