መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ንዕደላ መንበሪ ኣባይቲ ኣዲስ ኣበባ ተቓዊሙ

ምንጪ ስእሊ, Mayor Office of Addis Ababa
ኣብ መንጎ ክልል ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ናይ ወሰን ጉዳይ መዕለቢ ከይረኸበ፡ ኣባይቲ 'ኮንደሚንየም' ብዕጫ ምስግጋሩ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣፍሊጡ።
ቢሮ ህዝባዊ ርክባት እቲ ክልል ሎሚ ኣማስዩ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ክልልን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ወሰን ዕልባት ኣብ ዘይረኸበሉ፡ ወሰን ተሳጊሮም ዝተሰርሑ መንበሪ ኣባይቲ፡ ከምኡ'ውን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ናይ እጀታ ሕቶ ኣብ ዘቕረበሎም ጉዳያት መልሲ ኣብ ዘይተወሃበሉ ኩነታት ንተጠቀምቲ ምስግጋር ቅቡል ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
ስለዝኾነ'ውን 'እቲ ናይ ዕጫ ውሳነ ተግባራዊ ከይኸውን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ፅኑዕ መርገፂ ሒዙ'ሎ' ኢሉ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ 'እዚ መርገጺ ብቅንዕናን፡ ተጠቃምነት ሕዝብና ከም ዝኽበር ንምግባር እምበር ህዝብታት በሓባር ናይ ምንባር ክብርታት ብምጽላእ ኣየኮነን፤ ነዚ ድማ ህዝቢ ክፈልጥ ይግባእ' ኢሉ።
ምስ ፊንፊኔ ኣዲስ ኣበባ ብዝተዛመደ ዝለዓሉ ኣጀንዳታትን ዝስርሑ ስራሕትን ብመንፅር ረብሓን ድልየትን ህዝቢ ጥራሕ ከም ዝርእዮ'ውን ኣብቲ መግለፂኡ ኣፍሊጡ'ሎ።
'በዚ ድማ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ዝስርሑ ሰራሓት ካብ ኣፍልጦ ህዝብን መንግስትን ኦሮምያ ወጻኢ ብምዃኑ ሕጊ ዝጠሓሰ ምዃኑ ኢና እንኣምን' ይብል።
እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ 'ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኪንዮ ወሰንን ጉዳይ ኣባይትን ብዝሓለፈ ዋንነት ፊንፊኔ [ኣዲስ ኣበባ] ንምርግጋጽ ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣበርቲዕና ክንቅጽለ ኢና' ኢሉ።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስማት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ዕጫ ዝበጽሖም ዓደግቲ 'ኮንደሚንየም' ትማሊ ረቡዕ ዕላዊ ድሕሪ ምግባሩ፡ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዱ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







