ኣብ 10 ከተማታት ኦሮሚያ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዱ

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስማት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ዕጫ ዝበጽሖም ዓደግቲ 'ኮንደሚንየም' ትማሊ ረቡዕ ዕላዊ ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሰልፍታት ተቓውሞ ይካየድ ኣሎ።
ገለ ካብቶም ሰልፈኛታት ሓረስቶት እዮም። ንሳቶም ከምዝብልዎ፡ እቲ መንበሪ ኣባይቲ ዝተሃነጸሉ መሬት ግራውቶም ዝነበረን ብንእሽቶ ካሕሳ ዝተወሰደን እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዝተሃነጹ ኣባይቲ፡ ሰብ መዚ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዕጫ ክህቡ መሰል የብሎምን በሃልቲ እዮም።
ብረቡዕ፡ እቲ ዕጫ ዕላዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ "ኣንቱም ብሰንኪ እዚ ልምዓት ዝተሃሰኹም ሓረስቶትን ደቂ ሓረስቶትን፤ ክንክሕሰኩም ኢና። ስለዝኾነ ድማ፡ ብዘይ ዕጫ መንበሪ ኣባይቲ ክንህበኩም ኢና" ኢሉ ነይሩ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣቶ ታከለ ኡማ።
እንተኾነ ግን፡ ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት፡ ሎሚ ሓሙስ ናብ ኣደባባያት ወጺኦም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ንቢቢሲ ርእይቶኡ ዝሃበ፡ ናይ ጭሮ ከተማ ሰልፈኛ "ኣብዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክነሕልፎ ዝደለና መልእኽቲ፡ ኣብ ዙርያ ፊንፊኔ (ኣዲስ ኣበባ) ዝርከቡ መሬታት ናብ ምምሕዳር ኦሮሚያ ክምለሱ ኣለዎም ዝብል እዩ" ኢሉ።
እቲ ተገዲፉ ዝተብሃለ 'ማስተር ፕላን' ተመሊሱ ክመጽእ ኣይነፍቅድን ድማ ኢሉ።
ሰልፈኛታት ከተማ ሻሸመኔ ድማ "ኦህዴድ ነቲ መሬትና ዓጽምና እዩ ዝብል ጭርሖና ረሲዕኽምዎ ዲኩም?" ዝብል ጭርሖ ሒዞም ተራእዮም።
ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኦሮሚያ ንቑሕ ተሳትፎ ዘለዎ፡ ጃዋር መሓመድ "እዞም ኣባይቲ ኣብ መሬት ኦሮሚያ እዮም ተሃኒጾም። ዘይሕጋውያን እዮም። ስለ'ዚ፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢድኩም ኣክቡ። ካሕሳ እንተድኣ ደሊኹም ድማ፡ ንመንግስቲ ኦሮሚያ ሕተቱ" ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።
ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ሰብ መዚ ኦሮሚያ ዛጊድ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዓዲ ዝተመለሰ፡ ሓደ ክፋል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝኾነ፡ ሕቡራት-ኦነግ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ "ወሰን ኣዲስ ኣበባን ኦሮሚያን ክትውስን ዘለዋ ኦሮሚያ እያ" ምባሉ ይዝከር።
እዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኣብ ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ እቲ ዝዓበየ ተቓውሞ እዩ።
እቶም ሰልፈኛታት ዝተቐስዎ 'ማስተር ፕላን' ኣብ 2014 ዕላዊ ዝተገብረን፡ ወሰን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምስፋሕን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
እቲ ውጥን፡ ኣብ ኦሮሚያ ተቓውሞታት ክለዓሉን ሰባት ክሞቱን ምኽንያት ኮይኑ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







