‘ብምኽንያት መንነትና፡ ናብ ዘይንፈልጦ ክንሃድም ተገዲድና’ ካብ ክልል ኦሮምያ ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን

ተፈናቐልቲ

ምንጪ ስእሊ, Haik town communication

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ካብ መጥቃዕቲ ዝሃደሙ ልዕሊ 700 ተመዛበልቲ ናብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣትዮም፡፡

ሓላፊ ማክልኻል ሓደጋን ፕሮግራም ውሕስነት ምግብን ዞባ ደቡብ ወሎ ኣቶ መሳይ ማሩ፡ እቶም መብዛሕተኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ተፈናቐልቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርብን ሰንበትን ናብ ከተማ ደሴ ከምዝኣተዉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ገለ ካብቶም ተፈናቐልቲ ኣብቶም ዝነበሩሎም ከባቢታት ካብ ዝፍጸሙ ‘‘መንነት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታ’’ ሃዲሞም ከምዝመጹኡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

‘‘ካብ ዝተወለድናሉ፣ ዝዓበናሉ፣ ቤተሰብ ዝመስረትናሉ፣ ሃብትን ንብረትን ዘጥረናሉን ዓድና እዩ ኢልና እንነብረሉ ዝነበርናን ከባቢ ኢና ተመዛቢልና’’ ኢሎም፡፡

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ህይወቶም ከይዶምዎ ዘይፈልጡን ኣቦ ሓጎታቶም ይነብሩሉ ነይሮም ናብ ዝተብሃለ ቦታ፡ ዘርኢ ቆጺሮም ክስደዱ ከምዝተገደዱ ይገልጹ፡፡

ወ/ሮ ተጓዳ የሱፍ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ወረዳ ጃርደጋ ጃርቴ እያ እትነብር ነይራ፡፡ ሐዚ ግን ኣዝማዳን ዘፍረየቶ ሃብትን ጥሪትን ገዲፋ፡ ሰለስተ ደቃ ሒዛ ወጺኣ፡፡

‘‘ህዝበይን ኣዝማደይን ኣብኡ እዮም ዘለዉ፡፡ ሞት ምስበዘሐና፣ ኦነግ ሸኔ እናተብሃልና፣ እቲ ሕጊ እውን ጸቕጢ ገይሩ እንትቕጥቅጠና ገዲፍናዮ ወጺና’’ ኢላ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ናብ ሕርሻ ዝወፈሩ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐተሉ እትገልጽ ወ/ሮ ተጓዳ፡ ናብ መንግስቲ ጠሪዖም ‘‘ፖሊስ ፌደራል ክምደበልኩም እዩ’’ ተባሂሎም እናተጸበዩ እናሃለዉ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ተወሳኺ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ተዛሪባ፡፡

‘‘ካብ ሰነ ጀሚሩ እንጀራ እኳ ብኣግባቡ ሰንኪትና በሊዕና ኣይንፈልጥን፡፡ ጥምየት እንትሕይለና እቶም ደቂ ተባዕትዮና እናሓለዉና ኣብኲዕና ንስንክት፤ ንዕኡ ሒዝና ኢና ከም ኣራዊት ናብ ጫካ ተመሊስና እንኣቱ፡፡ ካብ ሰነ ናብዚ ሓደ ለይቲ ኣብ ገዛ ሓዲርና ኣይንፈልጥን’’ ኢላ፡፡

ኣብዚ እዋን ካልኦት ኣዝማዳ ይሃልዉ ይሙቱ ከምዘይትፈልጥ እትገልጽ እዛ ወላዲት ‘‘ ወለደይ ኣምሓሩ፣ ቋንቋና ኣምሓርኛ ይኹን እምበር ንሕና ወለጋ ኢና እንፈልጥ፡፡ ምስ መረረና ግን ጠንጢንናዮ ወጺና’’ ብምባል ምስቲ ሕዚ ዘላቶ ከባቢ ምትእስሳር ከምዘይብላ ሓቢራ፡፡

ተፈናቐልቲ

ምንጪ ስእሊ, Melaku Ambaw

ካልእ ወ/ሮ ኣረጋሽ ተፈያ ዝተባህለት ነባሪት ወረዳ ሆሮ ጉድሩ ጃርደጋ ጃርቴ ቀበሌ ኣጋምሳ ብተመሳሳሊ፡ ጨርቀይ ክዳነይ እንተይበለት፡ ትሕቲ 14 ዓመት ዕድሚኦም ኣርባዕተ ደቃ ሒዛ ከምዝተሰደደት ገሊጻ፡፡

‘‘መቕተልቲ ምስበዘሐና፡ ነብስና ክነድሕን ውሽጣ ውሽጢ እናሃደምና፣ ኣብ ከተማ እውን እናለመንና ኢና መጺና’’ ኢላ፡፡

ወ/ሮ ኣረጋሽ፡ ዝተወለደትሉ፣ ዝዓበየትሉን ጉጂ ዝወጸትሉን ኣብ ወለጋ እዩ፡፡

ፍርቆም ኣዝማዳ ነቲ ካባቢ ገዲፎም ከምዝወጹ ብምግላጽ ድማ ‘‘እቶም ዝተረፉ ግን ካብ ጫካ ናብ ጫካ እዮም ዝንከራተቱ ዘለዉ’’ ኢላ፡፡

‘‘ኣሕዋትና እንትቕተሉ፡ ህጻናት ቆልዑ ከይተረፉ እንትቕተሉ ርእይና ኢና፡፡ ኣካላት ጸጥታ እውን ቀልጢፎም ኣይበጽሑልናን፤ ጎረባብትና ተወዲኦም እናሓደሩ፡ መፍትሒ የለን’’ ብምባል ኣምሪራ ትዛረብ፡፡

ንሳ ኣብዚ እዋን ደቡብ ወሎ ከተማ ሃይቅ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት እያ ዘላ፡፡

ኣቶ ኣለሙ ካሳየ ዝተባህለ በዓልቲ ቤቱ ሓዊሱ ሓሙሽተ ኣባላት ስድርኡ ሒዙ ዝተመዛበለ ድማ፡ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ‘‘ ናይ ቀረባ ኣዝማደይ ስኢነ እየ’’ ኢሉ፡፡

‘‘ ናብዚ ካብ ዝመጻና፡ ገዝኦም ዝተቓጸሎም ኣለዉ፤ እቶም ደቂ ተባዕትዮ እውን ኣበይ ከምዘለዉ ኣይንፈልጥን’’ ኢሉ፡፡

ናይ ጸጥታ ጸገም ካብ ዘለዎምን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸመሎምን ከባቢታት ዝተመዛበሉ ሰባት፡ ኣብ ክልተ ግዝያዊ መዓስከራት ከተማ ሃይቅ ዕለታዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ እዩ ሓላፊ ውሕስነት ምግቢ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣቶ መሳይ ዝዛረብ፡፡

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ብዝተፈጸሙ ተደጋገምቲ መጥቃዕቲታት ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም እዮም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 21 መጋቢት 2013 ዓ/ም፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ገንቤል ቀበሌ ቦኔ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑድ 28 ሰባት እንትቕተሉ 12 ድማ ጉድኣት በጺሕዎም፡፡

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት እውን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 22 ሰባት ተቐቲሎም፤ ካልኦት 20 ተጨውዮም ተወሲዶም፡ ጸኒሖም ተሰዲዶም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ፡ ንኣኼባ ተባሂሎም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተኣከቡ ነበርቲ ብዕጡቓት ከምዝቐተሉ ዝዝከር እዩ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ መንነት መሰረት ዝገበረ ምንባሩ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኣብቲ እዋን ገሊጾም ነይሮም፡፡

ፖሊስ እቲ ክልል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ነቶም ገበናት ፈጺሙ ክብል ዝኸሰሶ ኦነግ ሸኔ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዕሊ 1947 ዕጡቓት ከምዝቐተለን 489 ከምዝማረኸን ኣፍሊጡ እዩ፡፡

ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ደው ምባልን ድሕነቶም ምሕላውን ናይ መንግስቲ ስራሕ እዩ ዝብሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ተሓቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግና ‘‘ ነቶም ዝፍጸሙ ዘለዉ ተደጋገምቲ መጥቃዕቲታት ቀንዲ ተሓታቲ መንግስቲ እዩ’’ ይብሉ፡፡

ቀንዲ ተሓታቲ መንግስቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣብ ኣመሪካ ዳይሬክተር ኣምሓራ ኣድቮኬሲ ኣቶ ሆነ ማንደፍሮ ‘‘ ቅድሚ ሕዚ ብዝኣከብናዮም መረዳእታታ መሰረት፡ መብዛሕተኦም መጥቃዕቲታ ዝተፈጸሙ፡ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ካብቲ ከባቢ ምስወጹ ወይ ኣብቲ ከባቢ እንተይበጽሑ፣ ገለ እዋን ድማ ኣብቲ ከባቢ አናሃለዉ ብሸለልትነት እዩ’’ ይብል፡፡

እቲ ማሕበር ንዘቕረቦ ክሲ ካብ መንግስትን ክልል ኦሮምያን መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን፡፡

ኣብንን ትዴፓን ዝርከቡዎም ሓሙሽተ ተቓወምቲ ውድባት እውን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ንምባል ሓላፍነቱ ክዋጻእ ዝጽውዕ ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺኦም እዮም፡፡