ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሱዳን ዕቑባ ይሓቱ ኣለው ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ብዝነበረ ዓሌታዊ ግጭት ኣስታት 7 ሽሕ ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገረ ሱዳን ዕቑባ ከምዝሓተቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ተመዛቢሎም ናብ ሱዳን ኣትዮም ኢሉ።
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብሰንኪ ዋንነት ናይ ሕርሻን መጓሰን መሬት ጸጸኒሑ ግጭታት ክውላዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ብባር ባሌክ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ግዝኣት ሱዳን ዝኾነት ብሉ ናይል ኣስታት ሸውዓተ ሽሕ ኢትዮጵያውያን ተዓቚቦም ኣለው።
ክሳብ ሕጂ እቶም ሰለስተ ሽሕ ከም ዝተመዝገቡ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኩሎም ተመዛበልቲ ምምዝጋብ እንተተኻኢሉ እዚ ቑጽሪ ሓፍ ክብል ከምዝኽል ኣፍሊጡ።
ኣብ ቀረባ ሳምንታት ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ካልኦት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብምትሕብባር ንኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ረድኤት ከም ዘብጽሐ ዝገልጽ ብባር ባሌክ፡ ናይ መግቢ፣ ማይን መናጽህን ከምኡ'ውን ካልኦት ሓገዛት ከም ዝተገብረሎም ሓቢሩ።
እቶም ዝተረፉ ካብ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ዝኾኑ ሱዳናውያን ይሕገዙ ምህላዎም ገሊጹ።
ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝተፈላለየ መጥቃዕታት ክኽሰት እንከሎ፡ ብፍላይ ካብ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ግን ተደጋጋሚ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕታት ክፍጽሙ ተራእዩ።
እዚ ብኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝመሓደር ዘሎ ዞባ፡ ተወለድቲ ኦሮሞ፣ ሺናሻ ከምኡ'ውን ኣምሓራ ዝነብሩሉ ኮይኑ፡ ተደጋጋሚ ቕትለት፣ ኣካላዊ መጉዳእቲ. ዕንወት ንብረትን ምምዝባል ሰባትን ከም ዘጋጠም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።
መንግስቲ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንከይሰፍን ዝሰርሑ ዘለውን ኣብቲ ዓሌታዊ ግጭት ተሳቲፎም ዝበሎም መራሕቲ ብሕጊ ይሓቶም ምህላው ይገልጽ።
ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ንኣዋርሕ ብዝቐጸለ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ነበርቲ ግዳያት ከምዝኾኑ ይግለጽ። ብ13 ታሕሳስ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጥራይ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።
ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ መተከል ዝፍጸሙ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ደው ንምባል ከኣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንስራሕቲ ጸጥታን ምኽባር ሕግን እቲ ክልል ተረኪቡ ይሰርሕ ምህላዉ ይግለጽ።
ባይቶ እቲ ክልል ምስቲ ብ13 ታሕሳስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ 'ተሳትፎ ኣለዎም' ብዝብል ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ኣባላት ቤትምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ከምዝቐንጠጠ ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







