ኣረጋዊ በርሀ (ደ/ር)፡ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ክመርሕ ብቀዳማይ ሚኒስተር ተመዚዙ

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፡ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)፡ ዋና ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኮይኑ ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ተመዚዙ።
ነቲ ቤት ጽሕፈት ብዳይሬክተርነት ክትመርሖ ዝጸንሐት፡ ኣባል ህወሓት ዝኾነት ወይዘሮ ሮማን ገብረስላሴ እያ ነይራ።
ወይዘሮ ሮማን፡ ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ብውድብ ህወሓት ኣብ መንግስቲ ፌደራል ንዝነበሮም መዝነት ክገድፉ ጻውዒት ካብ ዝተገበረሎም ኣባላት ህወሓት እያ።
ንተቓዋሚ ውድብ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ዝመርሕ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ 04 ጥቅምቲ ጀሚሩ ነቲ ቤት ጽሕፈት ክመርሕ እዩ ተሸይሙ ዘሎ።
እቲ ሓድሽ ዳይረክተር፡ ነባር ተጋዳላይን ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ መራሒ ህወሓት ዝነበረን ኾይኑ፡ ድሕሪ ምምጻእ ኣብዪ ኣሕመድ ንህወሓት ብትረት ብምንቃፍ እዩ ዝፍለጥ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







