ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኦሮምያ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 28 ሰባት ተቐቲሎም

ምዕራብ ኦሮምያ

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 28 ሰባት ከምዝተቐተሉ ፖሊስ እቲ ክልል ገሊጹ፡፡

እቲ ሰሉስ 21 መጋቢት 2013 ዓ/ም ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ባቦ ገንቤል ቀበሌ በቦኔ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ኦነግ-ሸኔ ብዝተባህለ ጉጅለ ከምዝኾነ ኮምሽነር ጀነራል ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ኣራርሳ መርዳሳ ሓቢሩ፡፡

እቲ ጉጅለ፡ ኣብቲ መዓልቲ ምሸት ሰዓት ሰለስተ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 50 ንዝኾኑ ነበርቲ ኣኪቡ ‘’ጨፍጫፍ ፈጺሙ‘’ ኢሉ እቲ ኮምሽነር።

በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐተሉ 28 ሰባት፡ እቶም 16 ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ፡ እተን 12 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ኮምሽነር ኣራርሳ ተዛሪቡ፡፡

ብተመሳሳሊ እቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ክልል ኦሮምያ፡ እቲ ‘‘ዘስካሕክሕ’’ ዝበሎ ቅትለት ዝፈጸመ ኦነግ-ሸኔ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡

ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኮምሽነር ፖሊስ ኣራርሳ ገሊጹ ኣሎ፡፡

መንግስቲ ክልል ኦሮምያ፡ ክንደይ ሰላማውያን ሰባትን ዕጡቓት ሸኔን ከምዝቐተሉ ኣይሓበረን፡፡

ብተመሳሳሊ ነቲ ጉጅለ፡ ተለኣኣኺ ህወሓት ብምዃን ኣወዳድባ መንግስቲ ንምፍራስ ብምፍታንን ኣመሓደርቲ ብምቕታልን ከሲስዎ፡፡

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲታት፡ ኣመሓደርቲ ወረዳን ክልልን ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝሓበረ መግለጺ እቲ ክልል፡ ንብረት መንግስትን ውልቀ ሰባትን እውን ከምዝዓነወ ጠቒሱ፡፡

ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ዝወጸአ፡ መንግስቲ ኦነግ-ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከምዝንቀሳቐስ እዩ ዝንገር፡፡

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝፈላለየ እዋን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ብዙሓት ሰባት እንትቕተሉ ሓያሎ ሰባት ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም እዮም፡፡

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰባት፣ ኣባላትን ሓለፍትን ጸጥታ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ተቐቲሎም እዮም፡፡

መንግስቲ፡ ነቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ነቲ ብኩምሳ ድሪባ( ጃል መሮ) ዝምራሕ ኦነግ-ሸኔ ተሓታቲ ዝገብር ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ግን ነቶም መጥቃዕቲታት ከምዘይፈጸመ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ፡፡

መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ብዘካየዶም ወፍሪታት፡ ንብዙሓት ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝቐተለን ከምዝማረኸን እዩ ዝገልጽ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣካላት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ 1947 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተሉን 489 ከምዝማረኹን ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ተዛሪቡ፡፡

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መራሒ እቲ ጉጅለ ኩምሳ ድሪባ፡ ብሓይሊታት ጸጥታ ከምዝተቐተለ ዝተነገረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቕነ ኣብ ቴሌቪዝን ኣልጀዚራ ምስተርኣየ ግን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡