ኦሮሚያ: ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ወለጋ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, BELES MEDIA CENTE/FB
ኣብ ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ኣይተ ዓብዱልሃይ ሶጃር ሎሚ መዓልቲ ናብ ነቀምት ይጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ከምዝተቐተለ ምምሕዳር'ቲ ክልል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣይተ ዓብዱልሃይ ሶጃር ሎሚ ንጉሆ ናብ ክልል ኦሮሚያ ነቀምት ብስራሕ ምኽንያት ይገዓዝ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዝተቐተለ ሓላፊ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሸን ክልል ቤኒሻንጉል ኣይተ መለሰ በየነ ገሊጹልና።
እቲ ሓላፊ ከምዝሓበሮ ንጉሆ ሰዓት 1፡30 [ኣ.ኢ] ኣብ ወለጋ ፍሉይ ቦታ ቤንጓ ብዕጡቓት ብዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ'ዩ ኣይተ ዓብዱልሃይ ሶጃር ተቐቲሉ።
ምስቲ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፋይናንስ ቤት ምኽሪ ቤኒሻንጉል ኣብ መኪና ዝነበሩ ክልተ ሰባት'ውን በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ ሓቢሩ።
ኣብ ቀረባ እዋብ ሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ብዕጡቓት ከምዝተቐተለ ዘዘኻኸረ ኣይተ መለስ፡ ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ተበጊሱ ብኦሮሚያ ዝሓልፍ መገዲ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝወደቐ ተዛሪቡ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







