ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዓቃቢ ሰላም ከይዋፈሩ ተሓቲቱ

ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዓቃቢ ሰላም ከይዋፈሩ ክእገዱ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓቲቱ።

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ ሴናተር ቦብ ሜንዴዝ፡ እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘይምፍጻሞም ብዕሊ ክሳብ ዘይተረጋገጸ፡ ኣብ ስራሕቲ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይሳተፉ ክእገዱ ኣለዎም ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።

ሴናተር ቦብ ሜንዴዝ እዚ ዝሓተተ፡ ትማሊ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃራት ኣብ ዝጸሐፎ ደብዳበ እዩ።

ኣብቲ ታሽዓይ ወርሑ ዘቑጽር ዘሎ፡ ሕሱም ኲናት ትግራይ፡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ወተሃደራት ኤርትራን ኣምሓራን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታትን ኮይኖም፡ ብዕስለን ብዝተወደበን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ምዕማጽ፣ ሰላማውያን ሰባት ክጠምዩ ብምግባር፣ ብሃበ ተረኽበ ቀትለትን ጨፍጫፍን ምፍጻምን ካልኦትን ከም ገበናት ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍጸም ገበናትን ምስታፎም ዘርኢ እሙን መረዳእታ ከምዘሎ፡ ቦብ ማንዴዝ ሓቢሩ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ሕሱም ዝኾነ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላትን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም እዮም" ኢሉ።

እቲ ሰናተር ወሲኹ ድማ፡ "ሓደ ወተሃደር ቀዲሙ ዝፈጸሞ ነገር: ኣብ ምኽባር ሰላም እንትሳተፍ እንታይ ዓይነት ባህሪ ከምዝህልዎ ዘመልክት እዩ። ከምዚ ዓይነት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻም ዝለመዱ ወተሃደራት፡ መለለዪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ስለዝደረቡ ባህሪኦም ይቕየር ማለት ኣይኮነን" ኢሉ።

ንሱ፡ ቀጺሉ፡ "ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኣብ ዓቃቢ ሰላም ክሳተፉ ምግባር እንታይ ሳዕቤን ከምዘምጽእ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ካብ ዓቃቢ ሰላም ካብ ምስታፍ ክእገዱ ይግባእ" ኢሉ።

ንሱ፡ ብፍላይ እቲ ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክሳብ ዝጻረ፡ እዚ እገዳ ክጸንዕ ኣለዎ'ውን ኢሉ።

ኢትዮጵያ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላም ምኽባር ስራሕቲ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ወተሃደራት ስለእተዋጽእ፡ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ትግራይ ብዛዕባ ምስታፎምን ዘይምስታፎምን ትርንዕ ዝበለ ምጽራይ ክግበር ኣለዎ - ኢሉ ምሕታቱ ድማ ኣብ'ቲ ደብዳበ ሰፊሩ ይርከብ።

ኣቦመንበር እቲ ኮሚቴ፡ ኣብ ሃይቲ ዝተዋፈሩ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ስሪላንካ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፈጸምዎ ዓመጽ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ፈጸምቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰላም ናይ ምኽባር ወፍርታት ከይሳተፉ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ኢሉ።

ሃገር ለኸ ምጽራይ ተኻይዱ፡ ኣብ'ቲ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ግህሰት ዝፈጸመ ክሳብ ዝፍለ፡ እቲ ስጉምቲ ክውሰድ እቲ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ ይሓትት።

ብኸምዚ ዓይነት ተግባራት ዝጥርጠሩ ወተሃደራት፤ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ምኸባር ንክሳተፉ ብቑዓት ኣይኮኑን'ውን ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ንደብዳበ እቲ ሴናተር ዝሃቦ ምላሽ የለን።

መን'ዩ ምጽራይ ዘካይድ?

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወፍሪታት ዓቃቢ ሰላም 'ጾታዊ ግህሰትን በደልን' ብዝብል ኣብ 2003 ሓደ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።

ከምኡ ድማ፡ እቲ ውድብ ሕቡራት፡ ኣብ ዓለምለኸ ሕግታት ሰብኣዊነትን ሰብኣዊ መሰላትን ከቢድ ጥሕሰት ፈጺሞም ዝበሃሉ ወተሃደራት ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ገይርካ ምውፋር ዝኽልክለ ሕጊ ኣብ 2011 ኣጽዲቑ እዩ።

ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሳቲፎም እዮም ዝብል ጥርጣረ ኣብ ዝህልወሉ፡ ከምቲ ኣብ ከም ሃገራት ስሪላነካን ብሩንድን ዝተገበረ፡ 'ስክሪን ፕላስ' [ደጊምካ ምጽራይ] ዝብል ኣሰራርሕ ከምዝኽተል ኣብ ደብዳብኡ ኣዘኻኺሩ።

እዚ፡ መንግስታት ባዕሉ ከጻርዩ ይግበር እዩ፤ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንባዕሉ በቲ ገበን ኲናትን ሰብኣዊነትን ዝክሰስ ስለዝኾነ፡ ከምኡ ዓይነት ምጽራይ ክገብር ብቑዕ ኣይኮነን ይብል።

ብዚ ምክንያት እዚ ተግባር ክፍጽም ዘለዎ፡ ብላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

------

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣካላት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ኾይኖም፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዓለም ለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ጃምላዊ ቅትለትን፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ዝምታን ዕንወትን ከምዝተፈጸመ ጸብጺቦም።

እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ትማሊ ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ፡ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ምጽውዑ ዝዝከር እዩ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጽአ መግለጺ የመልክት።

እንተኾነ እቲ ዘተ ኣመልኪቱ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዛጊድ ዝተብሃለ ነገር የለን።

ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ይገልጹ።

ኣስታት 1.8 ሚልዮን ካብ ህዝቢ እቲ ክልል'ውን ብሰንኪ እቲ ኵናት ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ኣሎ ይብሉ።

ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ብወገኖም፡ "ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይስርሓሉ ኣሎ" ዝብል ክሲ ብምቕራብ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ክኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።

መንግስቲ ፌዴራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በይናዊ ተኩሲ ደው ምባል እንተኣወጀ'ኳ፡ ካብቲ ዕለተ እወጃ ጀሚሩ፡ ኣገልግሎት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ መገድን ባንክን ተዓጽዮም ከምዘለዉ ይዝራብ።