ቅልውላው ትግራይ፡ ቑጽሪ ኣብ ኣክሱም ዝተቐትሉ ሰባት ልዕሊ'ቲ ዝሓዝናዮ'ዩ -ኣምነስቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ኣክሱም ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ከም ዝኣከበ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ኣብ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ተመራማሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሐ ጨፍጫፍ ዝምልከትን ብዛዕባ ዝወጽአ ጸብጻብን ሓቲትናዮ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣክሱም ማርያም ጽዮን 750 ሰባት ተቐቲሎም ዝብሉ ሓበሬታታት ይወጽኡ ነይሮም። እቲ ሕጂ ኣምነስቲ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን ብዛዕባ እዚ ዝብሎ የብሉን፤ ስለዚ እቲ ሓበሬታ ግጉይ'ዩ ክንብሎ ንኽእል'ዶ?
ኣቶ ፍስሃ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ዝርከብ ጽላት ክወስዱ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ህይወት ሰብ ጠፊኡ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይዝርጋሕ'ኳ እንተነበረ ንሕና ግን ነዚ ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣይረኸብናን።
ይኹን'ምበር፡ ብ19ን 20ን ሕዳር 2013 ዓ.ም፡ ኣዝዩ ክፉእ ጨፍጫፍ ከም ዝተኻየደ ኣረጋጊጽና። ብ19 ሕዳር ገለ ኣባላት ሚሊሻ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተክርስቲያን ኣብ እትርከብ ንኡሽቶ ጎቦ ኮይኖም ምስ ሰራዊት ኤርትራ ይታኾሱ ነይሮም። ድሕሪኡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካልእ ተወሳኺ ሓይልን ኣጽዋትን (ታንክታት ሓዊሱ) ተጠቒሞም መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ኣብ መገዲ ዝረኸቡዎን ገዛ ንገዛ እናኣተው ዝረኸቡን ወዲ ተባዕታይ ይቐትሉ ምንባሮም መረዳእታ ረኺብና ኢና። እዚ ንኻልኣይ መዓልቲ'ውን ቀጺሉ። ኣስክሬን ምልዓል ኣይፍቀድን ነይሩ።
ብ21 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ በዓል ማርያም ጽዮን ንክቕበሩ'ዩ ተፈቒዱ። ምስቲ ጽላት ብዝተሓሓዝ ዘይምርድዳእ ከም ዝነበረ ነጊሮምና'ዮም፤ ግን ናብ ቅትለት ኣየምርሐን።
ካህናት እቲ ቤተክርስቲያን "ናብ ቤተክርስቲያን እንተኣቲኹም ደወል ክንድውል ኢና፤ ህዝቢ ግልብጥ ኢሉ ክወጽእ'ዩ፤ እዚ ከኣ ከቢድ ጥፍኣት ክፈጥር'ዩ" ስለ ዝበሉዎም ኣይኣተውን። ኣብ ኣኽሱም ዘለው ዓበይቲ ሰባት ኢና ኣዘራሪብና።
እዚ'ዩ እቲ ዘሎ ሓበሬታ።
ቢቢሲ፡ እዚ ካብ ኣክሱም ዝተኣከበ ሓበሬታ ብኸመይ ኢኹም ኣረጋጊጽኩምዎ?
ኣቶ ፍስሃ፡ ብቑጽሪ ብዙሕ ሰብ ኢና ኣዛሪብና። እቶም 23 ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን ኣብ ኣክሱም ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋር፣ ዝምታን ቕትለትን ክካየድ እንከሎ ኣብታ ከተማ ዝነበሩን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉን'ዮም።
ካልእ መስመር ቴሌፎን ምስተኸፍተ፡ 18 ዝኾኑ ስድራት ምውታት፣ ነበርትን ዓበይቲ ዓድን ኣክሱም ኣዘራሪብና። በዚ መሰረት ሽም ዝርዝር መወትቲ ኣኪብና። እዚ ሓደ ምስቲ ካልእ ብምምስኻር ክነረጋግጽ ፈቲንና።
ዋላ'ኳ እቲ ዝረኸብናዮ ሽም ዝርዝር ኣስታት 240 እንተኾነ፡ እቲ ቑጽሪ ግን ካብዚ ንላዕሊ'ዩ።
ካልእ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝተወስዱ ናይ ሳተላይት ምስሊታት ተጠቒምና ኢና። ብፍላይ ደብዳብ ከበድቲ ብረትን ሰባት ኣብ ዝተቐብሩሎም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብቲ ዕለት ዝነበሩ ሓደሽቲ መቓብር ኣርእዮምና እዮም። በዚ ኢና ኣረጋጊጽና።
ቢቢሲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ነታ ከተማ ከም ዝተቖጻጸሩዋ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ግን ድማ ብዛዕባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝገልጾ ነገር የለን። እቲ ሰራዊት ነቲ ዝተፈጸመ ቕትለት ጠጠው ከብል ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን ማለት ድዩ ወይስ መረዳእታ ኣይረኸብኩምን?
ኣቶ ፍስሃ፡ ብሓባር'የም ተቖጻጺሮምዋ። ድሕሪኡ ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሳብ 30 ሕዳር ኣብታ ከተማ ኣይተራእየን። ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሰራዊት ኤርትራ'ያ ነይራ።
ውሑዳት ትካላት መንግስቲ ብውሑድ ሓይሊ ሓለዋ ይግበረሎም ነይሩ። ብቐንዱ ጸጥታ እታ ከተማ ተቖጻጺሩ ዘመሓድር ዝነበረ ግን ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝኾነ መሰኻኽር ዓይኒ ነጊሮምና።
ስለዚ፡ ብፍላይ ብ19 ሕዳር 2013ን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈጸሙ ቅትለታትን ዝምንታን ሰራዊት ኢትዮጵያ ምንባሮም ዘመላኽት ነገር ኣይርኣናን።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ኣምነስቲ ክልቲኦም ሰራዊት ነታ ከተማ ክቆጻጸሩ እንከሉ ገበናት ኲናት ፈጺሞም'ዮም ዝብል መእሰሪ ተኻቲቱ ኣሎ። ተሳታፊ እዚ ኲናት ብዛዕባ ዝኾነ ሓይሊ ህወሓት ዝተኻተተ መረዳእታ የብሉን። ዝፈጸሞ ገበን የለን?
ኣቶ ፍስሃ፡ እዚ መጽናዕቲ ናይ ኣክሱም ጥራሕ'ዩ፤ እዚ ማለት ኣብ ካልእ ከባቢ ገበን ኣይፈጸመን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ኣክሱም ህወሓት ዝፈጸሞ ገበን ኲናት ዘረጋግጽ ግን ኣይረኸብናን።
ብቐንዱ እቶም ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ኲናትን ሰብኣውነትን ክወጽኡ ዝደለናሉ ምኽንያት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሖ መርመራ ንክካየድ እዩ። እዚ ምስ ዝግበር ተወሳኺ ሓበሬታ ክርከብ ይክኣል።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ኲናት ጉዳይ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ኲናት ምህላው ይለዓል። እዚ ብኽልቲኡ ወገን ዘሎ ተሳትፎ ዩኒፎርም ዘይኽደኑ ኣባላት ሚሊሻ'ዩ። እዚ ኣባላት ሰራዊት ካብ ተዋጋእቲ ንምፍላይ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ ይብሃል። እዚ ኣብ ጸብጻብኩም ጸቕጢ ከይፈጥር ዝገበርኩምዎ ጥንቃቐ እንታይ'ዩ?
ኣቶ ፍስሃ፡ እዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእቲናዮ ኢና። ሚሊሻ ሓምላይ ዩኒፎርም ኣለዎም። እቲ ፍሉይ ሓይሊ'ውን ናይ ባዕሉ ክዳን ተኸዲኑ'ዩ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፍ ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ እቶም ዝሞቱ ሰባት ክንሪኦም እንከለና፡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣ ህጻናት፣ ኣረጋውያንን ካብ ገዝአን ዝወጽአ ደቂ ኣንስትዮን'ዮም። እዚ ዩኒፎርም ኣይተኸደነን ብዝብል ዝቕተለሉ ምኽንያት የለን።
ዩኒፎርም ኣይተኸደኑን ብዝብል ኢና ሰላማውያን ሰባት ቀቲልና ዝብል ነቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣየቃልሎን።

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International
ቢቢሲ፡ ነቲ ተግባር የቃልሎ'ዩ ብዝብል ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሲቪል ዜጋታት ተባሂሉ ቑጽሮም ዝተጠቕሰ ምውታት፡ ከምዚ ዓይነት ጸቕጢ ኣሕዲሩ እንተኾነ ብዝብል'ዩ።
ኣቶ ፍስሃ፡ ንሕና ብዝግባእ ክነረጋግጾም ናይ ዝኽኣልናን ሽሞም ናይ ዝተረኽበን ስቪላት ኢና ጠቒስና። ካብዚ ወጻእ ማንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ክህልው ይክእሉ'ዮም።
እቲ ዝጥቀስ ቑጽሪ ካብቲ ንሕና ዝሓዝናዮ ሽም ዝርዝር ንላዕሊ'ዩ። ኣብዚ ሲቪል ዝተኸድኑ ተዋጋእቲ ኣለው'ዶ ዝብል ግን ዘረጋገጽናዮ ጉዳይ ኣይኮነን።
ቢቢሲ፡ ሕጂ እቲ ኲናት ሰለስተ ወርሒ ገይሩ'ሎ። ድሕሪ እተን መጽናዕቲ ዝገበርኩምለን ክልተ መዓልታት ዘሎ ኩነታት ኣክሱም እንታይ ይመስል? ሕጂ'ውን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ኣሎ ድዩ?
ኣቶ ፍስሃ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንበዓል ሕዳር ጽዮን ናብታ ከተማ ምስከደ እቲ መጥቃዕቲ ደው ኢሉ። ብዕለት 20 2013 ዓ.ም፡ 20 ዓበይቲ ዓዲ ናብቲ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ከይዶም ነቶም ዝተቐትሉ ክቐብሩዎም ከም ዝተማሕጸኑን እዚ ነቲ ዝፍጸም ዝነበረ ቅትለት ደው ኣብ ምባል ከም ዝሓገዘን እቲ ዘለና ሓበሬታ የረድእ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ በቲ ኩነታት ከም ዝሰንበደ ዘርኢ ነገር ኣሎ፤ በዚ ምኽንያት ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ተገንዚብና ኣለና።
እዚ ማለት ግን ኣብ ከባቢታት ኣክሱም መጥቃዕቲ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ጸብጻብ ኣይተኻተተን እምበር ኣብ ኣክሱም ሰላማውያን ሰባት ይቕተሉ ከም ዘለውን እዚ ኸኣ ብሰራዊት ኤርትራ ዝፍጸም ከም ዝኾነን ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣለና።
ገና መርመራ ነካይደሉ ዘለና ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ብዙሕ ክዛረብ ኣይኽእልን።
ቢቢሲ፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ዝነበረ ጨፍጫፍ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተፈጸመ'ዩ ይብል። እንተኾነ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ምኽረ ሓሳብ የለን። በዓል ሞያ ሕጊ ስለ ዝኾንካ በዚ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ዝኸውን ኣካል መን'ዩ?
ኣቶ ፍስሃ፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሓንቲ ሃገር ንዝፍጸሙ ተግባራት ተሓታቲ ዝኸውን መንግስቲ እታ ሃር እዩ። እንተኾነ ኣብቲ ግዝኣት ሙሉእ ቑጽጽር ዘይህልወሉ ግዜያት ክህሉ ይኽእል።
ንኣብነት ናይ ወጻኢ ወራር ወይ'ውን ኲናት ሓድሕድ ክህሉ እንከሎ መንግስቲ ሙሉእ ቑጽጽር ወይ'ውን ስልጣን እንተዘይሃሊዩዎ እቲ ዝተቖጻጸረ ኣካል ተሓታቲ ይኸውን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ህወሓት ናይ ሓባር ጸላኢኦም ገይሮም ይዋግኡ'ዮም ዘለው። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክዋጋእ'ዩ መጺኡ።
በዚ ምኽንያት ሰራዊት ኢትዮጵያ ውጽኢታዊ ቑጽጽር ኣይነበሮን ክብሃል ኣይኽእልን። ስለዚ ኣብ ግዝኣት ኢትዮጵያን ንዝተፈጸመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ።
እቲ ሓቢሩዎ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ እንተኾነ'ውን ኣብ ዝዋግአሉ ግዜ ሕግታት ኲናትን ሰብኣዊ መሰላትን ኣኽቢሩ ክንቀሳቐስ ምግባር፡ ሓላፍነት መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







