ትግራይ፡ ንህወሓት 'ኣይ ሕድገት ኣይ ቂምታ' ዝቛጸራ ልቢ ገባራት

ባህላዊ መኼዳ ዓውዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ዘሕለፍኩዎ ጸገም ብዙሕ'ዩ . . . ክንደይ ኢለ ኣውጊዐ ክውድኦ .. . .

". . . ዝተኣሰርናሉ፣ ለይቲ ሰዓት ሽዱሽተ ወይ ሓሙሽተ፡ መዓልታዊ ብዝቀያየሩ ሰባት ዝተመርመርናሉ፣ ዓርሶም ብዝፈጸሙዎ ጥፍኣት ዝተኸሰስናሉ እዋን ነይሩ። ኣብ ዘይሰዓቱ ብፖሊስ ምሕታት በትሪ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ሰፍ ዘይብል በትሪ'ዩ ኣብ ዝባንና ዝወርድ ዝነበረ። ኮታ ህወሓት/ኢህወደግ እናታለለ ዝነብር ፓርቲ'ዩ"ኢላ እዛ ገባር ወግዓ ትጅምር

እዛ ገባርን እቲ ቦኽሪ ፖለቲካዊ ውዳበ ትግራይ ዝኾነ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓትን ብሓንሳብ፡ ኣብታ ሕምብርቲ ፖለቲካ፣ ንግዲን ማሕበራዊ ህይወትን ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ'ዮም ዝነብሩ።

ንሳ፡ ንኣንፈት ምብራቕ ካብታ ከተማ 12 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዘይትርሕቕ ገጠር ከባቢ ኮይና ናብርኣ እንክትመርሕ፡ ህወሓት ድማ ገዚፍ መሓውሩ ሒዙ ኣብ ማእኸል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ፡ ንዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ዝቖመ ዓብዪ መዘክር ኮይኑ ስርሑ የሳልጥ።

ነባሪት እግሪ ሓሪባ ዝኾነት ወይዘሮ ኣልጋነሽ ገብረህይወት መሬት ሓረስታይ ከባቢኣ ተመሓድር ነይራ።

እግሪ ሓሪባ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ትሕቲ ወረዳ እንደርታ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ናብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ከም ዝተሓወሰ ይግለጽ።

ኣብ ሓደ እዋን ግን፡ ንውግንና እቲ ውድብ ጠንጢና ጠለብ ሕብረሰተብን ምላሽ ኣመራርሓ መንግስትን ክቃዶ ብዘይምኽኣሉ፡ 'መሰልናን ተጠቃምነትናን ናይ ምኽባር ሕቶ'ዩ ዘለና' ምስ ዝበሉ ገባራት ዝተሰለፈት ገባር ጓል ኣንስተይቲ'ያ።

ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ፡ ስርዓት ደርጊ ንምግርሳስ ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ንዝተሰውኡ ተጋደልቲ ንምዝካር ዝቖመ ሓወልቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 51 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ሙዝየም ሰማእታት'ዩ

'ትማሊ እኮ' ኢላ እተውግዐሉ ፍጻሜ ንከተዘንቱ፡ 'ዝወደቐኒ ዋዲቕስ በይን ጀሚረ በየንኡ ክዛዝመላ ይኸውን?' ኢላ ዝተጨነቕት ትመስል፤ "ሕዚ'ሞ እንታይ ለውጢ ክመጽእ ኮይኑ'ዩ?" ኢላ ድማ ትሓት።

"ኩሉ፡ ክንዲ ናተይ ጸገም እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ኣኼባ ከይድና ኣይንዛረብ፣ እቲ ወጽዓን በደልን፡ ናትና እምበር ናትኩም ኣይሰማዕ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝምንጪ'ዩ። መሰልካ ምሕታት ገበን ኮይኑ፡ ጸዊኻ ተባሂሉ ምጥቃዕ፣ ብኢደ ኣዙር ምእሳርን ዓፈናን'ዩ ነይሩ" ክትብል ትገልጾ።

እንታይ ዓይነት ጸገም'ያ ሓሊፋ?

ወይዘሮ ኣልጋነሽ፡ ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ ስዋ እናሸጠት ናብርኣ እትመርሕ ገባር ኣደ ሰለስተ ቖልዑት'ያ።

እቲ ክስተት፡ ብ2003 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፤ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንእግሪ ሓሪባ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ክትኣቱ ኣለዋ ዝብል ውሳንኡ ምስ ተሰምዐ ዝተፈጥረ'ዩ።

ነበርቲ፡ 'ኣይፋል ኣድላዪ መሰረተ ልምዓት እንከይተማልአ ናብ ከተማ ኣይንኣቱን' ኢሎም ክሕንግዱ እንክጅምሩ፡ ወይዘሮ ኣልጋነሽ ዝርከቡዎም ሸውዓተ ሰባት፡ ንእምቢታ ህዝቢ እዛ ጣብያ ይመርሑዎ ነይሮም።

ኣብቲ እዋን፡ እቲ ኸባቢ ቀረብ ማይ፣ መብራህቲ፣ መገድን ካልእን ስለ ዘይነበሮ ኣድላዪ ትሕተ ቕርጺ እንከይተማልአ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኣይንኣቱን ኢሉ ይውስን።

ናውቲ ሕክምናን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ ዘይተማልእሉ ትካል ጥዕና ደቅና ኣይነኽትብን፣ መምህርን መምሃሪ ናውትን ናብ ዝሓጽሮ ቤት ትምህርቲ ድማ ደቅና ኣይንልእኽን ይብል ምንባሩ፡ ሕዚ'ውን ነበርቲ ዝዛረቡዎ ታሪኮም'ዮም።

በዚ ምኽንያት፡ 'ተቓወምቲ ኣልባኒያ' ዝብል መጸውዒ ከም ዝተውሃቦም፡ ብእምቢትኦም ብዝተቖጠዐ ወገን ይኹን ቁሩብ ሓቅስ ኣላቶም ብዝበለ ሸነኽ፡ ይውግዓሎም።

በዚ ዝተልዓለ ድሕሪ ምእሳሮም ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ትግራይ ኮይኑ ዝጸንሐ ዓረና ትግራይ ካብ ዝኾኑ ሓንቲ ወይዘሮ ኣልጋነሽ'ያ።

እዛ ሰብ፡ ኣብ ህይወታ መስዋእቲ ዝኸፈልኩሉ እምነተይ'ዩ ኢላ ብዛዕባ እተልዕሎ ጉዳይ፡ "እዚ እኮ፡ ኾፍ ኢልካ . . . ከተውግዖ እምበር ብርሑቕ ኮይንካ ከተዘንትዎ ከቢድ'ዩ" ትብል።

እንተኾነ፡ ወግዕና ኣይተሞናገጎየን።

Short presentational grey line

'ኣብ 2003 ዝተደርበየት ዓዲ ከምኣ ኢላ ኣላ'

ወይዘሮ ኣልጋነሽ፡ ኣብ 2006 ዓ.ም ብገበን ግብረ ራዕዲ ተኸሲሶም ካብ መንጎ ዝተኣሰሩ ገባራት እቲ ኸባቢ ሓንቲ ነይራ።

"ኣነን ከማይ 'ኣይፋል መሬትና ኣይተሕድጉናን' ዝበሉን ተኣሲርና ኢና፤ ሕዚ'ውን ህዝብና ኣብ ስቓይን ጸገም'ዩ ዘሎ" እንክትብል፡ ንሰለስተ ዓመታት ናብ ቤት ማእሰርቲ እናተመላለሰት ደቃ ብዘይ ኣላዪ ተሪፎም ምንባሮም ትዝክር።

"ኣብ ከባቢና ማይ ስለ ዘየለ መገዲ ክልተ ሰዓት ተጓዒዝና ኢና ማይ እንቐድሕ። መብራህቲ የለን፣ ኣምቡላንስ ከይትኣቱ ድማ መገዲ የለን፤ ኣብ መቐለ ኾይንና ኩሉ ዝረሓቐና ኢና፤ ኮታ ኣብ 2003 ዝተደርበየት ዓዲ ከምኣ ኢላ ኣላ። ክሳብ ሕዚ ርእስና ኣሚኑ ዝተቐበሎ ኣመሓዳሪ'ውን የብለናን፤ እንተሃለወ'ውን ኣይንፈልጦን" እያ ትብል።

ገባር እዚ ኸባቢ፡ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝምድቦም ኣመሓደርቲ 'ካድረታት ህወሓት'ዮም' ብምባል፡ ልቡ ኣውዲቑ ኣይቕበሎምን።

ኣቶ መኮንን ኣብርሃ [ነዚ ዛንታ ሽሙ ዝተቐየረ] ገባር ሓረስታይ'ዩ።

"ብ2003 ጠቕላላ ሃብተ ገነትና ይተሓሎ፣ ትሕተ ቕርጺ ይማላእ ክንብል ከለና፡ ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ብዘይምምሕዳር ኢና ንነብር ነይርና" እዩ ዝብል።

እዚ ጉዳይ "ተጠቒዕናሉ ኢና" ዝብል ኣቶ መኮንን፡ ራዕዳውያን ተባሂሎም በቲ ክልል ተኣሲሮም፤ ወርሒ ሕዳር 2008 ፍርዲ ከም ዝተዋህቦም ይገልጽ።

"ሕቶና ናይ ሰናይ ምምሕዳር'ኳ እንተነበረ፡ ነዚኦም ዘይኣሰርካ ዓዲ ኣይትጥዕይ ተባሂሉ ግን፡ ምስ ዕያልና ከይተረፈ ተኣሲርና። ን14 ኣዋርሕ ፍርድና ብደገ ኮይንና ክንከታተል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2008 ተፈሪዱና፤ ገሌና 4ተ ዓመት፡ ገሌና ድማ ሰለስተ ዓመት ተኣሲርና" ይብል።

በዚ ዝተልዓለ፡ ስለ ምንታይ ደቆም ኣብ ትካል ጥዕና ኣይነኽትብን? ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይንልእኽን? ይብሉ ነይሮም ተባሂሉ ይውጋዕ? ቢቢሲ ንኣቶ መኮንን ዘቕረበሉ ሕቶ'ዩ።

ቁጥዕ ኢሉ፡ እዚ ብወገን ነቲ መንግስትን ውድብን ዝሽቅላ መራኸብቲ ብዙሃን ዝንገር ዝነበረ'ዩ ኢሉና።

"ደቅና ኣይነኽትብን ዘይኮነ፡ ክኽተቡ እንተኾይኖም በታ ዝነበርናያ ምምሕዳር ክኾነልና ኣለዎ። እታ ናይ ቤት ትምህርቲ ድማ፡ ወለድኹም ከተማ ኢና ኢሎም ይፈርሙ እሞ ብከተማ ትመሃሩ ምስ በሉ ዝተፈጥረት ናይ መምህራን ጸገም እያ ኣምጺኣታ" ኢሉ።

ወይዘሮ ኣልጋነሽ ብወገና፡ "ጥዕና ኬላ ድዩ ኣሎ ኾይኑ ዘይተኸተቡ ክብሉ? ትምህርቲ እንተኾነ'ውን እታ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ በጀት የብላን በታ ናይቲ ሓንቲ በጀት ኢኹም ትመሓደሩ ኢሎምና።

. . . ንሕና ግን ኣይኸውንን፡ ናይታ ካልአይቲ ቤት ትምህርቲ በጀት ኣይሓልፍን ኢልናዮም። ንመንግስቲ ኣይኮነን፤ ንባዕልኻ ኢኻ ትመሃርን ጥዕናኻ ትሕሉን" ክትብል ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ ነቐፌታ ትነጽጎ።

በዚ ምኽንያት'ዩ እምበኣር ቃልኪዳን ህወሓትን ወይዘሮ ኣልጋነሽን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተበተኸ።

ህወሓት፡ ሕቶ ሓቲተ ክምልሰለይ ስለ ዘይክኣለ፡ "ፓርተይ ቀይረ" ዝበለት ወይዘሮ ኣልጋነሽ፡ ሓቂ ብምጉዳሉ ካብቲ ውድብ ርሒቕና ትብል።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ናይ ሓረስቶት እኩብ እኽሊ ሓዊ ኣትዩዎ ይቃጸል ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ መንግስትን እቶም ሕቶ ህዝቢ ኣልዒልና ዝብሉን ወገናትን ሓድሕዶም ይካሰሱ ነይሮም።

እቲ ውጥጥ ዓብዪ በዓል ወይዘሮ ኣልጋነሽ ዝርከቡዎም ሰባት እንክእሰሩ፡ ስድርኦም ተበቲኑ፣ ተመሃሮ ካብ ትምህርቶም ቦዂሮም'ዮም።

"ኣነ እንትእሰር፡ ጓለይ ንሓደ ዓመት ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ኣቋሪጻ ስዋ እናሸጠት ንኣሕዋታ ትኣሊ ነይራ። ሕብረተሰብ እዚ ከባቢ ድማ ግራት ሓሪሱ እኽሊ ይዓጽደሎም ነይሩ። ኣነ እንተጠምየ መንግስቲ ዘይኮነ ከማይ ድኻ'ዩ ዝርእየኒ። ኩላትና ድልየትና ኮነ ራኢና ሓደ'ዩ፤ ለውጢ!" ትብል ወይዘሮ ኣልጋነሽ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ግን፡ ክልቲኦም ወገናት [ህወሓትን ገባራት እግሪ ሓሪባን] ብጉዳይ ናብ ከተማ ኣቲኻ ምልማዕ ክሰማምዑ ብዘይምክኣሎም እንትጋጨዩ ኣብ ክንዲ ናብ ሕጊ፡ ብሽማግለን ካህናት ቤተክርስቲያን ክዕረቑ ይጽዓር ነይሩ።

"ተባኢስካ ምፍልላይ ንህዝባዊ ሓድነት መርዚ ስለ ዝኾነ፡ እዚ መገዲ ኣፈላላይና ኣልዩ ርክብና የስጥሞ'ዩ ኢልና ንኣምን ነይርና" ኢሉ ኣቶ መኮንን።

ኣብ ሓደ ጎቦ ትግራይ ደው ዝበሉ ቐሺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነጹ ኣብያተ ክርስቲያን ይርከቡ
Short presentational grey line

ኣጽቢ ወንበርታ

ካብ ዛንታ ሓረስቶት እግሪ ሓሪባ ተበጊስና ካብ ከተማ መቐለ ናብ ኣንፈት ሰሜን ኣስታት 50 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ናብ እትረከብ ወረዳ ኣጽቢ ወምበርታ ክንወስደኩም።

መንእሰይ ሓረስታይ እዩ፣ ኣብታ ወረዳ ብዘካይዶ ሕርሻ መስኖ ምስጉን ከም ዝኾነ ብዛዕብኡ ዝዛረቡ ሰባት ኣለው። ብትምህርቲ 10ይ ክፍሊ በጺሑ'ዩ።

ሕድሮም ሃይለስላሰ ይብሃል፤ ወላዲኡ ኣቶ ሃይለስላሰ ምስ ህወሓት ተሰሊፉ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ተቓሊሱ'ዩ።

እዚ መንእሰይ፡ ወዲ ስውእ ጥራይ እንተይኮነስ ኣብ እዋን ክተት ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣዋጅ መንግስቲ ተቐቢሎም ካብ ዝዘመቱ መናእሰይ ሓደ እዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፡ ሰብ ዝኣምነሉ ሓሳብ ብናጽነት ንከሰጉም ዝዕድም ባይታ ንምንጻፍ ከም ዝነበረ ይዝክር።

መሪሕነት ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተረኺቦም 'ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገጽ'ዮም' ኢሎም ክዛረቡ ልሙድ ተርእዮ እዩ።

ሓረስታይ ሕድሮም ሃይለስላሰ'ውን፡ ኣብ ሓደ እዋን ከምዚ ኢሉ ይኣምን ነይሩ።

"ድሓር ግን፡ ህወሓት ቅድሚ ውድቀት ደርግን ድሕሪኡን ዝነበራ ባህሪ ዝተፈላለየ ኮይኑ። እቲ ኣካይዳ እናተፈለየ ምስ መጽአ ክልቴና ዝፈተላለና ምኻንና ተረዲኡኒ" ይብል።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መገዲ ተጠሊሙ'ዩ ኢሉ ይኣምን።

ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝነበሮ ተስፋን እምነትን እናተመናመነ ከም ዝመጽአ ዝገልጽ ሓረስታይ ሕድሮም፡ ኣብ 2002 ብሰላማዊ መገዲ ንምቅላስ ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ናብ ዝነበረ ብሕታዊ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ዓረና ከም ዝተጸምበረ ይዛረብ።

እዚ ሓድሽ መድረኽ ግን፡ ቀሊል ኮይኑ ኣይረኸቦን።

"ግን. . . ምስቶም ንስለ ህዝቢ ድምጺ ነታጒ ኣባና የብቅዕ ኢሎም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ከተነጻጽሮ ከለኻ፡ ታይሞ ናትና ሕንቃቐ'ዩ" ብምባል ድማ ይገልጾ።

ተቓዋሚ ምዃኑ ምስ ተፈለጠ፡ እቲ ናብታ ሓሪሱ መሬት ዘልምዐላ ዝኸይድ ዝነበረ ማይ መስኖ፡ 'ካድረታት ህወሓት' ብዝብሎም ሰባት ተኾሊፉዎ፣ ካብ ማሕበራዊ ህይወትን ናብራን ክግለል ጸቕጢታት ከም ዝበጽሕዎን ከምኡ ምስ ዝበሉ ሰባት 'ማእሰርትን መግረፍትን' ከም ዘጋጠሞን እዩ ዝዛረብ።

እዚ ህይወቱ፡ ማሕበረሰብ ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ስለ ዝፈልጦ፡ እዘን ጸገማት ሓደ ብሓደ ንክፍትሓ ሓቢሩዎ ተቓሊሱ፤ ሕጂ ብውሱን መልክዑ'ውን እንተኾነ ነገራት ከም ዝተፈትሑ ይገልጽ።

"ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘሕዝነኒ ንኣደይ ወድኺ ከሓዲ ትግራይ፣ ተለኣኣኺ'ዩ ተባሂላ ናብ ጣቢያ ክትጽዋዕ፡ ክትሓዝን ምርኣየይ'ዩ፤ ካብዚ ንላዕሊ ንሕልናይ ዘሳቕዮ ነገር የለን" ይብል።

ወሲኹ፡ "ሰብ ከይሕገዘካ፣ ቀብሪ ከይመጽአካ፣ ሓሚምካ ከይርእየካ፣ ታኣሲርካ ከይጥይቐካ ዝግበር ምኽልኻል ብዘየገድስ፡ ኣዴኻ ጸላኢ ኣብ ገዛኺ ተሕድሪ ኣለኺ እንክትብሃል፡ በዚ ምኽንያት ምስ ሓማተይ ክፈላለ ከለኹ ግን፡ ንዓይ እቲ ዝኸበደ ቓንዛ ነይሩ" ክብል የዘንቱ።

እዚ ተነጽሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማ መቐለ ገዲፍናዮም ዝመጻእና ሓረስቶት ወይዘሮ ኣልጋነሽን ኣቶ መኮንንን በጺሑ'ዩ።

ወይዘሮ ኣልጋነሽ፡ ነባሪ እግሪ ሓሪባ ምዃን ንርእሱ፡ 'ተቓዋሚ' ዝብል ታርጋ ከም ዘውህበካ ትዛረብ።

"ብዙሕ ሰብ፡ እናውግዓካ ነይሩ ስቕ ይብል። ሎምስ ሰልቺዩና ግዲ፡ ደቅና እንተወቕዑኹም'ውን ርእስኹም ደፊእኹ እተው ኢና ንብሎም። ሓሪስና ናብራና ኢና ንመርሕ ዘለና። ብወገነይ ህዝበይ ንምምሕያሽ ዝገብሮ ቃልሲ የለን፤ ኣገልግሎተይ ጠጠው ኣቢለ እየ" ትብል።

ንሕና ብዝሓለፍናዮ ታሪክ ሰጊኡ ዝሓድር ሕብረሰተብ ውሑድ ኣይኮነን ዝበለት ወይዘሮ ኣልጋነሽ፡ "ሕዚ'ውን ፈሪሕና ኢና ንነብር" እያ ትብል።

እዚ ተነጽሎ በዚ ከም ዘየእኸለን ስነ ልቦናዊ በሰላ ከም ዝገደፈላን ትሕብር።

"ደቀይ ብዓይኒ ማዕዶ ፖሊስ እንትርእዩ ይፈርሑ፤ በዚ ምኽንያት፡ ናተይ ገዛ ንዝሓተቱ ሰባት ሓባሪ ኣንፈት ኣይወሃብን፤ ኩሉ ክትእሰር እያ ኢሉ ስለ ዝሰግእ ተወላዲ እዚ ኸባቢ፡ ይፈርሕ"።

'ሓው እከለ እንድዩ' እናተብሃለ ማሕበራዊ ተነጽሎ ክገጥመና ጸኒሑ'ዩ ዝብል ኣቶ መኮንን ብወገኑ፡ ምኽንያት ቅርሕንቲ ዝኾነ ሕቶታቶም ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተመለሰ'ዩ ዝዛረብ።

ንዝኾነ ዓይነት ጠለብ ብኣግባቡ ዝምልስ ኣካል'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ፍትሕን ለውጥን ዝመጽእ ብቓልሲ ስለ ዝኮነ ግን ብቐጻሊ ቃልሲ ይኣምን።

"ኣነ ብብዙሕ እየ ዝኽሰስ ነይረ፤ ጣጣ ጎጆኻ መዳኸሚ እናኾነ ስለ ዝመጽአ ግን ኩሉ ኣብ ከብድኻ ሒዝካ ንሱ እምነትካ ገይርኻ ምኻድ'ዩ ዘዋጽእ ኢለ ኣብ ከብደይ ዝቛጽሮ ቋጺረ ይነብር ኣለኹ" ኢሉ።

ዝበረቐ ጸሓይን ዝተሸመ ንጉስን . . . ከም ዝብሃል፡ ህወሓት ሕጂ'ውን ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ፤ ኣባላቱ ድማ ኣመሓደርቲ እቲ ህዝቢ እዮም።

እዚ ሰልፊ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ሓይሉ ኣብ ትግራይ ገይሩ ድማ ምስ ህዝቢ ክዕረቕን ዚያዳ ክቀራረብን ጻዕርታት ክገብር ይስትውዓል።

Short presentational grey line

ልቢ እዞም ገባራት ግን ቂምታ' ዋላስ ሕድገት ጸይረን?

ኢትዮጵያ፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ርግኣት ርሒቑዋ ትርከብ።

ልፍንቲ ኢህወደግ ሓድሕዱ ክሰማማዕ ዘይምኽኣሉ ድማ፡ እቲ ኩነታት ቀልጢፉ ንከይሃድእ ምኽንያት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ'ዩ ተባሂሉ ይጥቀስ።

ህወሓት፡ መንግስቲ ፌደራል፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸገም ርግኣትን ፖለቲካዊ ድልየትን ከምኡ'ውን 'ግዳማዊ ሓይልታት' ኢሉ ዝጠቕሶም ኣካላት 'ስግኣታትና' ኢሉ ብተደጋጋሚ የልዕሎም።

ምእንተ እዚ፡ 'ህዝቢ ናብ ሓድነት ክመጽእ ኣለዎ' ኢሉ ድማ ይጉስጉስ። እዚ፡ ሕሉፍ ድኽመታቱ ንምሽፋን ዝጥቀመሉ ምኽኒት እዩ ብምባል ግን፡ ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ይነቕፉዎ።

"እዚ ህዝቢ ዓቕላም ኾይኑ እምበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክንዲ ናይዚ ዓዲ ጸገም ዘለዎ ህዝቢ የለን" ዝበለት ወይዘሮ ኣልጋነሽ፡ ጸግምና ጸይርና ግን ነዚ ውድብ 'ብምስለ ይቅረታ' ነንብሮ ኣለና ትብል።

"ሕጂ ግዝኡ ጸልማት'ዩሞ ክወግሕ'ዶ ይኸውን ኢልና ኩሉ ኣብ ከብድና ሒዝናዮ ኣለና። ኣብ ካልእ ከባቢ እኮ ዓዲ ተቓጺሉ ክበሃል ንሰምዕ ኢና፤ እዚኣ ኣባና'ውን ከይትርአ ግን ንደቅና ይኹን ኣሕዋትና ሃዲእና ንኣሊ። ነቲ ውድብ ሓሊና ኣይኮነን፡ ንባዕልና እዩ። . . .

. . . ዝባጽሕ ቖልዓ ሕማቕ እናርኣየ ክባጽሕ ኣይንደልን፤ እዚ ዝሓለፍናዮ'ውን እናውጋዕናዮ ክንነብር ኣይንደልን። እቲ ሓድሽ ወለዶ ናይ ባዕሉ ኣርእስቲ ፈጢሩ ክኸይድ ኢና ንደሊ እምበር፡ ተቐይሙ ንህውከትን ረብሻን ክባጽሕ ኣይንደልን" ኢላ።

ከም ትግራይ ፍትሒ የለን ዝብል ኣቶ መኮንን ብወገኑ፡ ዘለናሉ ሰዓት፡ ምስቲ ናይ ትግራይ ምምሕዳር ከምዚ ኮይና ኢና ኢልና "ዓድና ንበላዒ እንህበሉ ኣይኮነን" ይብል።

"ትግራይ ክንደይ ደምን ዓጽምን ዝተገበሮ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ደም ብማንም ሰብ ክርገጽ፣ ክድፈር ኣይንደልን። ፍትሒ እንተዘይሃለየ'ውን፡ ንትግራይ ክንሕሉ ኢና" ብምባል፡ ኣብ ልዕሊኡ ብዝተፈጸሙ በደላት ልቡ ዝቛጸሮ ቂምታ ከም ዘየለ ይዛረብ።

ኣብቲ ውድብ ዝርአይ ጸገም ናይ ውልቀሰባት'ዩ ዝብል ኣቶ መኮንን፡ "ኣብ ሕማቕ ሰዓት ዝነበረካ ቂም እተልዕል እንተኾይንካ ዓዲ ክትዓቢ ኣይትኽእልን። ንግዚኡ እንተኾነ'ውን ንሱ ደርቢኻ፡ ዓዲ ኣዕቢኻ ሰላም ኣብ ዝኾነ ሰዓት ምትሕትታት ግን ክመጽእ ኣለዎ" ይብል ኣቶ መኮንን።

ዝኾነ ኾይኑ ሕዚ ህወሓት ትኹረተይን ለውጠይን ንትግራይ'ዩ እንካብ በለ ግን፡ "ሕጂኸ እንታይ ኮይኑ'ዩ ቁሊሕ ዘይብለና"? ዝብል ግን እናሻዕ ዝመላለስ ሕቶ እዞም ገባራት እዩ።

' . . . እንተኾነ ዝቕየሞ የብለይን'

ድንግል መሬት ፖለቲካ ትግራይ ንህወሓት ኮስኵሱ እንተባጽሕ፡ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ከይተለማመደት ንዝጸንሐት ኢትዮጵያ ዝኸውን ፖለቲካዊ ዓቕሚ'ውን ኣዕብዩሉ'ዩ።

ካብ ዝምስረት 45 ዓመት ዝኾኖ ህወሓት፡ እቲ ዝሃንጾ ስርዓት፡ ዲሞክራሲያውን ልኡምን ኮይኑ ክኸይድ ባህጊ ብዙሓትን መብጽዓ እቲ ሰልፍን ነይሩ።

እንተኾነ፡ "ህወሓት ናብ ኮረቻ ስልጣን ምስ ደየበ መስመሩን መትከሉን ስሒቱ'ዩ" ኢሎም ዝነቕፉዎ፡ ኣካል እቲ ስርዓት ኮይኖም ተቓሊሶም ዝመጽኡ ኮኑ ዓሊሎም ዝተቐበሉዎ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሸለው ላጋ እናበለ ዓይነ መርፍኡ ዝእልሽ ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ'ውን እንተኾነ፡ ንህወሓት ኣብ ማእኸል ሃገር ዝነበሮ ናይ ቀላሳይነትን ዓብላላይነትን ስልጣን ኣስኢኑ ኣብ መቐለ ካብ ዝኽትም እንሆ ክልተ ዓማውቲ ተቖጺሮም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ከተማታት ጅግጅጋን ኣምቦን ድሕሪ ዝነበሮ ጉዕዞ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ነበርቲ ተዛትዩ፤ ህዝቢ ኣብ ሓድሕድ ዘረባታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር'ውን ኣጣቒዑ።

ኣብቲ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ዘተ፡ ህዝቢ ትግራይ ንሓድሽ ቀዳማይሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓንጎፋይ ኢሉ እንትቕበል፡ ብፍላይ ኣብ ማእኸል ሃገር 'እዛ ሃገር ብተጋሩ እዩ እትምራሕ ዘላ' ካብ ዝብል መበገሲ ንዘጋጥሞ ጎነያን ተነጽሎን 'ደጊምስ ሓራ ክንወጽእ ኢና እንኸውን' ዝብል ተስፋ'ውን ኣሕዲሩ ምንባሩ ብዙሓት ይሰማምዑ።

ሕዚ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ትግራይ ክኸይድ'ዩ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ'ዩ። ከይዱ ዘረባ እንተስሚዑ'ውን እንታይ ከም ዝጽበዮ ንምግማት ኣይኸብድን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፡ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝወሰዶም ስጉምታት፡ ንገለ ነባራት አመራርሓ ህወሓት ብጥሮታ እንከሰናብት፣ ሃገራዊ መራኸብቲ ሓፋሻት 'ገበናት ብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘቃልዑ'ዮም' ኣብ ዝብለኦም ሰነዳዊ ምድላዋት 'ተዛረብቲ ትግርኛ ዝፈጸሙዎ' ኢለን እንከቃልሓ፣ እተን ዘጣቅዓ ኣእዳውን ፍሽክ ዝበላ ገጻት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ምሕደራ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ገጽ ንምኽላእ ጻት'ውን ኣይወሰደለንን።

ተመሊሱ ሕጉኡን ጓጉኡን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝገበረ ህወሓት እምበኣር፡ ብብርኪ [ደርጃ] ሃገር ንዝበጽሑ በደላት መባልዕተይ ምስ ዝነበሩ ሰልፊታት'የ ዝሕተት እንክብል፡ ኣብ ትግራይ ንዘለው ኩለመዳያዊ ጸገማት ግን 'ይቕረታ' ሓቲተ ክክሕስ'የ ኢሉ ቐጺሉ።

ህዝቢ ድማ ቅቡልነቱ እናተመናመነ መጺኡ ናብ ዝነበረ ህወሓት ክጽጋዕ ከም ዝጀመረ ይእመን።

ብናይ ማእኸል ሃገር ፖለቲከኛታት ደጊም ዕልምልም ጠፊኡ ሓንቲ ዓርቢ ተሪፍዎ ተባሂሉ ዝተባጨወሉ ህወሓት ድማ ዳግም ህዝቢ ኣብ ጽላሉ ዘዕሰለ ይመስል።

"እዚ ኹሉ እቲ ሃገራዊ ኩነታት ዝፈጠሮ ጸቕጢ ዝወለዶ ስግኣት ድኣ'ምበር፡ መሪሕነት ህወሓት ጥዒሙዎ ኣይኮነን" ኢሉ ዝገልጾ፡ ሽሙ ክንጸርሖ ፍቓዱ ዘይኮነ ተንታኒ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝኾነ ሓደ ምሁር፡ 'እቲ ደገፍ ግን ዘላቒ'ዶ ይኸውን?' ኣብ ዝብል ርግጸኛ ምዃን ኣይከኣልን ይብል።

ኣብ ትግራይ፡ ሰላማዊ ቃልሲ ከቢድ ምኻኑ ዘልዕል ሕድሮም ሃይለስላሰ፡ "እሙናት ኣባላት ህወሓት ኢና ብዝብሉ፡ ምሳይ ሰላምታ ንዝተለዋወጡ ሰባት'ውን ብዙሕ ግፍዒ በጺሑ'ዩ" ይብል።

ዋላ'ኳ እዚ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝወረደ ብድዐ እንተኾነ፡ ትማሊ እንታይ ነይሩ ዘረስዖ፡ ነናሻዕ ዘመስግኖ ርጡብ ለውጢ ብዘይምርኣዩ ግን ክዝክሮ ከም ዝግደድ ይዛረብ።

ህወሓት፡ ብጽቡቕን ሕማቕን ክልተ ግዘ ዝተርኣየ ውድብ'ዩ ክብል ዝገልጾ ሓረስታይ ሕድሮም፡ እዚ ሰልፊ ሕጂ'ውን ከቢድ ዕዮ ገዛ ከም ዝጽበዮ ይዛረብ።

"ኣብ ትግራይ መርድእ ኣይተቋረጸን፤ ብ1983 ህዝቢ ብጃምላ ተረዲኡ'ዩ፤ ዘይመጽአ ከም ስውእ ሓዞ ተባሂሉ። ሕጂ'ውን ንጉሆ ንጉሆ ናብ ስደት ዝኸይድ መንእሰይ፤ ሞይቱ፣ ጥሒሉ ይብሃል። ኣደ ስውእ፡ ሓዘን ክትሰምዕ ከላ ሕጂ ተስተማስል። እዚ ከብቅዕ ኣለዎ"።

ኣብዚ ክልተ ዓመት፡ ብፍላይ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ብዝመጽአ ለውጢ ዝሓሸ ነገር ኣሎ'ዩ ኢሉ ዝዛረብ ሕድሮም፡ ብእንደልዮ መገዲ ንኸይድ ኣለና፣ ሓሳብና ንገልጽ ኣለና ማለት ዘይኮነ እቲ እናስዓበ ዝኽትኽተና ዝነበረ ቁሩብ ሒሹ ኣሎ ይብል።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረፅዮን ምስ ኣምባሳደራት ሰላም
መግለጺ ስእሊ, ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት'ዩ

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ህዝቢ ዘይዓገበሎም ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ብምምላስ፣ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ምህዳር ንምፍጣር ከም ዝሰርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ገሊጹ።

ምስ ሕሉፍ ምሕደራ እዚ ውድብ እንክነጻጸር ሕጂ ዝሓሸ ምዃኑ ዝጠቅስ ሕድሮም፡ ህወሓት ንነዊሕ ይሓስብን ዘላቒ ፍታሕ የቐምጥን ኣሎ ኢሉ ግን ኣይኣምንን።

"ናብ ትግራይ ጠቕሊሉ እንተመጽአ'ውን ናይ መወዳእትኡ ድዩ? ዝብል ነገር ምፍላጥ ኣይከኣልን። ናይ ህወሓት ሓሳብ ሒዝካ እንተዘይከይድካ እኮ፡ ጠላም፣ ባንዳ'ዮም ዝብሉኻ፤ ሃፊፋ ዝነበረት 'ባንዳ' እትብል ቃል መጺኦም ከም ብሓድሽ ዘልዓሉዋ'ኮ ንሳቶም'ዮም" ክብል ይነቅፍ።

ህወሓት ንስለ ውልቃዊ ረብሕኡ 'ናይ ፍርሒ' ስነ ልቦና ኣብ ትግራይ ክፍጠር ይገብር ኣሎ ዝብል ሕድሮም፡ ኣብ ማእኸል ሃገር ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ኩነታት ጉልባብ ገይሩ እታ ክልል ምስታ ሃገር ሓደ ኮይና እትኸደሉ ዘኽእል ዕድላት የመናምን ከይህሉ ይሰግእ ይብል።

"ኣብዛ ሃገር ናይ እማን ድዩ ኩሉ ኣቕኒዑ ንተጋሩ ክብደለና ደልዩ ወይስ ንሓደ ገዛኢ ፓርቲ ዝነበረ'ዩ ዝጻባእ ዘሎ ክንጽር ኣለዎ። ህወሓት ናብ ጴጥሮስ ክነእቱ ህዝቢ ትግራይ ኣይሕለፎ ኣይኮነን፤ ግን ጸላኢ መጺኡና፣ ተኸቢብና ዝብሉ ነገራት እናተጠቐምኻ ዝመጽእ ለውጢ ኮነ ዝፍጠር ሓድነት የለን"።

ብወገነይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት "ዝኾነ ዓይነት ቂምታ የብለይን" ዝብል ሕድሮም፡ የግዳስ ህወሓት ኣካይድኡ የዕሪ ይብል።

"ህዝቢ ብሰንኪ ህወሓት ዘይበልዐ በሊዑ፣ እናጸምአ ረውዩ ተባሂሉን ተጸሊኡን። ንዓና ንተጋሩ ከጥፍእ ዝኽእል ኣካል መጺኡ እንተተባሂሉ፡ ገዛና ብሓባር ኢና ንሕሉ። ግን ንሕና ካብ ዝባንኩም እንተወሪድና፡ ንሕና እንተዘይመሪሕናኩም ጸላኢ ኣለኩም ዝብል ስብከት ጠጠው ክብል ኣለዎ" ኢሉ።

Short presentational grey line

ህወሓት ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ርኢይቶ ይህልዎ? እቲ ታሪክ ናብ ዘበገሰና ወረዳ እንደርታ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ደዊልና።

ነቲ ከባቢ ሓድሽ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ታደለ ኣለም ድማ ረኺብናዮ።

ንሱ፡ ንውድብ ዝቃወም ሓይሊ ፍሉይ ጥቕዓት ይበጽሖ'ዩ ዝብል ነገር ፈጺሙ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣይኮነን እዩ ዝብል።

"ብዛዕባ ሕሉፍ ኩነታት እግሪ ሓሪባ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፤ ከምዚ ዓይነት መረዳእታ'ውን ኣይጸንሐንን። ብድምር ግን ህወሓት ካብ ስርዓት ዝወጽአ ኣካል በቲ ስርዓት ክሕተት ዝገብር እምበር ተቓወምቲ ስለ ዝኾኑ ዝኣስርን ዝገርፍን ኣይኮነን" ኢሉ።

"ህወሓት ብሓሳብ ዝቃለስ ውድብ'ዩ" ብምባል ይምልስ።

"ሰብ ሕቶ ስለ ዘልዓለ ወይ ተቓዋሚ ስለ ዝኾነ ኣይእሰርን። ከምዚ ዝብሃል ሓሳብ ግን ካብቲ ብብርኪ ሃገር ዝበጽሕ ዘሎ ጸለመ ፈልየ ዝርድኦ ኣይኮንኩን። መስርሕ መቃለሲ ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ክፉት'ዩ" ኢሉ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ሰልፊ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተሓድሶ፡ ብጸረ ዲሞክራሲያዊ ባህርያት ተጠቒዑ ምንባሩ ከም ዝኣመነ ይዝከር እዩ።