ትግራይ፡ 'ብዓይነቱ ፍሉይ' ነዳዲ ከም ዝተረኽበ ዶ/ር ደብረጽዮን ተዛሪቡ

ኣብ ክልል ትግራይ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ነዳዲ ከም ዘሎ ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ ርእሰ-ምምሕዳር ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ ክብል ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፓሬት ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
እቲ ነዳዲ፡ ኣብ እምባ-ኣላጀን ካባቢ ዓዲ-ግራት ኣብ ዝርከቡ በረኽቲ ቦታታት ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ።
እቲ ነዳዲ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ኣእማንን ኣኻውሕን ብምምካኽ ዚርከብ ምዃኑ እቲ በዓል ስልጣን ከም ዝተዛረበ ፋና ጠቒሱ።
ንሱ፡ ኣብ ኢንዳስትሪያል ፓርክ መቐለ ብኣጋጣሚ መኽፈቲ ናይ ሓደ ህንዳዊ ኩባንያ ኣብ ዘስምዖ መደረ'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።
እቲ ህላወ ናይቲ ዝተባህለ ነዳዲ ዘረጋገጸ መጽናዕቲ መዓስ ከም ዝተኻየደን ብዝዕባ መጠኑን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
ነቲ ዝተረኽበ ነዳዲ ናብ ጥቕሚ ንምውዓል ግን፡ ገዚፍ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ከም ዝሓትት'ውን ዶ/ር ደብረጽዮን ጠቒሱ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ክልል ሶማልያ (ኦጋዴን) ነዳዲ ምርካቡ፡ ነቲ እናዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዓቢ ብስራት ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ነዳዲ ወጺኡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንተ ኺኢሉ ድማ፡ ንፍጥነት ቁጠባ ኢትዮጵያ ይኹን ትግራይ ነዳዲ ክውስኸሉ'ዩ።

ቁጠባ ኢትዮጵያ ካብዚ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክሳቐ ምጽንሑን፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ነዳዲ ንሰደድ ክላኣኽ ድልዉ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ፡ ነዚ ሕጽረት'ዚ ክፈትሖ ተስፋ ይግበረሉ።
ይኹን 'ምበር፡ ነዳዲ ተረኺቡ ኣውፈርቲ ናብ መዓላ ክሳብ ዘብጽሕዎ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ስለዝኾነ፡ ነቲ ሕጂ እታ ሃገር ኣትያቶ ዘላ ቁጠባውን ፋይናንሳውን ብድሆታት ንምፍታሕ ካልእ ኣማራጺታት ከድሊ ምዃኑ ርዱእ'ዩ።
ከይ.ፒ. ኣር ዝተባህለ ፋብሪካ ዓለባ ህንዲ ኣብ ኢንዳስትሪ ፓርክ መቐለ ብ25 ሚልዮን ዶላር ዝኸፈቶ ፋብሪካ ሎሚ ስርሑ ምጅማሩን፡ ንልዕሊ 700 ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዝኸፈተን፡ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ናይቲ ክልል ሓቢሩ።
እቲ ፋብሪካ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 50 000 ደረጅኡ ዝሓለወ ማልያታት ብምፍራይ ንዕዳጋ ዓለም ከቕርብ ትጽቢት ይግበረሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







