ትግራይ፡ ታሪኽ ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሎም ዝመሃሩ ቆልዑ ትግራይ ይቕየር’ዶ ይኸውን?

ተምሃሮ ኣብ መምሃሪ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, TDA/FACEBOOK

ዝኾነ ስድራ፡ ውላዱ ፊደል ንምቑጻር ዕድምኡ ምስ ኣኸለ፡ ደብተርን ብርዕን ኣትሒዙ ናብ ቤት ትምህርቲ እንትልእኽ፡ ውሉዱ ናብ ቁም-ነገር ዘብቅዐሉ ጅማሮ ኮይኑ ይስምዖ።

እቲ ውሉድ ተመቺኡዎ ፊደል ናብ ዝቖጽረሉ ቤት ትምህርቲ ልኢኹ ከባጽሕ ዝጸልእ ስድራ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ገጠራት ትግራይ ዘሎ ተምሃራይ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኩርኳሕ'ዩ ዝምሃር።

ብዙሓት፡ ጸሓይን ንፋስን እናተባረይዎም፣ ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሎም፡ ኣብ ዳስ ዝምሃሩ ቆልዑ ከም ዘለው ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል የረድእ።

ገለ ሰባት 'ናይ ብሓቒ ድዩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዳስ ዝምሃሩ ቆልዑ ኣለዉና?' ኢሎም ይሓቱ።

ኪሮስ ሃይለስላሰ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ'ዩ። ኣብ እዋን ቁልዕነቱ፡ ንሱ'ውን በዚ ጸገም እዩ ሓሊፉ።

"ተምሃራይ ሓምሻይ፣ ሻድሻይ ክፍሊ እንከለኹ፡ ንኹልና ዝኣክል ወንበር ስለ ዘይነበረ፡ ንሓደ ወርሒ ውሑዳት ኣብ ወንበር ኮፍ ይብሉ'ሞ ፍርቅና ኣብ እምኒ ኮፍ እናበልና ኢና ተማሂርና" ይብል።

ኪሮስ፡ እዚ ተመሳሳሊ ጸገም፡ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣይመስሎን ነይሩ። እቲ ሓቂ ግን፡ ቁጽሮም ዘይንዓቕ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዳስን እምንን'ዮም ዝምሃሩ ዘለው።

ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ምእላይ እናነጠፈ ዝመጽአ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፡ ነዚ ኩነታት "ዘሕፍር" ክብል እዩ ዝገልጾ።

እዚ ንከብቕዕ ድማ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናጽ፤ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዛ ማእኸላት ኮምፒዩተር ንምጥያሽን ተበግሶ ወሲዱ ኣሎ። እዞም ፕሮጀክታት ልዕሊ 1.8 ቢሊየን ብር ዝሓቱ መደባት'ዮም።

ነዚ ድማ እዩ፡ እቲ ማሕበር ብዝተፈላለየ መገድታት እቶት ዝእክብ ዘሎ። ሰባት ብቴሌፎን ናብ 8160 ከምኡ ድማ 6831 ሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብምስዳድ ገንዘብ እናወፈዩ ነዚ ታሪኽ ክቕይሩ ይረባረብ ኣለዉ።

Short presentational grey line

"ጭቡጥ ጸገም ክፈትሕ ወነ ሒዘ የወፊ ኣለኹ"

በዚ ሜላ ምትእኽኻብ እቶት፡ ብዕቱብ ይረባረብ ዘለዉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ መናእሰይ እዮም።

ወግሐ ጸብሐ፤ ኣብ ክንዲ 'መዓላትኩምን ሓደራትኩምን' ኣብ ፌስቡኮም ነዘን ቁጽርታት ይጥቅዑ። ጋንታታት ኩዕሶ ክጻወታ ከለዋ፡ እናተወራረዱ ገንዘብ ንማልት ይውፍዩ።

መልእኽቲ ሓጺር ጽሑፍ

ምንጪ ስእሊ, TDA

ኣብ ኣሜሪካ ሲያትል ዝነብር ኣይተ ኣምባሳደር ጸጋይ፡ ሓደ ካብቶም 'ዕድመ ልክዐይ ከወፊ እየ' ኢሎም ዝወሰኑ'ዩ።

ክሳብ 5ይ ክፍሊ ኣብ ገጠር ነዊሕ መገዲ እናተመላለሰ ከም ዝተምሃረ ዝዛረብ ኣምባሳደር፡ ዳርጋ ኩሉ ጸገም ህዝቢ ርእየ'የ ዓብየ ይብል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተምሃራይ ኮሌጅ ኣብ ዝነበረሉ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከምዝተላለየ ይዛረብ።

ሽዑ፡ ክረምታዊ ዕረፍቶም ንህዝቢ ብምሕጋዝ መታን ከሕልፉዎ፡ ናብ ትግራይ ካብ ዝወፈሩ ሓደ ነይሩ።

"ማልት [ማህበር ልምዓት ትግራይ]፡ ንሕብረሰተብካ ሓጋዛይ ናይ ምኻን መንፈስ ክተሕድር ትገብር ነይራ። ብዓብይኡ ግን ሕብረተሰብና እንታይ ከም ዝመስል ንክርኢ ስለ ዝሓገዘትኒ፡ ካባይ እንታይ ትጽቢት ይግበር ዝብል ሓሳብ ከዕቢ ሓጊዛትኒ'ያ" ይብል።

ነዚ ድማ እዩ፡ ኣምባሳደር ንጻውዒት እታ ማሕበር ተቐቢሉ ናይ ዕድመ ልክዕ ወፈያ ክገብር ዝወሰነ።

ኪሮስ ሃይለስላሰ ብወገኑ፡ መዓልታዊ ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ እናለኣኸ የወፊ ኣሎ።

ተምሃሮ ኣብ መምሃሪ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, TDA/FACEBOOK

ከባብያዊ ልምዓት ኣገዳሲ'ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ዝዛረብ ኣምባሳደር፡ "ሓደ ሰብ ዓዱ ደርብዩ ክስደድ ዝገብሮ፡ ድኽነት ወይ ፖለቲካዊ ጸገም ጥራሕ ዘይኮነ፡ እዚ ናተይ ከባቢ'ዩ፤ ክሳዕ ሞት ድማ ክቃለሰሉ እየ ዝብል ሕራነ ስለ ዘይሕዝ'ዩ" ይብል።

እታ ማሕበር፡ ተምሃሮ ካብ ዳስ ክተናግፍ፡ ኣብ ኩለን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ 'ማእኸላት ቨርቹዋል ኮምፒዩተር' ብምጥያሽ ጽርየት ትምህርቲ ብኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ክትሕግዝ እያ ትህቅን ዘላ።

"እንገብሮ ዘለና ወፈያ ረብሕኡ ልዑል'ዩ። ጉዳይ ትግራይ ክንሓብር ስለ ዝገበረና ድማ፡ ተሳትፎና ኣብ ናይ ስድራ ጉዳይ ከም ምሕባር ኮይኑ'ዩ ዝስምዐኒ" ይብል ኪሮስ ሃይለስላሰ።

ህንጻን ጽርየት ትምህርትን

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብፍሉይ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ጽቡቓት ስራሕቲ ሰሪሓ'ያ ዝበለ ዋና ዳይሬክተር እቲ ማሕበር ዶክተር ታደለ ሓጎስ ብወገኑ፡ ልዕሊ ሲሶ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ በታ ማሕበር ዝተሰርሓ ምዃነን ይዛረብ።

ኣብቶም ዝቕጽሉ ዓመታት፤ 3 ሽሕን 72 ዳስ መምሃሪ ክፍልታት ናብ ህንጻ ንምቕያር ዓሊማ ትንቀሳቐስ ምህላዋ እንትገልጽ፡ 12 ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ 12 ናይ ወረዳ ከተማታት ከም እትሃንጽ ይሕብር።

ስርዓት ትምህርቲ እታ ክልል ክልተ ጫፍ ዝሓዘ'ዩ [ኣብ ዳስ ዝመሃር ኣሎ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝህነጸሉ ተምሃራይ ኣሎ]።

እዚ ኣፈላላይ ንምጽባብ፡ ኩለን ኣብቲ ክልል ዝርከባ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ቨርቹዋል ኮምፒዩተር ማእኸል ንክህልወን ተሓሲቡ፡ ነዚ መፈጸሚ ዝኸውን እቶት ካብ ኩሉ ትግራዋይ ይእከብ ከምዘሎ ይገልጽ።

"ምስ ተመን፡ ጸሓይን ንፋስን እናወቕዖ ኣብ ዳስ ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሉ ዝመሃር መንእሰይ ኣለና። እዚ ብዛዕባ ካልእ ከይንሓስብ ይገብረና ስለ ዘሎ፡ እቲ ዳስ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ህንጸ ክንቅይሮ ኣለና" ዝበለ ዶክተር ታደለ፡ ምምሕያሽ ጽሬት ትምህርቲ ጎና ጎኒ ክስርሓሉ ዝግባእ ዛዕባ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ዶክተር ታደለ ሓጎስ፡ ዋና ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, TDA/FACEBOOK

ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቨርቹዋል ማእኸል ኮምፒዩተር ክጣየሽ ከሎ፡ 'ኦፍ ላይን ኢንተርኔት' ክህሉ ስለ ዝግበር፡ ድጂታል ቤተ ንባብ ፈጢርካ ብድምጽን ምስልን ዝተሓገዙ ናውቲ መምሃሪ ክህልዎ ክግበር እዩ።

ክሳብ ሕዚ ዘሎ ምንቅስቓስ ዘተባብዕ'ዩ ዝበለ ዶክተር ታደለ፡ ናብ ትሸዓተ ከተማታት ኤውሮጳ እውን ዑደት ተገይሩ እዩ።

ብርክት ዝበሉ ኣብ ደገ ዝነብሩ ተጋሩ፤ ናይ ሓደ ዓመት፣ ሰለስተ ዓመት፣ ፍርቂ ዓመት፤ ኮታስ ከከም ዓቕሞም ዝኸፈሉ ከምዘለዉ ዶክተር ታደለ ይዛረብ።

እዚ ዝእከብ ዘሎ ገንዘብ፡ ኣብ መዓልኡ መታን ክውዕል፡ ስጡም ክትትልን ስርዓተ ምሕደራን ክህልዎ ከምዝግባእ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ ይገልጹ።

መግለጺ ቪድዮ, ''ካብ ክፍለይ ካልኣይ ወጺኤ ኣይፈልጥን''