ፈረንሳ፡ ኣባጊዕ ክምህር ዝመዝገበ ቤት ትምህርቲ

ኣባጊዕ ደቡባዊ ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, ካብ መንጎ እተን ዝተመዝገባ ኣባጊዕ፡ ሻውን፡ ዶሊ ከምኡ'ውን ባ-በት ይርከብአን

ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ቁጽሪ ተማሃሮ ውሒዱ ብዝብል ምኽንያት ንሓደ ክፍሊ ክዓጽው ብምውሳኖም፤ ሓደ ሓረስታይ 15 ኣባጊዕ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኣመዝጊቡ።

እቲ ጁለስ ፌሪ ዝተብሃለ ቤት ትምህርቲ ቁጽሪ ተመሃሮኡ ካብ 266 ናብ 261 ምጉዳሉ ክገልጽ ጸኒሑ።

እቲ ሚኸል ጊረርድ ዝተብሃለ ሓረስታይ ግና፡ ኣሻፈረይ ብምባል፡ ገለ ካብተን ኣባጊዑ ከመዝግበን ተራእዩ።

ጊረርድ 50 ዝኾና ኣባጊዕ ሒዙ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘምርሓሉ ከባቢ 200 ዝኾኑ መማህራን፡ ተማሃሮን ሰብ መዝን ተረኺቦም ነይሮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ከንቲባ እቲ ከባቢ እውን ኣብቲ ጽምብል ክርከብ ከሎ፡ ናይተን ኣባጊዕ ናይ ትውልዲ ወረቃቅቲ ተረኪቡ። ንምኽንያት ምዕጻው እቲ ክፍሊ መብርሂ ምሕታቱ'ውን ተገሊጹ።

ሓደ ካብ ወለዲ ተማሃሮ ዝኾነተ ጋለ ላቨል ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ደጊም ዝዕጾ ኣይክህልወናን'ዩ" ድሕሪ ምባል እቲ ስርዓተ ትምህርቲ "ብዛዕባ'ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዘይኮነ ኣብ ቁጽሪ ጥራሕ" ከም ዝግደስ ሓቢራ።

ኣብቲ ህሞት ዝተረኽቡ ቆልዑ "ንሕና ኣባጊዕ ኣይኮናን" ዝብል ጽሑፋት ሒዞም ነይሮም።