ትምህርቲ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ስዓታት ብኸመይ ዝኾነ ነገር ክትመሃሩ ከምትኽእሉ ትፈልጡ'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቋንቋ ሩስያ፤ ዓረብ ወይ ማንዳሪን ድዩ ክኸውን? ቸሎ ወይ ባሱን? ወይ ኳንቲየም ፊዚክስ? ክንዲ ዝኸበደ ይኽበድ ሓንጎልና ንዝኾነ ከመሃር ይኽእል። ብዝቀልጠፈ ኸኣ ክገብሮ ይኽእል።
መጽናዕቲ ከም ዝእምቶ እቲ ኣፍራዩ ዝበሃል ምቕሳም ትምህርቲ፡ ምስቲ ሓደሽ ሓሳብ ምስ ተራኸብካ ኣብ ውሽጢ 20 ሰዓታት የጋጥም ይብሉ።
ኣብዚ ግዜ ሓንጎል ሓዲሽ ነገር ንምፍላጥ ድልየትን ድርኺትን ስለዘለዎ፡ ብቕልጡፍ ክሕዝ ይፍትን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጀርመናዊ ፍላስፋን ናይ ስነ-ልቦና ምሁርን ሆረማን ኢባጋስ፡ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ካብቶም ንመጀመርያ ግዜ ሓንጎል ብኸመይ ሓዲሽ ሓበሬታ ከም ዝእከብ መጽናዕቲ ዘካየደ ሰብ ኢዩ።
ንሱ ናይ ትምህርቲ ጥውዮ (learning curve) ዝብል ሓሳብ ኣምጺኡ። እዚ ከኣ ሓዲሽ ክእለትን ንኽትመሃር ክንደናይ ግዜ ከም ዝወስድ ዘዛምድ ሓሳብ ኢዩ።
ብስእሊ ንምግላጹ መስቀላዊ ስእሊ'ሞ ንስኣል፡ ኣብ ግዳማዊ መስመር ''x'' ፍልጠት፡ ኣብ ትኹላዊ መስመር ከአ "y'' ግዜ ዝብል ንጽሓፍ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢባጋስ ከም ዝሕብሮ፡ ግዜ ወሲድና ሓዲሽ ነገር እንተ ተማሂርና፡ ኣብ ቅሩብ ሰዓታት ዝያዳ ፍልጠት ክንድልብ ከም ንኽእል ኣረጋጊጹ። ከምኡ ምስ ገበረ እቲ ግራፍ ቀልጢፉ ንላዕሊ ገጹ ደይቡ።
ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፡ ናይ ሓንጎል ምሓዝ ብቕዓት ጥርዚ ይሃርም። እቲ እናኣጽናዕና እንጥፍኦ ግዜ ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ብሉጽነት የምርሕ። ድሕሪኡ ከኣ ሓዲሽ ፍልጠት ናይ ምእካብ ብቕልጡፍ ይጎድል ማለት።
ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ኢባጋስ ግራፍ፡ ሓዲሽ ክእለት ንምምሃር ክንደይ ግዜ ከም ዘድሊ ኣብ ምግማት ንጥቀመሉ። ከምኡ'ውን ኣብ ቢዝነስ ዓለም ፍርያት ኣብ ምግምጋም ይጥቀምሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣገባብ ኣማሃህራ ምፍላጥ
ኣመሪካዊ ጸሓፋይ ጆሽ ካውፈማን፡ ፍርያትና ብኸመይ ከምእነዕቢ ዝምህር ኮይኑ፡ ኣብቲ ፈላሚ "20 ሰዓታት" ናይ ምምሃር ግዜ ጽኑዕ እምነት ኣለዎ።
እዚ እምነት ''ቀዳሞት 20 ሰዓታት፡ ምቁጽጻር እቲ ዝኸበደ ኣካል ዝኾነ ትምህርቲ'' ዝብል ዝበለጸ መጽሓፍ ክሓትም ክኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዝኾነ ኣርእስቲ ወይ ሓሳብ ናብ ክርድኣና ዝኽእል ነገር ክንቅይሮ ከም ዘለናን፤ ኣብ መዓልቲ፡ ኣብተን 45 ደቃይቕ ኣቓልቦና ንዝስሕብ ነገር ብምልጋስ ክንመሃር ከምዘሎና ይሕብር።
ኣብ ሓጺር ግዜ ክኢላታት ክንከውን ኣይንኽእልና ኢና። እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ ናይ "20 ሰዓታት" ድልዱል ስራሕን ጻዕርን፤ ነቲ ዝርብሸና ዝነበረ ድልድል ሓሊፍናዮ ኣለና።
ሓንሳብ ኣብ ሓደ ነገር ክኢላ እንተኼንካ፡ ነቲ ክእለት ብዝበለጸ ክትገብሮ ቀሊል ይኸውን።
ካልእ ሓዲሽ ፍልጠት ክንቀስም እንክእለሉ መንገዲ ''ሕጊ ሓሙሽተ ሰዓታት'' ምኽታል ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብ መዓልቲ ሓዲሽ ነገር ክንመሃር 1 ሰዓት ክንሓዝእ ኣለና ማለት ኢዩ።
በንጃሚን ፍራንክሊን ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታት ኣመሪካ ነዚ ''ብፍላጥ ምምሃር'' ዝተጣበቑ ውራያት ሰባት ሓደ ኢዩ። ኣብ መዓልቲ ገለ እዋን ንምሕሳብን ሓዲሽ ፍልጠት ንምድላብን ምውፋይ ኣገዳሲ ስለዝነበረ ተጠቒምሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍራንክሊን ኣብ መዓልቲ 1 ሰዓት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ሓዲሽ ነገር እናተማህረ የሕልፎ ነይሩ።
ሓንሳብ ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ እኹል ሓበሬታ እንተ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ይሓልፍ። እዚ ተግባር ከኣ ክሳብ መወዳእታ ህይወቱ ኣዘውቲርዎ።
ብመሰረት ክኢላታት፡ እዚ ናይ ''ሕጊ ሓሙሽተ ሰዓታት'' ኣጥቢቕና እንተሒዝናዮ፡ ኣብ 4 ሰሙን ሓዲሽ ክእለት ክነጥሪ ንኽእል። ኩሉ ኣብ ቀጻልነትን ድልየትን ኢዩ ዝምርኮስ።

እዚ ''ሕጊ ሓሙሽተ ሰዓታት'' ዝብል ሓሳብ ብዓለም ደረጃ ብዙሓት ተኸተልቲ ኣለውዎ።
ብዓል ኦፕራ፡ ቢል ገይት፡ እሎን ማስከ፡ ዋረን ባፈት ወይ ማርክ ዛክበርግ ብዛዕባ ምስጢር ዓወቶም ምስ ተሓተቱ ነዚ ፈሊጥካ እትማሃሮ ኣገባብ ብቐጻሊ ይጠቕስዎ።
ኣብ ሓዲሽ መንገዲ ፍልጠት ናብ ምእካብ እንተ ተበጊስካ ክልተ ፍሉጣት ረቛሒታት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ ድልየትን ድሲፕሊንን እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







