ስጋ ብጾት፡ ማሕላ ተጋደልቲ ትግራይ

ተጋደልቲ ኣብ በረኻ

ምንጪ ስእሊ, Gizachewu Girmay/FB

ክብርኻን መሰልካን ንምርግጋጽ እተካይዶ ተጋድሎ መሪርን ፈታንን እዩ። ግን ከኣ ወዲቐካ ዘተንስእ፡ ሓሚቕካ ዘጎልብት ሰኒፍካ ዘጽንዕ ብማሕላ ዝግዛእ ጽንዓት ስለዘሎስ እቲ ተሰኒፉ ዝወድቕ፡ ተስፋ ቖሪጹ ዝርሕቕ ኣዚዩ ውሑድ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሄራዊ ማዕርነትን መሰል ዓርሰ-ውሳነ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ደምን መስዋእትን ዝሓተተ መሪር ቃልሲ እዩ።

ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ደገፍ ህዝቢ ስለዝነበሮ ዝያዳ ዘጽንዕ እምነትን ትረትን ነይሩዎም እዩ።

"ብድሕረይ ህዝበይ ጥራሕ ይሕለፈሉ፡ ንሱ ጥራሕ ይቕሰንን ይርሃዎን 'ምበር በጅኡ እንተተሰዋእኩስ ክብረት እዩ" ዝብል ጽኑዕ እምነት ተጋደልቲ ካልእ ዓንድን ደገፍን እቲ ቃልሲ እዩ ነይሩ።

ንሱ ከኣ'ዩ፡ ጥሜትን ጽምእን፡ ድኻምን ዕርቃንን፡ ጸቕጢ ግዳም ዘብእሶ ፈተናን ስንኻ ነኺስካ ብመስዋእቲ ክትዛዝሞ ዝደፍኣካ።

ንማሕላን መስዋእትን ብዝምልከት ተጋደልቲ ክልቲኦም ኣሓት ውድባት ሓደን ተመሳሳልን ማሕላ እዩ ነይሩዎም።

ክልቲኦም በቶም ካብ ጎድኖም ተፈልዮም ዝወድቁ፡ ብመንፈስን ሕልናን ዘኽብሩዎም ብጾቶም ይምሕሉ - ኣብ ኣሰሮም ከኣ ይቕጽሉ።

". . .ካልእ ተሪፉ እንጀራ ብላዕ፣ ማይ ስተ ተባሂልኻ፡ መጀመርታ ጸጊበ እየ 'ስጋ ብጾት' እንተይልካ፡ ኣኸለ። ሓንቲ ነገር ክትሰርሕ 'ስጋ ብጾት!' ኣነ እየ ዝኸይድ እንተይልካ፡ በቃ ኣይትዕጸፍን። ስለዚ ስጋ ብጾት እታ ናይ መወዳእታ ማሕላ ተጋዳላይ'ያ" ይብል ተጋዳላይ እያሱ ገብረመድህን።

ንሱ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ1974 ዓ.ም ልክዕ ከም ካልኦት መሓዝቱ ገና ወዲ 15 ዓመት ዕሰል እንከሎ'ዩ ናብ ገድሊ ትግራይ ተጸምቢሩ።

ድሕሪ ምኽምባት ገድሊ፡ ምስ ካልኣዩ ኾይኑ ዘሰናደኣ 'ሞት ውሽማይ' ዝተሰምየት መድብል እኩባት ግጥምታት ከምኡ ድማ ንህጻናት እትጥምት 'ውንታ' ዘርእስታ መጽሓፍ ዝርከብአን ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ኣሐቲሙ'ዩ።

ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ንክጋደል ወሲኑ እንትወፍር፡ ታዕሊም ኣጽዋር፣ ወተሃደራዊ ስልጠናታትን እቲ ቓልሲ ምስ ኣጻድፍ፣ ጥምየትን ካልእን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ተጋደልቲ 'ዘይዕጸፍ፣ ዝባኑ ዘይስገር' ዝብሉዎ ማሕላ 'ስጋ ብጾት' እውን እያ ጸኒሓቶ።

"ናብ ገድሊ ትግራይ እንትጽምበር፡ ስጋ ብጾት እቲ ናይ መወዳእታ ማሕላ ኮይኑ'የ ረኺበዮ" ዝብል ተጋዳላይ እያሱ፡ ኣብ በረኻ ሓውኻ፣ ኣዴኻ፣ ኣቦ ወይ ሓፍቲ ስለ ዘይብልካ፡ በቲ ኣብ ጎንኻ ዘሎ ብጻይኻ ክትምሕል ግድን ይኸውን ይብል።

ተጋዳላይ እያሱ ገብረመድህን

ምንጪ ስእሊ, Eyasu Gebremedhin/FB

'ስጋ-ብጾት' ኢሎም እናመሓሉ፡ ኣብ ክንዲ ብጾቶም በጃ ዝሓለፉ፡ ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ኣሻሓት ተጋደልቲ፡ ደምን ህይወትን ዝሓተተ ኣዝዩ መሪር ቃልሲ ኣሕሊፎም እዮም።

እታ፡ "ስጋ ብጾት!" እትብል ማሕላ ተጋደልቲ ከኣ ምስጢር ዓወታቶምን ቃል ኪዳን ሕሉፍን መጻኢኦምን ገይሮም'ዮም ዝቖጽሩዋ።

"እዛ ማሕላ እዚኣ ኽኣ፡ ሻላ ማላ የብላን። ቀልዲ ኣይኮነትን፤ ሓቀኛ ምኻንካ ንምርግጋጽ 'ስጋ ብጾት!' ኢኻ ትብል። ስጋ ብጾት ኢልካ መልሓስካ እንተድኣ ዓጺፍካ፡ ገበን'ዩ ዝኸውን። ንብጻይካ ዘለካ ኣኽብሮት'ውን በዛ ማሕላ ይግለጽ" ይብል ተጋዳላይ እያሱ።

ነቶም ተጋደልቲ፡ ብደምን መስዋእትን፣ ብህይወትን ዕሸል ንእስነትን ዝኽፈል ማሕላ - ስጋ ብጾት-ንዋዛ ኣይነበረን፤ ኮይኑ ኣይፈልጥን።

ንዘንተ እለት እውን ኣይኸውንን እዩ - ብመንፈስን ሕልናን እቶም ብደመ-ቃልስን መስዋእትን ዝተጠመቑ ተጋደልቲ።

ግን ከኣ "እቲ ማሕላኸ?" ዝብል ሕቶ ዘልዕል ክሰተት የጋጥም ድዩ?

ኣብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፡ ሓላፊ ህንጸት ዓቕምን ርክብ-ህዝብን ኣቶ ግዛቸው ግርማይ፡ ብ1993 ኣብ ሞንጎ ተጋደልቲ ህወሓት ንዘጋጠመ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ተደሪኹ፡ 'ስጋ ብጾት!' ኢሉ ግጥሚ ጽሒፉ ነይሩ።

እታ ታሪኻዊት ግጥሚ ንውድድር ተባሂላ ዝተጽሓፈት'ኳ እንተነበረት፡ ነቶም በዛ ማሕላ ቃል ኪዳን ኣሲሮም ህዝቢ መሪሖም፣ ብጾቶም በረኻ ገዲፎም፣ ኣሽሓት ጉድኣት ኣካል ሒዞም ዳሕራይ ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዝተጠቓቕዑ ነባራት ኣመራርሓ ኣምሪራ ብምንቃፍ፡ "ደው ኢልካቱም'ዶ ክትሓስቡ?" ኢላ ትሓትት ስለ ዝነበረት፡ መወዳደርቲ ኣካላት ንክቕበሉዋ ስክፍታ ሓዲሩዎም ምንባሩ ይዝክር።

ንዕኡ ኣብ ታሪኽ እዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ምፍጣሩ፡ ሃንደበት ካብ ኢድካ ወዲቑ ብዝስበረካ ገልዒ ዘይኮነ ማሕላ ምርሳዕ ዝብል ስምዒት ስለ ዘሕድር፡ ብማሕልኦም ክወቕሶም ከም ዝተገደደ ይዛረብ።

"ነዚ ማሕላ ሒዙ ብህይወት ዝተመለሰን ነዚ ማሕላ ኣሚኑ መስዋእቲ ዝኸፈለን ኣሎ። እዚ ማሕላ እዚ እቲ ናይ መወዳእታ ማሕላ ገድሊ ገይረ ይወስድ ስለ ዝነበርኩ፡ ነዚ መስዋእትነት እዚ 'ተረሲዑ ድዩ ኾይኑ' ዝብል መስለኒ መበገሲ ገይረ"።

Presentational white space

ስጋ ብጾት!

ከም ጭሩ ርጋፍ በሊዑ ጣጢሙ

ከም ጽጉብ ስሒቑ መዓንጥኡ ኣስጢሙ

ቦጅቦጅ በሊዑ'ዶ ሰትዩ ኣብ ኩርኳሕ ሓዲሩ

ኣስሓይታ ጸሓይ ነዳድ ንማይ በረድ ጸይሩ

ጽንዓት ስንቂ ኸይኑዎ ፈኪሩ ነዲሩ

እጋል ሰትዩ ከውሒ ዝቛጸሮ ፍሒሩ

በሊዑ ምርቋሕ ኮሮንሾ ሓማሾ

ከብዱ ብዕጽፍታ 'ስጋ ብጾት!' ኢሉ ምሒሉ ንሱ

ተሓሊጉ እንጀራ ፈውሲ ግስም ኣማቒሉ

[ካብ ግጥሚ ስጋ ብጾት 1993 ዓ.ምተጨሊፉ ዝተወስደ]

Presentational white space

'ማሕላ ንመን ቀተለ?'

ብሃይማኖት ክርስትና ኣብ ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ፡ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ መሓላ ግቡእ ዝኾነሎም እዋናት ነይሮም።

ድሓር ግን፡ ኣይሁዳውያን ዝበለጸ ተኣማንነት ንምርካብ ኣብ ዝኸውንን ዘይከውንን እናመሓሉ ንትርጉም ማሕላ ኣፍኲሶምዎ ይብሃል'ዩ።

ማሕበረሰብና'ውን፡ ዝኣምኖም፣ ዝፈትዎም ኮነ ዘኽብሮም ሰባት ኮኑ መላእኽቲ ረቚሑ ምሒሉ ጥሒሉ፡ 'ከምዚ ተበሃሂልናስ፡ ከም እትውዕለለይ ምሒልካለይ ነይርካ? እንትብሃል፡ 'ማሕላ ንመን ቀተለ?' ኢሉ ክምልስ ይስትውዓል።

ስጋ ብጾትከ?

"ማሕላ ስጋ ብጾት ናይ ቃል ዓለም ማሕላ ኣይኮነን" ኢሉ ከም ዝኣምን ዝዛረብ ኣቶ ግዛቸው ግርማይ፡ ምሒልካ ህይወትካ እትግብረሉ ስለ ዝኾነ፡ ከም ሰብ ክትሓስቦ ከለኻ እቲ ማሕላ ብዝኾነ መመዘኒ ክርገጽ ክትሓስቦ ዝኸብድ'ዩ ዝብል።

ተጋዳላይ እያሱ ገብረመድህን ብወገኑ፡ ሓንቲ ነገር ንክንረክብ ብሽም ታቦት ወይ ወለዲ ምሒልና ጥሒልና ኣብ መወዳእታ ማሕላ እንትንዓጽፍ፡ 'ከምዚ ኢልካ ምሒልካስ'፡ ተበልካ፡ 'ማሕላ ንመን ቀተለ' ምባል፡ እቲ ሰብ ማሕላ ነውሪ የብሉን ከም ማለት ገይሩ ስለ ዝቖጽሮ ክኸውን ይኽእል ይብል።

ማሕላ 'ስጋ ብጾት' ግን፡ ነውሪ ኣለዎ'ዩ።

"እቲ ናይ መወዳእታ ማሕላ ስለ ዝኾነ፡ ብጻይካ ከም ዝቐተልካ'ዩ ዝቑጸር። ንዒቕካዮ ኣለኻ ማለት'ውን ስለ ዝኸውን፡ ስጋ ብጾት ብቐሊሉ ዝለዓል ማሕላ ኣይኮነን" በሃሊ'ዩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ዝኸፍእ ጉድኣት ኣካል ዝበጽሖም ጉድኣት ኲናት፡ እዛ ማሕላ እዚኣ እዮም ዝጥቀሙ።

ነዚኦም ክትሪኦም ከለኻ፡ እዚ ማሕላ ደጋጊምካ ክትሓስቦን ክተስተንትኖን ትግደድ ይብል ኣቶ ግዛቸው'ዩ።

እቲ ቐደም ማሕላ ምፍራስ መቕጻዕቲ ነይሩዎ፣ የሕፍረካን የሕስረካን'ውን ነይሩ።

ተጋደልቲ፡ 'ስጋ ብጾት' ንእትብል ማሕልኦም እንተድኣ ጥሒሶም፡ ዓርሰ ነቐፌታ ክገብሩ፣ ካብ ሩባ ማይ ክወርዱ፣ ወይ ብስፖርታዊ ምንቅስቓስ ይቕጽዑ ነይሮም።

ካብዚ ንላዕሊ ግን እታ ማሕላ ምጥሓሳ'ያ እታ ዝኸበደት፤ ሰብ'ታ ማሕላ ከም ዝረገጽካ እንተፈሊጡዎ ኣብ ውሽጥኻ ዘሕድሮ ጣዕሳ ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን።

"ተጋዳላይ ስጋ ብጾት ኢሉ ሚሒሉ፡ ተኣሚኑ እሞ ከይገበራ እንተተሪፉ ዓብዪ ጉድለት ከም ዝፈጸመ'ዩ ዝቑጸር። ኣነ ባዕለይ ኣቦይን ኣደይን ረሲዐ፡ ነቶም ብጾተይ ልዕሊ ስድራይ ይፈትዎም ነይረ። ተጋዳላይ 'ስጋ-ብጾት' ክብል ከሎ ድማ ብቐሊሉ ዘይኮነ፡ ተስፍኡ ንዝኾኑ ብጾቱ ፍቕሩ ክሳብ መስዋእቲ ዝኸይድ ምኻኑ ዝዛረቦ ብምኻኑ፡ ንብጻዩ ዘለዎ ኣኽብሮን ፍቕርን ዝገልጸሉ'ዩ" ብምባል ርዝነት እቲ ማሕላ ይገልጽ።

"ማሕላ ንመን ቀተለ?" ብዝብል ልማዳዊ ኣበሃህላ ፈጺሙ ዘይሰማማዕ ኣቶ ግዛቸው፡ ኣብ ገድሊ ግን ማሕላ ዝቐትል፣ ህይወት ዘኽፍል፣ ኣካል ዘጉድል፣ ሰብ ኮይንካ ክትከፍሎ ዘይትኽእል ዓበይቲ ብድሆታት ክትሰግር ምኽንያት ዝኸውን እዩ ብዝብል መገዲ ይገልጾ።

"ሕዚ ከም ድሌትኻ ትምሕል፤ ሎሚ ዝተዛረብኻዮ ንጽባሕ ዘይጸንሐሉ'ዩ ዘሎ። ሽዑ ግን ናይ መወዳእታ ክኸውን ዘሎ እተምጽኦ እምበር፡ ኣብ ዝኾነ እትምሕለሉ ኣይኮነን" በሃሊ እዩ።

ማሕላ ምስ ናይ መወዳእታ ቃል እምነት ክሕደትን፡ ኪዳንን ኣዛሚዱ ንርዝነቱ ከብርህ ዝመርጽ ኣቶ ግዛቸው፡ ብግዘን ኩነታትን ዝምዘን ከም ዘይኮነ ይዛረብ።

"ሽዑ እቲ ኹሉ ጥምየትን ጽምእን፡ ዕርቃንን [ቁርን] ኩሎም ሽግራትን ኣብ እንግድዑኡ እናዓንደረ፡ ነቲ ሽግር'ውን ተቐቢሉ ንምግላጹ ዝኸብድ ነገራት ሒዙ፡ እዚ ማሕላ [ስጋ ብጾት] እቲ ናይ መወዳእታ ጫፍ ንብጻይኻ ዝኽፈል ምኻኑ ዘርኢ መሲሉ'ዩ ዝርድኣኒ። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ብጻይነት፣ ምክብባር፣ ነብስኻ ዘይምፍታው ዘርእን ንዕላማ ዝነብር ሰብ ዝምሕሎን ይመስለኒ" ኢሉ።

'ስጋ ብጾት!'

እዛ ማዕተብ ሓቅን እምነትን ተጋዳላይ'ያ ነይራ ተባሂላ እትስመ ማሕላ ስጋ ብጾት፡ እቶም ጉድኣት ኲናት ትግራይ ሕዚ'ውን እንተኾነ፡ ካብ ኣፎም ኣይፈልዩዋን እዮም።

እዞም ወሃብቲ ርኢይቶ'ውን፡ እቲ ንመስዋእቲ ዝበሃል ዝነበረ ማሕላ "ስጋ ብጾት!" ሎሚ እውን ህዝባዊ ሕቶታት ዝምልስ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ቓልሲ ምርግጋጽ ሓርነትን ማዕርነት፡ ወለዶ ሙሉእ'ዩ ተኸፊሉ ዝበለ ተጋዳላይ እያሱ ገብረመድህን፡ ዝሓለፈ ክድገም የብሉን ዝብል ሓሳቡ የካፍል።

ብማሕላ 'ስጋ ብጾት' ቃል ኪዳን ተኣሲሩ መስዋእቲ እንትኽፈል፡ "ክፈሪ ዝግብኦ ኣይፈረየን፣ ክመሃር ዝግብኦ ኣይተምሃረን፣ ክሕረስ ዝግበኦ ኣይተሓረሰን፣ ገዛን ኣድባራትን በሪሶም'ዮም። ሕዚ እዚ ዝኹሉ ዝተኸፈለ ይኸስር'ዩ ዘሎ።" ይብል ተጋዳላይ እያሱ።

ኣቶ ግዛቸው ድማ፡ ከምዚ ዝበለ ተመሳሳሊ ማሕላ፡ ብቐጻልነት ሒዝናዮ እንተንኸይድ ብርገጽኝነት ነቲ ሐዚ ዘጓንፈና ዘሎ ብድሆ ክንሓልፎ ኣይክኸብደናን'ዩ በሃሊ እዩ።

"ስጋ ብጾት ክብሉ ከለው ክሳብ እታ ዝበልሐት ጫፍ ምኽፋል ህይወት'ያ ትኸይድ። ሕዚ ኣብ ገሊኦም ምክድዳዕ ክትርኢ ከለኻ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ደጊምኻ ክትሪኦ፣ 'ስጋ-ብጾት' ኢልካ ዝኸፈልካዮ ኣብ በረኻ ከም ዝተረፈ ዘርኢ ገይረ እየ ዝወስዶ"።

እዚ ትማሊ ንመስዋእቲ ዝነበረ ማሕላ፡ ሕዚ ነቲ ሽዑ ዝተኣትወ ቃል ብምዝካር ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ዝኽእል ፈጻሚ ኣካል ክህሉ ኣለዎ ድማ ይብል ኣቶ ግዛቸው።

ደርጊ ንምድምሳስ ኣብ 17 ዓመታት ዝተኸፍለ መስዋእትነት ንምዝካር ዝበዓል መዓልቲ ሰማእታት መበል 31 ዓመታት ኣብ ከተማ ሓውዜን ይኽበር'ሎ።

እቲ ሓድሽ ወለዶ፡ 'ስጋ-ብጾት' ብዝብል እምነት ቃል ዝተኸፍለ መስዋእትነት፡ ሕድሪ ዝወርሰሉ መዓልቲ እዩ።