ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ደሃዮም ኣይፍለጥን ተባሂሉ

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ክልተ ማዕኸናት ዜና ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ጠበቕኦም ተዛሪቡ።
እቶም ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ዝእሰሩ ልዕሊ ሓደ ሰሙን’ኳ እንተኾኖም ክሳብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረቡን ብዛዕባ ዘለዉሉ ቦታ ስድርኦም ክፈልጡ ከምዘይከኣሉን ጠበቕኦም ኣይተ ታደለ ገብረመድህን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኢትዮ-ፎረም ኣብ ዝተባሃለ ናይ ዩ-ቱዩብ ቻነልን ኣብ ማእኸል ሚድያ ኣውሎን ዝሰርሑ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዐሎም ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ተጣባቒ መሰላት ጋዜጠኛታት ዝኾነ ሲፒጄ ንማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክፈትሖምን ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ልዕሊ ዝወፈሩ ሰብሞያ ዘብጽሖ ጸቕጢ ደው ከብልን ሓቲቱ ነይሩ።
ፖሊስ ብ23 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ቀትሪ ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ማእኸል ኣውሎ ሚድያ ብሓይሊ ከምዝኣተወን ን12 ሰራሕተኛታት እቲ ማእኸል ከምዝኣሰረን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ካብ ዝፈልጡ ኣካላት ክፈልጥ ከምዝኸኣለ ሲፒጄ ይገልጽ።
ብተመሳሳሊ ኢትዮ-ፎረም ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ናይ ዩ-ቱብ ቻነል: ዜናን ትንታነን ዘቕርቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣበበ ባዩን ያየሰው ሽመልስን ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ እቲ ትካል ሓቢሩ’ሎ።
ጠበቕኦም ኣይተ ታደለ፤ እቶም ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃን ፖሊስ ፌደራል ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓሎምን ሽዑ ብልሙድ ሜክሲኮ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ናብ ዝርከብ ማእኸል ምጽራይ ገበን ፌደራል ፖሊስ ከምዝተወሰዱን ተዛሪቡ።
‘ክሳብ ዓርቢ (25 ሰነ 2013 ኣኢ) ቤተቦም ክሓትዎምን ምግቢ ከብጽሑሎምን ይኽእሉ ነይሮም። ብድሕሪኡ ግን ‘ስለዝተፈትሑ ኣብዚ የለዉን’ ተባሂሎም። ቤተሰብ ክረኽቦም ኣይከኣለን። ክሳብ ሎሚ’ውን ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን” ኢሉ።
እቶም ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃን ናብ ቤት ፍርዲ ከይቐርቡ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዝተትሓዙሉ ምኽንያት’ውን ክሳብ ሎሚ ከምዘይተነገሮም ኣይተ ታደለ ገሊጹ።
“ብዛዕባ ማእሰርቶም ኣብ ሓደ መራኸቢ ብዙሃን ሕቶ ዝቐረበሉ ፖሊስ ‘ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ርክብ ስለዘለዎም’ዩ’ ዝብል መልሲ ከምዝሃበ ኣንቢበ ኣለኹ። ካብዚ ወጻኢ ንዓና ዝተወሃበና ግልጺ ሓበሬታ የለን” ክብል ኣረዲኡ።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ፖሊስ ፌደራል መብርሂ ንምርካብ ዝገርናዮ ፈተነ ክሰምረልና ኣይከኣለን።
እቶም ሰብሞያ ንማእሰርቲ ዝተሳጥሑሉ ምኽንያት ምስ ስርሖም ብዝተሓሓዝ ከምዝኾነ እቲ ጠበቓ ይኣምን።
“ቤተሰቦም ብጣዕሚ ስለዝጨነቖም ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ከይዶም ጥርዓን ኣስሚዖም ነይሮም። ሰኑይን ሰሉስን ከኣ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ስለዝተሓበረና ተጸቢና ግን ኣይቀረቡን” ብምባል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ሕጊ እታ ሃገር ዘይምኽንያታዊ ማእሰርቲ ክህሉ ከምዘይግባእ ከምዝተነጸረ ዘዘኻኸረ ጠበቓ ኣይተ ታደለ፤ ዓማዊሎም ካብ ዝተሓዙ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከምዝነበሮምን እዚ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ ከኣ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝተጥሓሰ ገሊጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







