መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ 'ናብ ትግራይ ንረድኤት ዝግበሩ በረራታት ኣፍቂደ' ኢሉ

ናብ ትግራይ ዝግበር ረድኤት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሑ ዝደልዩ ኣካላት ናብ ትግራይ በረራ ኣየር ክገብሩ ከምዘፍቀደ ኣፍሊጡ።

ምጽራይ ሓበሬታ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኢትዮጵያ [‘ስቴት ኦፍ ኢመርጀንሲ ፋክት ቸኪንግ’] ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ከምዘፍለጦ እቲ ፍቓድ ካብ ትማሊ ሰኑይ [06 ሰነ 2021] ጀሚሩ’ዩ ፍቓድ ተዋሂቡ።

እንተኾ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ ፍቓድ ካብ ዓለምለኸ መበገሲ በረራታት ብቐጥታ ናብ ትግራይ ድዩ ወይስ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ናብ ትግራይ ንዝግበሩ በረራታት ዝብል ኣየነጸረን።

መንግስቲ ፌደራል በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ብድሕሪ ምእዋጁ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም እቲ ኣዋጅ ግብራዊ ንምግባር ሸውዓተ ቅድመ-ኩነት ከምዘቕረቡ ይፍለጥ።

ካብ ሞንጎ ዘቕረብዎም ቅድመ-ኩነት እቲ ሓደ ድማ “ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ብቐጥታ ዓለምለኻዊ በረራታት ንኽግበሩ” ዝብል’ዩ።

ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ብዝተወለዐ ጎንጺ ምኽንያት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሃገራት ምዕራብን ትካላት ረድኤት ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም።

ብፍላይ ሃገራት ምዕራብ ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ከይግደቦም ሕቶ የቕርቡ ምህላዎም ይግለጽ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጽኦ መረዳእታ፡ ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዝወደቑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።