ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ከተቋርጽ ዘይትኽእለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምንጫው ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዝዘለቐ ምስሕሓብ ዝፈጠረ ኮይኑ: ጌና መዕለቢ ኣይረኸበን ኣሎ።
እቲ ኩነታት ናብ ግጭት ከየምርሕ ስግኣት ተፈጢሩ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዛዕባ ንመጀመርታ ጊዜ ንምዝታይ ሓሙስ ተጋቢኡ ነይሩ።
ግብጽን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ዓመት በይነኣዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልእ ምጅማራ ከሲሰን።
ንጠለብ ማይ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ፈለግ ኒል እትምርኮስ ግብጺ፡ ነዚ ከም ናይ ህላወ ሕቶ እያ ትርእዮ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀረብ ማይ ሱዳን ብሰንኪ ምምላእ እቲ ግድብ ጸገማት ኣጋጢሙ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ብወገና እቲ ግድብ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ዜጋታታ ኤለክትሪክ ንምቕራብ ከም ዘድልያ ትገልጽ።
ግብጽን ሱዳንን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ሓባራዊ ስምምዕ "ብሕማቕ ተበግሶ" ነቲ ዲጋ ማይ ትመልኦ ኣላ ብምባል፡ እቲ ዲጋ ኮነ ኢልካ ይምላእ ምህላው ኣመላኺተን።
እንተኾነ ግና እዚ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዲጋ ናይ ምምላእ መስርሕ ከም ድላያ እትቆጻጸሮ ዘስምዕ ጌጋ መረዳእታ ዝፈጥር እዩ።
ክቋረጽ ኣይክእልን?
ኣይፋሉን። እቲ ብድሕሪ እቲ ግድብ ዘሎ ዲጋ ኣብ እዋን ክራማት ሩባ ኣባይ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ እዩ ዝመልእ፤ እዚ ድሮ ዝጀመረ ኮይኑ ክሳዕ መስከረም ዝቕጽል እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጉዳይ ዲጋ ህዳሰ መጽናዕትታት ዘካየደ ተመራማሪ ዩኒቨርስቲ ማንቸስትር መሓመድ በሽር ዓቐን ማይ ጥርዚ መንደቕ እቲ ግድብ ክሳዕ ዝበጽሕ "ብዓይኒ ምህንድስና፡ ብዓይኒ ፊዚክስ ንምምላእ እቲ ዲጋ ሕጂ ደው ምባል ኣይከኣልን" ይብል።
ናይዚ ምኽንያት፡ መጠን ናብቲ ዲጋ ዝኣቱ ማይ ካብቲ ብኽልተ መተንፈሲ ዝወጽእ (መዓልታዊ ካብ 60 ክሳዕ 110 ሚልዮን ሜተር ኪዩብ) ስለ ዝዛይድ እዩ።
ካብቲ ህንጸት እቲ ግድብ ዝተጀመረሉ 2011 ጀሚሩ፡ እቲ መንደቕ ኣብ ከባቢ ሩባ ኣባይ እዩ ክህነጽ ጸኒሑ። ዋሕዚ እቲ ማይ ድማ ክቕጽል ጸኒሑ።
ሰብ ሞያ ህንጻ ኣብ ገምገም እቲ ሩባ ብዘይ ጸገም ንጥፈታቶም የሰላስሉ። ኣብቲ መጠን እቲ ማይ ዝውሕደሉ እዋናት ድማ እቲ ሩባ ብመትረባት፡ ወይ ትቦታት ከም ዝሓልፍ ብምግባር ገለ ክፋል እቲ መንደቕ ይህነጽ።
ኣብዚ እዋን ካብቲ ማእከላይ ሸነኽ እቲ መንደቕ ዝበዝሐ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ኮይኑ፤ ክሳዕ 2024 ክቕጽል እዩ። ሽዑ ብራኺኡ ካብ ጸፍሒ ባሕሪ 640 ሜትር ክበጽሕ እዩ።
ባይታ እቲ ሩባ ካብ ጸፍሒ ባሕሪ 509 ሜትር ብራኸ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዝቕጽል መድረኽ እንታይ እዩ?
ዲጋ ህዳሰ ኣብ ቀዳማይ ዓመት፡ 4 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ ማይ ክኽዝን እንከሎ መሊኡ ክፈስስ በቒዑ እዩ።
ኣብ ዲጋ ህዳሰ ገምጋም ዓመታዊ ፍሰት ማይ ሩባ ኣባይ፡ 49 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ እዩ። ዓሚ ግና ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ መዓልታዊ መጠን ፍሰት ማይ ብምርኣዩ፡ ካብቲ ኣብ መላእ ዓመት ክኽዝኖ ዝግባእ ዝነበረ ፍሰት ሒደት መጠን ጥራሕ'ዩ ወሲዱ።
ኣብዚ ዓመት ተወሳኺ 13.5 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ ማይ ንምኽዛን እዩ ተተሊሙ ነይሩ። ካብ ሱዳን ዝተረኽበ ናይ ሳተላይት ስእልታት ከም ዘርእዮ ግና ህንጸት እቲ መንደቕ ከምቲ ዝተወጠነሉ ክሳለጥ ኣይከኣለን። እዚ ማለት ድማ ብዙሕ ማይ ክፈስስ እዩ።
ሚኒስትሪ ማይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሱዳን ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ግና፡ እቲ ግድብ ከምቲ ዝተወጠነሉ ማይ ክዕቅብ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ሓጋይ መጠን ማይ እቲ ግድብ ስለ ዝጎድል፡ መናድቕ እቲ ግድብ ክህነጽ እዩ፤ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ድማ ዝያዳ ማይ ክኽዘን እዩ።
ኢትዮጵያ ነቲ ዲጋ ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ማለት 74 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ፡ ከም እትመልኦ እያ ትገልጽ። ሽዑ እቲ ዝፍጠር ቀላይ ንድሕሪት ክሳዕ 250 ኪሜ ክዝርጋሕ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ክረምቲ ወቕትታት መጠን ማይ እቲ ዲጋ ናብ 49.3 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ ክወርድ እዩ።
ግብጺ ስለምንታይ'ያ ዘይተሓጎሰት?
ግብጺ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከም ንህልወናኣ ዝዳረግ ስግኣት እያ እትርእዮ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማያት ኒል ስለ እትምርኮስ ኣብ ፈለግ ኒል ንዝፍጠር ኩሉ ብቐረባ እያ ትከታተሎ።
ግብጺ ዘይጎድል ዝተወሰነ መጠን ማይ ክረጋገጸላ ትጠልብ።
ኣብ እዋን ምምላእ፡ ግብጺ ካብ ዲጋ ላዕለዋይ ኣስዋን ማይ ብምፍናው ክተከሓሕስ ትኽእል እያ፤ እቲ ሻቕሎት ግና ግድብ ህዳሰ ምሉእ ኣገልግሎት ክህብ ምስ ዝጅምር ዝመጽእ ነገራት እዩ።
ምምላእ እቲ ግድብ ምስ ተዛዘመ፡ ኢትዮጵያ ክንዲምንታይ መጠን ዘለዎ ማይ ክትፍንው እያ ኣብ ዝብል ክትቅየድ ኣይትደልን እያ። ቀዳምነታ፡ ነቲ ምስ ተዛዘመ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ማያዊ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘንቀሳቕስ እኹል ማይ ምሓዝ እዩ።
ኣብቲ ንቡር እዋናት ዝናብ ጸገም ኣይኸውንን፤ እንተኾነ ግና ንዓመታት ዝቕጽል ዝተናውሐ ድርቂ እንተኣጋጠመ እንታይ ክኽሰት እዩ ዝብል ንግብጺ ኣሻቒልዋ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዲጋ ህዳሰ ማይ ክትክዝን እያ፡ ኣብ ዲጋ ላዕለዋይ ኣስዋን ግብጺ ዘሎ መጠን ማይ'ውን ክጎድል ክጅምር እዩ።
ብድሕሪኡ እቲ ዳግም ናይ ምምላእ መስርሕ ከመይ ክኸውን እዩ ዝብል'ውን ካልእ ሕቶ እዩ።
ሱዳን ከ?
ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ሱዳን ኣብቲ ዲጋ ዘለዋ መርገጺ ካብ ብጽቡቕ ምቕባል ናብ ተጠራጣሪትን ኣብ ኲናት ምጽማድን ተሰጋጊሩ ኣሎ።
እዚ ናይ ሱዳን ናይ መርገጺ ለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ምምላእ ማይ ድሕሪ ምርኣይ ምዃኑ በሽር ይነግር።
ብደረጃ ክልሰ ሓሳብ፡ ግድብ ህዳሰ ነቲ ናብ ሱዳን ዝፈስስ ማይ ብምቁጽጻር ንሱዳን ካብ ዘይተሓስበ ውሕጅ ክገላግላ ይኽእል እዩ።
እንተኾነ ግና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ካብቲ ኣርባዕተ መሕለፊ ማይ ትቦታት ነቲ ሰለስተ ምስ ዓጸወት ኣብ ሱዳን ስንባደ ፈጢሩ እዩ።
እዚ ኣብ መጠን እቲ ማይ ምጉዳል ከስዕብ እንከሎ ሱዳን ንመስኖን ዘቤታዊ ሃልክን እትጥቀመሉ ማይ ምኩልላፍ ኣጋጢሙ ነይሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







