ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንምክያድ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ግብጺ ነጺጋቶ

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES VIA REUTERS

መንግስቲ ግብጺ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክረምቲ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንምጅማር ኣውጺኣቶ ዘላ መድብ ኮኒንዎ።

ሚኒስተር መስኖ ግብጺ መሓመድ ዓብደል ኣቲ፡ ካብ ኢትዮጵያ ምምላእ እቲ ዲጋ መዓስ ከምዝጅምር ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ብምሕባር ነቲ መደብ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ከምዝነጸጎ ኣብሪሁ።

ንሱ እቲ መደብ ናይ ኢትዮጵያ በይንኣዊ ውሳነ ምዃኑ ብምጥቃስ: እቲ ናይ ኢትዮጵያ ውሳነ "ንዓለምኻዊ ውሳንን ሕግን ዝጥሕስ እዩ፡ ንሓባራዊ ጥቕሚ ዝህብ ከም ናይል ዝኣመሰለ ወሓዚ ዘማእክል ዓለምለኻዊ ሕግን ደንብን ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ይጠሓስ ኣሎ" ኢሉ።

ሚኒስተር መስኖ ግብጺ መሓመድ ዓብደል ኣቲ፡ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ወሳነ ኣመልኪቱ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ከምዝለኣኸ ብምሕባር፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሓሙስ ከምዝጋባእ ሚኒስተር መሓመድ ዓብደላ ኣቲ ኣፍሊጡ።

ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ሓደ ሓባራውን ቀያድን ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ከይትጅምር እየን ከጠንቅቓ ጸኒሐን።

እቲ ኢትዮጵያ 4 ቢልዮን ዶላር ሰሊዓ ካብ 2011 ጀሚራ ትሃንጽ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ነቲ ካብ ሩባ ኣባይ ንሱዳንን ንግብጽን ጽሩይ ማይ ዝህብ ፈለግ ኒል መጠን ማዩ ከጉዱሎ'ዩ ብምባል እየን ስግኣተን ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ እቲ ዓቢ ግድብ ን60 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ንቀረብ ኤለትሪክ ኣብ ምምላእ ከምእትጥቀመሉ ብምግላጽ፡ ንምዕባለአ ወሳኒ ምዃኑን ኣብ መጠን ማይ ፈለግ ኒል ዘምጽኦ ኣሉታዊ ለውጢ ከምዘይህሉን እያ ትማጎት።

ሃገራት ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ብተደጋጋሚ እኳ ብመገዲ ወኪላተን ክራኸባ እንተጸንሓ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ግን ክበጽሓ ኣይክኣላን።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምዘካየደት ዝዝከር እዩ።

ኢትዮጵያ፡ እቲ ልዕሊ 5ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጩ ዝዝረበሉ ግድብ ካብ ዝህልዎ ረብሓ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ዘሕድሮ ጽልዋ ከም ዘየለ ብምግላጽ ኣብ ስምምዕ ይበጻሕ ኣይበጻሕ ኣብዚ ወርሒ ማይ ምምላእ ከም እትጅምር ኣቐዲማ ክትገከልጽ ጸኒሓ።

ሰለስቲአን ሃገራት ብተደጋጋሚ ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ዘካይድኦም ልዝባት ብዘይ ፍረ ተበቲኖም'ዮም።