ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ርኡይ ተራ ኣይክህልወንን’ዩ ኢሉ

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ZACHARIAS ABUBEKER

ግብጽን ሱዳንን ብመሰረት ዘቕረብኦ ሕቶ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣቶኵሩ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክእከብ'ዩ ዝተባህለ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ርኡይ ተራ ከም ዘይህልዎ ተገሊጹ።

ኣካቢ እቲ ባይቶን ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ዝኾነ ኒኮላስ ሪቪዬር ንጋዜጠኛታት ከም ዝበሎ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ክዝቲ ይኽእል እዩ ኢሉ።

ይኹን'ምበር ንሰለስቲኤን ሃገራት ብምዕዳም ስግኣተን ክገልጻን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓሉ ዝኽእላ ልዝብ ንክገብራን ካብ ምትብባዕ ሓሊፉ ካልእ ዝገብሮ ከም ዘየለ ሓቢሩ።

"እቲ ቤት ምኽሪ ካብኡ ሓሊፉ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን" ክብል ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክትጅምር ኣብ ትሽባሸበሉ ኣብ ዘላ እዋን ሱዳንን ግብጽን ካብቲ ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ እቲ ጉዳይ ናብ ሊግ ዓረብ ብምውሳድ ጸቕጢ ከሕዳር ጻዕሪ ገይረን።

ክልቲአን ሃገራት ሕጋውን ኣስገዳድን ስምምዕ ከይተፈረመ፡ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ክትጅምር ከም ዘይብላ'የ ዘቂጠን ዝማጎታ ዘለዋ።

ኢትዮጵያ፡ እቲ ልዕሊ 5ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጪ ዝዝረበሉ ግድብ ካብ ዝህልዎ ረብሓ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ዘሕድሮ ጽልዋ ከም ዘየለ ብምግላጽ ኣብ ስምምዕ ይበጻሕ ኣይበጻሕ ኣብዚ ወርሒ ማይ ምምላእ ከም እትጅምር ትገልጽ።

ሰለስቲአን ሃገራት ብተደጋጋሚ ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ዘካይድኦም ልዝባት ብዘይ ፍረ ተበቲኖም'ዮም።

ግብጽን ሱዳንን እቲ ግድብ ካብ ሩባ ኣባይ እንረኽቦ መጠን ማይ ክንክዮ'ዩ ክብላ እንከለዋ ኢትዮጵያ ግን እቲ ግድብ ዝሕዞ ማይ ን65 ሚሊዮን ዜጋታታ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ እትጥቀመሉ ስለ ዝኾነ ጸገም ኣይፈጥርን ዝብል ሞገት ኣለዋ።