ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ 'ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ' ኢትዮጵያ ጸዊዓ

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES VIA REUTERS

ሱዳን፡ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝግበር ዘተታት "ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ" ኢትዮጵያ ጸዊዓ።

ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ በቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንምዝዛሙ ቅሩብ ዝተረፎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ግዜ ንኽትመልእ ዘውጽኣቶ ውጥን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ስለዘይከኣላ ኣብ ምትህልላኽ እየን ዘለዋ።

እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብቲ ናብ ፈለግ ኒል ዝኣቱ መስመር ስለዝተሃንጸ፡ ሱዳንን ግብጽን ቀንዲ ምንጪ ጽሩይ ማየን ዝኾነ ኒል መጠን ማዩ ከየጉድሎ ዓቢ ስግኣት ከምዘለወን'የን ዝገልጻ።

ብቀዳም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ንኣተሓሓዝ ማይ ኒል ኣምልኪቱ ዝተበጽሐ ስምምዓት ትጥሕሶ ኣላ ብምባል ነቒፋ ነይራ።

ኢትዮጵያ፡ ንነቀፉታ ሱዳን ብሰሉስ መልሲ ኣብ ዝሃበትሉ፡ እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝተኸተመ ውዕላት "እንኮ ዕላምኡ" እተን ቀንዲ ምንጪ ኒል ዝኾና ሃገራት ምዕሩይ ብዝኾነ ኣገባብ ካብቲ ማይ ከይጥቐማ ዓጊቱ ዝሕዝ ማሕለኻ እዩ ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ 50 መዓልታት ኣቢሉ ስሩዕ ክረምቲ ክጅምር እዩ።

ኢትዮጰያ ከኣ ኣብ እዋን ክረምቲ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምእተኻይድ እያ ትሕብር ዘላ።

ክሳብ ሕጀ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት [ኢትዮጵያ፤ ሱዳንን ግብጽን] ክግብር ዝጸንሐ ዘተታት ዝኾነ ፍረ ስለዘይተረኸቦ፡ ንኣመላልኣ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪተን ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይብጽሓ ኢትዮጵያ ምምላእ ከይትጅምር'ሞ ናብ ዝኸፈአ ምስሕሓብ ከይኣትዋ ስግኣት ኣሎ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዘካየደትሉ'ውን ሱዳንን ግብጽን በቲ ሓሳብ ናይ ኢትዮጵያ ኣይተሰማማዓን ነይረን።

ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ዘተ ሰለስቲኤን ሃገራት ዳርጋ ሰማዒት ጥራይ ኮይና እያ ትኸይድ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ምስ መርገጺ ናይ ግብጺ ብምስምማዕ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ሱዳን ከምጽኦ ዝኽእል ጸገማት ኣብ ምጉስጓስ እያ ትርከብ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ምብራቃዊ ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኣልፋሽጋ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ቦታ'ውን ናብ ቅሉዕ ብረት ምውጥዋጥ'የን ኣትየን ዘለዋ።

ሱዳን፡ ነቲ ናተይ እዩ ኢላ ዝኣመነትሉ ቦታታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐጸጸረቶ ክትገልጽ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ሱዳን ናብቲ ቅድሚ ወርሒ ሕዳር ዝነበረቶ ቦታ እሞ ሰራዊታ ትስሓብ ጸገምና ብዘተ ንፍትሓዩ ዝብል መርገጺ እያ ሒዛ ዘላ።

እቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባተን ዝተፋነነኦ ዘለዋ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝግብር ዘተ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ከምዝክእል ኸኣ ብኣግኡ ተገሚቱ'ዩ ዘሎ።