ግድብ ሕዳሰ: ሱዳን ወሲዳቶ ዘላ ተሪር መርገጺ መንቀሊኡ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ መርገጺኣ ሓንሳብ ምስ ኢትዮጵያ ሓንሳብ ምስ ግብጺ እዩ ክውግን ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ግን ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ግብጺ ጸግዒ ወሲዳ ምህላዋ ሪፖርተር ቢቢሲ ዘይነባ መሓመድ ሳልሕ ካብ ካርቱም ትሕብር።
ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዘተ ኣብ ዝካየደሉ፡ ሱዳን ካብ ንዝተብሃለ ሕራይ ምባል ወጺኣ ናብ ተወላዋሊትን ብዓቢኡ'ውን ናብ ኵናትን እያ ኣትያ ዘላ።
እዚ ከኣ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሽረር ኣብ ስልጣን ዝርከብ መሰጋጋሪ መንግስቲ ሱዳን ፈጢርዎ ዘሎ ጽልዋ ዘርኢ እዩ።
ኢትዮጵያ ምስ ምምጻእ ክረምቲ ዋላ ኣብ ስምምዕ ኣይበጻሕ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም እተካይድ ኣብ ትገልጸሉ ዘላ እዋን እቲ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ፍሕፍሕ ዝያዳ ሓሽኪሩ ይርከብ።
ግብጽን ኢትዮጵያን እቲ ግድብ ምስ ህላዉኤን ዘለዎ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣመልኪተን ዘቲየን እየን።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ኣብ ቁጠባኣ ከምጽኦ ዝኽእል መስተርሆት ብምሕባር፡ ድሕሪ ምዝዛም እዚ ፕሮጀክት 60 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ካብዚ ፕሮጀክት ቀረብ ጽዓት ናይ ኤለትሪክ ክረክብ ምዃኑ ትሕብር።
ግብጺ ብወገና እቲ ፕሮጀክት ብመገዲ ፈለግ ኒል ናብ ግብጺ ክመጽእ ዝኽልእ ማይ ስለ ዝዓግቶ ኣብ ቀጻልነት ህይወት ህዝባ ዓቢ ስግኣት ከም ዝፈጥር ትማጎት።
ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት እትርከብ ሱዳን'ውን ኒል ንዓኣ ኣቋሪጹ ናብ ግብጺ ስለ ዝኸይድ፡ ንዓኣ'ውን ብቀጥታ ከም ዝጸልዋ ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣትሪራ ትማጎተሉ'ላ።
ኣማኻሪ ላዕለወይ ሓላፊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ሊተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ናይ ማይ ኵናት ኣብ ዝገለጸሉ "ማሕበረሰብ ዓለም ጣልቃ ብምእታው መፍትሒ እተዘይኣምጺእሉ ልዕሊ እቲ ሰብ ዝግምቶ ሓደገኛ ክኸውን እዩ" ኢሉ።
ሱዳን ኣብ መጀመርታ ነቲ 'ፕሮጀክት' ሓንጎፋይ ኢላ ተቐቢላቶ ነይራ።
14 ኣዋርሕ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ሰነዳት ምስ እንፍትሽ፡ ካብ ካርቱም ካልእ ዓይነት ድምጺ እዩ ዝስማዕ ነይሩ።
ሚኒስተር ሃብቲ ማይ ሱዳን ያሲር ዓባስ ኣብ ለካቲት 2020 እቲ ግድብ ንሱዳን ክሳብ ክንደይ ጠቓምን ኣርባሕን ምዃኑ ብምግላጽ ሱዳን ካብዚ ግድብ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዝህልዋ እዩ ዘርዚሩ ኣረዲኡ።
ሚኒስተር ያሲር ዓባስ፡ ኣብ መግለጺኡ እቲ ግድብ ምህናጹ እቲ ናብ ሱዳን ዝፈስስ ማይ ፍሉጥ ከም ዝኽውን፡ ኣብ ሱዳን ሳልሳይ ወቅቲ ናይ ሕርሻ ንክህሉ ከም ዝሕግዝን ሱዳን ሕሱር ቀረብ ኤለትሪክ ንክትረክብ መገዲ ዝጸርግን ምዃኑ'ውን ኣብሪሁ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ብሞንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ልዝብ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።
ድሕሪኡ ሚኒስተር ያሲር ዓባስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይተበጽሐ ነቲ ግድብ ክትመልኦ እንተጀሚራ ንሱዳን ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ ከም ዝኾና ንጋዜጤኛታት ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES VIA REUTERS
ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ሓደ ቀያዲ ዝኾነ ስምምዕ ክትፍርም ኣለዋ ኢላ እያ ትማጎት።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝመጽእ ክፍጥር ዝኽእል ምስሕሓባት ብኸመይ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ካብ ሕጂ ዘተ ክካየደሉ ኣለዎ ዝብል'ውን እቲ ሱዳን ከም ካልኣይ ነጥቢ ኣቐሚጣቶ ዘላ እዩ።
ሚኒስተር ያሲር ዓባስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል'ውን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ልዝብ ንምሕልላኽ ነቲ ማይ ንሕርሻዊ ሃልኪ ክጥቐመሉ'የ ዝብል ሓዲሽ ሓሳብ ሒዛ ትመጽእ ኣላ ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ "እቲ ዲጋ ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ክትመልኦ እንተጀሚራ፡ ነቶም ካብዚ ማይ እዚ ህይወቶም ዝመርሑ ህዝብን ነቲ ከባብን ኣዝዩ ዘስግእ እዩ" ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር፡ ግብጺ፡ ኣብ ዲጋ ኣስዋን እኹል ክዙን ማይ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዲጋ ክትመልኦ እንተጀሚራ ካብ ግብጺ ንላዕሊ ሱዳን ከምእትሽገር ኣብሪሁ።
እዚ ሚኒስተር ያሲር ዓባስ ዝገልጾ ዘሎ ካብ ቀደም'ውን ዝዝረብ ዝነበረ እኳ እንተኾነ፡ ሱዳን ሕጂ ድያ ከተስተብህለሉ ጀሚራ ዋላስ መርገጺኣ ክትቕይር ዝደረኸ ክስተት ኣሎ እዩ? ዝብል ዛዕባ ኸኣ ኩሉ ሰብ ዘልዕሎ ዘሎ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ።
እቲ ምስዚ ተተሓሒዙ ዝልዓል ነጥቢ ከኣ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሱዳን ስልጣን ተማቒሎም ዘለዉ ወተሃደራትን ሲቪልን፡ ወተሃደራዊ'ዶ ሲቪላዊ ሓይሊ ይዕብልል ቅልጽሞም ንከርእዩ ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ከም መስትያት ይጥቐምሉ ኣለዉ ዝብል እዩ።
ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንሱዳንን ግብጽን ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ'ዩ ንምባል ካልኦት ዝልዓሉ መእመኒ ሓሳበት'ውን ኣለዉ።
ሱዳንን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ኣል ፋሽጋ ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብ እየን ዘለዋ።
እቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ዝተጀመረ ዶባዊ ምስሕሓብ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ወጥሩ እናወሰኸ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
እዚ ሓደ ካብቲ ሱዳን ብጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ንኽትቅይር ዝደረኸ ነጥቢ እዩ ዝብሉ'ውን ብዙሓት'ዮም።
ዋላ እኳ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጰያን ዘሎ ዶብ ብንጹር ዘይተመልከተ እንተኾነ እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ውዕላት ናይ ዶብ፡ እቲ ሕጂ ዘሰሓሕበን ዘሎ ልሙዕ መሬት ኣልፋሽጋ ናይ ሱዳን ምዃኑ እዩ ዘርኢ።
እንተኾነ ኢትዮጵያውያን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብሪ እናኸፈሉ ክነብርዎ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ 2008 ኢትዮጵያ እቲ መሬት ናይ ሱዳን ምዃኑ እኳ እንተኣመነት ካብቲ መሬት ግን ኣይወጸትን።
ኢትዮጵያ በቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ተጸሚዳ እንከላ ሱዳን ከም ዕድል ብምጥቃም ሰራዊታ ናብ ኣልፋሽጋ ብምእታው፡ እቲ ናተይ እዩ ትብሎ መሬት ኩሉ ከም ዝሓዘቶ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናብ ግብጺ ዝግበር ሕስይስይ
መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ኣልፋሽጋ ንዝግበር ወተሃደራዊ ስጉምትታት ህዝባዊ ደገፍ ንክረኽበሉ ብዙሕ'ዩ ጽዒሩ።
ጸለውቲ ሰባት ናብቲ ዶብ ብምውሳድ፡ ፍሉጣት ደረፍቲ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ካርቱም ሙዚቃዊ ምርኢት ከም ዘቕርቡ ምግባር ገለ ካብቲ ህዝቢ ንምጉስጓስ ዝተጠቐመሉ ሜላ እዩ።
ኣብ ሰሜን ሱዳን'ውን ኣባላት ሓይሊ ኣየር ሱዳን ምስ ሓይሊ ኣየር ግብጺ ብምዃን ሓባሪዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ ጥሮታ ዝርከብ ብሪጋደር ጀነራል ሞሓመድ ጋለንደር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "በትሮም ናብ ኢትዮጵያ ንምውጥዋጥ ኢሎም ይገብርዎ ከም ዘለዉ ፍሉጥ'ዩ" ኢሉ።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብጽን እንትርፎ ኣወንታዊ ረብሓ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘየለ ከተእምን ህርዲግ ትብል።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብትዊተር ዓቢ ግድብ ህዳሰ "ጸገማት ንምፍጣር ሃቀነ የብሉን" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዓሚ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ቀዳማይ ዙርያ ምምላእ እቲ ግድብ ንኽልቲኤን ሃገራት [ግብጽን ሱዳንን] ብፍላይ ኸኣ ንሱዳን ካብ ዕልቕልቕ ከም ዘድሓና ሓቢሩ።
ንሱ ብምስዓብ ቅድሚ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ግድብ ምጅማሩ ምልውዋጥ ሓበሬታ ከም ዝህሉ'ውን ገሊጹ።
እዚ ቃላት ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ግብጽን ሱዳንን ቀያዲ ዝኾነ ስምምዕ ክፍረም ዝጠልበኦ ዘለዋ ህንዳደ ዘህድእ ኣይመስልን እዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምህ ሾክሪ እቲ ግድብ ንሰለስቲአን ሃገራት ብዘይሃሲ መንግዲ ንክካየድ ግብጺ ተቕርቦ ዘላ ሓሳባት ደገፍ ንምርካብ ናብተን ንግብጺ ይድግፋ እየን ዝበለን ሃገራት ዑደት የካይድ ከም ዘሎ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ ኣሎ።
ላዕለወይ ሓላፊ ልዑላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን'ውነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ እዩ ኣሕሊፉ።
ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት [ግብጺ፡ሱዳንን ኢትዮጵያን] ዘሎ ፖሎቲካዊ ወጥሪ ረስኑ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ ምስ ምምጻእ ክረምቲ ኢትዮጵያ ከም ቃላ ነቲ ዲጋ ክትመልኦ እንተጀሚራ ክምጽእ ዝኽእል ነገር ብኣግኡ ንምፍላጥ ክብድ ይብል እዩ።
እቲ ክረምቲ'ውን ምምጽኡ ኣይተርፎን'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







