ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ: ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ የዘራርብ ኣሎ

ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ግብጺ ሳሜህ ምስ ፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታ

ምንጪ ስእሊ, @STATEHOUSEKENYA

ሚኒስትር ጉዳያት ወጸኢ ግብጺ ሳሜህ ሽኩሪ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ይዘራረብ ኣሎ።

ሳሜህ ሽኩሪ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ምስ ዘላ ግድብ ሕደሰ ብዝተኣሳሰር መርገጺ ሃገሩ ንምፍላጥን መልእኽቲ ፕሬዝደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ንምብጻሕን ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ዑደት የካይድ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሚኒስተር ክሳብ ሕጂ ናብ ኬንያ፣ ኮሞሮስን ደቡብ ኣፍሪቃን ከም ዝበጽሐን ኣብ ቀጻሊ ናብ ሰኔጋል፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ቱኒዝያን ብምኻድ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ከም ዝዘራረብ ገሊጹ።

ሳሜህ ሽኩሪ መጀመርታ ናብ ተለዋጢት ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ኬንያ ክበጽሕ እንከሎ፡ ምስ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ ተራኺቡ'ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ክልትኣዊ ረብሓ ኣብ ዘረጋግጻሉ ሃብቲ ተፈጥሮ ንክሰርሓ ከም ዝተዘራረቡ'ውን እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሃገሩ፡ ኬንያ ከም ሓንቲ ተለዋጢት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ጸገም እንተጋጥም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለዋ ኢላ ከም እትኣምን ምግላጹ ቤተ መንግስቲ ኡሁሩ ኬንያታ ብትዊተር ገሊጹ።

ካብ ኬንያ ናብ ኮሞሮስ ብምኻድ ምስ ፕሬዝደንት ኣዛሊ ኣሱማኒ ብምርኻብ ካብ ፕሬዝደንት ኣልሲሲ ዝተላእኸ ደብደበ ከም ዘብጽሐ ክጠቅስ እንከሎ፡ እቲ ሚኒስተር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኻድ ተመሳሳሊ ልኡኽ ከም ዘፈጸመ መግለጺ እቲ ወሃቢ ቃል የረድእ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ፕሬዝደንት ስሪል ራማፎሳ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ዝርከበሉ ኩነታትን መርገጺ ግብጽን ዝምልከት ተዛትዮም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዝግበር ስሉሳዊ ዘተ ዝምልከት ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ጽሒፋ።

እቲ ሕብረት፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ዝምልከት ናብቲ ዘተ ንክምለሳን ግደ ደቡብ ኣፍሪቃ ከኽብራን ጸቕጢ ክገብር ሓቲታ።