ዩሪ ጋጋሪ፡ ናብ ዲፕሎማት ዝሑል ኲናት ዝተቐየረ ጠፈርተኛ

ምንጪ ስእሊ, Yuri Kadobnov/AFP/Getty Images
ንኽምስትኡ ዝዳረግ ስለ ዘይነበረ፡ ጸሓይ ገጹ . . . ጎይታ ክምስታ ተባሂሉ ብዙሓት ክርእዩዎን ክሓቑፉዎን ዝብሃግ ነይሩ።
ንሱ፡ ካብ ሞንጎ እቶም 20 ቀዳሞት ናብ ህዋ ክልኣኹ ዝተሓረዩ መናእሰይ ምዃኑ ኣይዝንጋዕን።
ኣብ መበል 26 ዓመቱ ናብ ህዋ ዝበጽሐ ገርማን ቲቶቭን፡ ኣብ ህዋ ብእግሩ ንክጉዓዝ ዝወሰነ ፈላማይ ጠፈርተኛ ኣሌክሲ ሌቮቭን ኣካል እዚ ጉጅለ ነይሮም።
ይኹን'ምበር፡ ኩሎም ኣሰር ሓደ ብኽምስትኡ ብዙሓት ሃነን ዘበለ ሰብ'ዮም ዝኽተሉ።
እዚ ጠፈርተኛ፡ ህዱእን ልዑል ርእሰ ተኣማንነት ዝወነነን ፓይሎትን ፈላሚ ናብ ህዋ ዝበጽሐን ህቡብ ውልቀሰብ፡ በቲ ግዜ ብዙሕ ዘይደፍሮ ቴክኒካዊ ክእለት ዝነበሮ ሰብ እዩ።
መን'ዩ? ትብሉ ትህልው፤ ግንከ ዩሪ ጋጋሪ መን ይርስዖ?
እዚ ጎይታ ኽምስታ፡ ጨካን ልቢ ዘራህርህ፣ ልቢ ትዕቢተኛ ዘምክኽ ፍሉይ ጦብላሕታ ዝፈጥር ፍሽኽታ ነይሩዎ ይብሃል።
መዓስ እዚ ጥራሕ፤ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሶቭየት ከይተረፈ ዝማርኽ ክምስታ ከም ዝነበሮ ይዝረበሉ።
ዲዛይነር ሮኬት ሕብረት ሶቭየት ሰርገይ ኮሮሌቭ ነዞም ቀዳሞት ጠፈርተኛታት ክረኽቦም እንከሎ፡ ዝበዝሕ ግዝኡ ምስ ጋጋሪ ብምውጋዕ የሕልፎ ነበረ።
ሚስጥሩ እንታይ'ዩ? እንተኢልኩም፤ ካልእ ኣይኮነን ክምስትኡ ሃነን ስለ ዘብሎ፣ ክእለቱ ስለ ዝሕበነሉ'ዩ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ "ኣንታ ንስኻ'ኮ ንኡሽቶ ንስሪ" ኢኻ እናበለ ይንእዶ።

ምንጪ ስእሊ, Gamma Keystone/Getty Images
ዩሪ ጋጋሪ ካብ ህዋ ናብ ምድሪ ክምልስ እንከሎ፡ ከባብ ቅርጺ ዘለዋ ነገር ናብ መሬት ክትወድቕ ዝርኣየ ሓደ ምስ ጓል ጓሉ ዝነበረ ሓረስታይ ረኺቡዎ።
ዩሪ ጋጋሪ፡ "ኣጆኹም ኣይትፍርሑ፤ ከማኹም ሶቭየት'የ። ናብ ህዋ ተላኢኸ ጸኒሐ ስለ ዝተመለስኩ ግን ሕጂ ናብ ሞስኮ ክድውል ቴሌፎን የድልየኒ'ዩ" ኢለዮም ክብል ኣገደስቲ ፍጻሜታት ህይወቱ ኣብ ዘስፍረሉ ዝነበረ መዘክር ኣስፊሩ ይርከብ።
ምምሕዳር ሶቭየት ሕብረት እዚ ናይ መጀመርታ ልኡኽ ክዕወት እንተኽኢሉ፡ ኣብ ዓለም ፈላማይ ናብ ህዋ ብምኻድ ዝፍለጥ ዓወት ከመዝግቡ ከም ዝኽእሉ ይፈልጡ ነይሮም።
ድሕሪ'ዚ፡ እዚ ጠፈርተኛ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ዓለም ዝተፈልጠ ውልቀሰብ ክኸውን ክኢሉ።
ፈላማይ ንህዋ ዝማረኸ ሰብ ግን መን'ዩ? እንክብሃል ዩሪ ጋጋሪ ዝብል ሽም ክለዓል ግድን ኮነ።
ፖሊት ቢሮ ሶቭየት ሕብረት ነዚ ሰብ ናብ ህዋ ክልእኽ እንከሎ ካልእ ዕማም'ውን ነይሩዎ፤ ብሶቭየት ሕብረት ዝተማረኸት ዓለም ምርኣይ።
በዚ መገዲ፡ እቲ ጠፈርተኛ ኣብቲ ዝሑል ኲናት ዝነበሮ ዓለም፡ ዓወት ዩሪ ጋጋሪ ረቂቕ ሓይሊ ዓለም ከም ዝኾኖም ተኣማሚኖም። ተሳኺዑሎም ከኣ።
ዩሪ ጋጋሪ፡ ናብ ህዋ በጺሑ ብሰላም ናብ መሬት ክሳብ ዝምለስ ሶቭየት ሕብረት ብዛዕብኡ ብሕጭ ኣይበለትን ነይራ።
ምስ ተመልሰ ግን መንግስታዊ ማዕከን ዜና ታስ፡ ሶቭየት ሕብረት ናብ ህዋ ሽትኡ ዝወቕዐ ጉዕዞ ገይራ ክትብል ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብሓበን ኣጋውሓቶ።
"ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ እቲ ታስ ዘቃልሐቶ ዜና መብርሂ ደልዮም ናብ ናሳ ይድውሉ ነይሮም" ክብል ናሳ ብዛዕባ ልኡኽ ጋጋሪ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣሎ።
ብብዕግጉ ንጻውዒት ቴሌፎን ሓደ ጋዜጠኛታት ዝመለሰ ወሃቢ ቃል ናሳ፡ ኣታ በጃኻ 'ደቂስና ኢና ዘለና' ዝብል ምላሽ ሂቡዎ።
እቲ ጋዜጠኛ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ሓደ ፍሉጥ ጋዜጣ ኣመሪካ ከኣ ኣየናሕሰየሉን።
"ሶቭየት ኣብ ህዋ ሰብ ኣቐሚጣ፤ ወሃቢ ቃል ናሳ ከኣ፡ ኣመሪካ ደቂሳ'ያ ኢሉ" ብዝብል ርእሲ ሕታም ሒዙ ወጺኡ።
ክሳብ እዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ ህዋ ዝካየድ፡ ጋጋሪ ኣብ ሩስያ ኮነ ዓለም ሓደ ተራ ሽም'ዩ ነይሩ።
ስቕ ኢሉ ዘይፍለጥ ኣብራሪ ሓይሊ ኣየር ሶቭየት ዝነበረ ጋጋሪ፡ ፈላማይ ናብ ህዋ ዝበጽሐ ጅግና ተባሂሉ ክውደስ ጀሚሩ።
ካብ ህዋ ምስ ተመለሰ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብ14 ሚያዚያ፡ ሶቭየት ሕብረት ነዚ ውልቀሰብ ኣብ ሞስኮ ብዝተዳለወ ናይ 10 ኪሎ ሜትሮ ምርኢት ጽምብል ብድምቀት ዓጂባ ብቅሉዕ ንዓለም ኣላልያቶ።
እዚ ተመሃሮን ሸቃሎን ከይተረፈ ዝተሳተፍሉ ጽምብል፡ ሚሊዮናት ዜጋታት እታ ሃገር ኣብቲ ምድላው ተረኺቦም።
ስድራቤቱ ኣብቲ ኣብ ኣደባባይ ሞስኮ ዝተዳለወ ጽምብል ክሳተፉ እንከለው፡ "ካብ ሃናጺ ተበጊስኻ ጠፈርተኛ" ክትከውን ከም እትኽእል ዘርኢ ቅልል ዝበለ ኣከዳድና ተኸደኑ ተባሂሎም።
ግርማ ሞጎስን ክምስታን ጋጋሪ፡ ኣይኮነን'ዶ እዚ ረኺቦም ብቀደሙ'ውን ቀልጢፎም'ዮም ኹልዕ ዝብሉ።
እዚ ሰብ፡ ኣብ ዝኸዶ ሃገር 'መጺእኻለይ'ዶ' ዘይብሎ የለን። ሰባት ስቕ ኢሎም ክርእዩዎን ክቀርቡዎን ይደልዩ።
ኢንዳስትሪ ፕሮፖጋንዳ ሶቭየትን ግን ብቅንዕና ጋጋሪ ከሲቡ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Daily Herald/Getty Images
ጋጋሪ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሩሲያ ኣብ እትርከብ ከተማ ስሞሌንስ ካብ ሓረስቶት'ዩ ተወሊዱ።
ቆልዓ ሸውዓተ ዓመት እንከሎ፡ ጋጋሪ ምስ ወለዱ ዝነብረላ ዓዲ ብጀርመናውያን ተወሪራ።
ስድርኡ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቂሎም ድሕሪ ምውጻእ ን21 ኣዋርሕ ካብ ጭቃ ኣብ ዝተሰርሐት ኣጉዶ ተቐሚጦም።
ዩሪ ጋጋሪ፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ኲናት ተጎዲኡ ንኣዋርሕ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ ተሓኪሙ'ዩ።
ፍጥር ክብል ንፉዕ ተማሃራይ እዩ ነይሩ፡ ብፍላይ ብምህንድስናን ሕሳብን መን ክዳረጎ።
ምንባብ ግን ኣይፈቱን፤ እኳ ድኣ ስፖርት ይቐንዖ።
ወተሃደራዊ ፓይሎት ኮይኑ ምስ ተመረቐ፡ ኣብ ደቡብ ሩሲያ ጥቓ ዶብ ፊንላንድ ሚግ (ነፋሪት ውግእ) ከብርር ጀሚሩ።
ድሓር፡ ሶቭየት ሕብረት ናብ ህዋ ዝግበር ጉዕዞ ክትውጥን እንከላ፡ ሓደ ሚኢቲ ኣመልከትቲ ክወዳደሩ ተመዝጊቦም።
እዚ ወዲ ሓረስታይ፡ ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ሶቭየት ናብ ህዋ ክትልእኾም ዝሓረየቶም 20 ቀዳሞት ጠፈርተኛታት ኮነ።
ዩሪ ጋጋሪ ናብ ህዋ በጺሑ ምስ ተመልሰ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ዓባይ ብሪጣኒያ ብመሰረት ዘቕረበትሉ ዕድመ ሰብ መዚ መንግስቲ ሶቭየት ዝርከቦ ልኡኽ ሒዙ እንትኸይድ፡ ኣመሪካ ቁሩብ ቅር ኢሉዋ።
እቲ እዋን ኣብ ሞንጎ ምብራቕን ምዕራብን ዝነበረ ዝምድናታት ሕማቕ ኣብ ዝነበረሉ ጋጋሪ ናብ ህዋ ዝገበሮ ምብጻሕ ዘትረፈሉ ዝና ሒዙ ዘካየዶም ዓለማዊ ዑደታት ዕውታት ነይሮም።
"ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክምጽእ እንከሎ ከም ሓደ ጅግና እዩ ተራእዩ" ይብል ብዛዕባ ምብጻሕ ጋጋሪ ናብ ብሪጣኒያ መጽሓፍ ዝጽሓፈ ጋዜጠኛ ጉርቢር ሲንህ።
ብ1957፡ ሮኬት ስፑትኒክ ሓደ ናብ ህዋ ክትውንጨፍ እንከላ፡ ሃገራት ምዕራብ ከም ሓደ ባላስቲክ ሚሳይል ሶቭየት ሕብረት ስለ ዝርኣይኦ ተሰናቢደን።
እንተኾነ፡ ስፑትኒክ ታሪኻዊ ተልእኾኣ ከይፈጸመት ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ኣየር እንከላ ተቓጺላ።
"ጋጋሪ ግን ሰብ'ዩ ነይሩ፤ ደስ ዝብል ባህሪ ዘለዎ ሰብ። ኣብ ኩሉ ሕውስውስ በሃልን ተጻዋትን'ዩ። ኩሎም ዘዘራረብኩዎም ሰባት ከኣ፡ እታ ክምስትኡ'ዮም ዘልዕሉ" ይብል እቲ ጋዜጠኛ።
ጋጋሪ፡ ናብ ብሪጣኒያ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ ፍጹም ኣብ መደቡ ዘይነበሩ ክስተታት ኣጋጢሞምዎ'ዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ማክሚላንን ንግስቲ ኤልሳቤጥንን ነዚ ጠፈርተኛ ረኺቦምዎ።
ጋጋሪ፡ ናብ ህዋ ዝገበሮ ተባዕ ውሳነን ጉዕዞን ንመንግስቲ ኢንግሊዝ የገርሞ ስለ ዝነበረ፡ ንቴክኖሎጂካዊ ዓወት ሶቭየት ሕብረት ናእዳ ነይሩዎ።
ንሱ ኣብ ናይ ህዋ ተልእኽኡ ብህይወት ምፍታኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ጋጋሪ ካብ ህዋ ናብ መሬት ክምለስ እንከሎ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ነቲ ስርሒት ብህይወት ክዛዝሞ ምኽኣሉ ዕድለኛ እዩ።
እቲ ምኽንያት ኣብ ህዋ ብዘጋጠሞ ጸገም ጥራይ ኣይኮነን፡ መዳውራት እታ ሮኬት ዳግማይ ናብ ኣንፈት ዓንኬል ዑደቱ ንኽኣትው ዝፈተኖ ስለ ዘይተሳኽዓሉ እዩ።
ድሕሪ'ዚ ጋጋሪን ብሰላም ናብ መሬት ክመጽእ ብምኽኣሉ ልባ ተሰቒሉ ንዝነበረት ሶቭየት ሕብረት ዓብዪ ዓወት ከም ዝኾነ ዓለም ክትምስክር ክኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Joel Sagat/AFP/Getty Images
ጉዕዞ ጋጋሪ፡ ንፖለቲከኛታት ብሪጣኒያ ብዝገርም ኩነታት ዝኸፋፈሎም ጉዳይ ነይሩ ብምባል ተዘክርኡ ይገልጽ ጋዜጠኛ ጉርቢር።
"ብሓደ ሸነኽ ንዓወት ሶቭየት ሕብረት ኣፍልጦ ክህቡዎ ይደልኡ። በቲ ካልእ ገጽ ከኣ ኣብ ኣትላንቲክ ንዘለዋ መላፍንቶም ከሕርቑ ኣይደለዩን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ፕሮግራም ህዋ ኣመሪካውያን ሰንከልከል ይብል ነይሩ" ኢሉ።
እቲ ክምስታ ዘይፍለዮ ጋጋሪ ይብል ፕሮፌሰር ታሪኽ ዝሑል ኲናት ቤት ትምህርቲ ቁጠባ ለንደን ቶም ኢልስ፡ "ክምስታኡ ንኮምዩኒዝም ዝምቹ ነይሩ" ክብል ይገልጾ።
"ብሓቂ ግርማ ሞጎስ ዝተዓደለ ሰብ'ዩ። ብኲናት ዝተሰናኸለ ቁልዕነት'ኳ እንተነበሮ፡ ካብ ሓረስቶት ስድራ ወጺኡ ኣብ 27 ዓመቱ ናብ ከዋኽብቲ ክበጽሕ ዝኽኣለ ዕውት ሰብ ኮይኑ'ዩ። እዚ ንሶቭየት ሕብረት'ውን ዓብዪ ነገር'ዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Hoxton/Getty Images
ኣብ መጀመርታ 1960ታት፡ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ናጽነተን ክረኽባ ጀሚረን።
ዓወት ጋጋሪ ከኣ ንብዙሓት ሓደሽቲ ሃገራት ዓብዪ ምትብባዕ ዝፈጥር እናኾነ መጽአ።
"ሽዑ ሶቭየት፡ 'ንሕና'ውን በዚ መገዲ ኢና ሓሊፍና፤ ብቴክኖሎጂ ድሑራት ነይርና፡ ሕጂ ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ህዋ ዝበጻሕና ቀዳሞት ኮይንና' ክትብለን ጀሚራ" ይብል ፕሮፌሰር ታሪኽ ዝሑል ኲናት ቤት ትምህርቲ ቁጠባ ለንደን ቶም ኢልስ።
ጋጋሪ፡ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምብጻሕ ገይሩ ነይሩ።
ብእግሩ'ኳ ኣብ መሬት ኣመሪካ እንተዘይረገጸ ብሄሊኮፕተር ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወሲዱ።
እንተኾነ፡ ካልኦት ሽዑ ናጻ ናብ ዝወጽኣ ከም ህንዲ፣ ስሪላንካን ኣፍጋኒስታንን ዝበላ ሃገራት ብምኻድ ዑደት ገይሩ።
ኣሰር ዩሪ ጋጋሪ ዝስዕቡ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ መዛንኡ ኣሌክሲ ሌኖቭ ኣብ መበል 85 ዓመቱ ብ2019 ሞይቱ።
ጠፈርተኛ ኣሌክሲ ሌኖቭ ምስ ትዝታታት ጋጋሪ ክሓልፍ እንከሎ፡ እቶም ንክብሩን ጅግንነቱን ዝተቐረጹ ሓውልታትን ቅብኣታትን ጋጋሪ ግን ሕጂ'ውን ኣይኣረጉን፤ ኣብ ቦትኦም ኣለው።
ጋጋሪ፡ ናብ ህዋ በጺሑ ምስ ተመልሰ ምኽትል ዳይሬክተር ሓድሽ ማእከል ስልጠና ጠፈርተኛታት ኮይኑ'ዩ።
እቲ ሃንደበት ዝረኸቦ ዝና ግን ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ እርኑብ ክኸውን ኣይሓገዞን። ብመስተን ምንዝርናን ዝሕመ ሰብ ነይሩ።
ከምኡ ኮይኑ'ውን ጋጋሪ ናብ ህዋ ተመሊስኻ ኣብ ምኻድ ኣተኲሩ ይሰርሕ ነይሩ።
ብሚያዚያ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ልኡኽ ጉዕዞ ህዋ፡ መሓዝኡ ቭላድሚር ኮማሮቭ ብዘስካሕክሕ ሓደጋ ሞይቱ።
በዚ ምኽንያት ሰብ መዚ ሶቭየት ጋጋሪ ዳግም ናብ ህዋ ከይጉዓዝ ከልኪሎምዎ፤ ንሱ ግን ግድን ክኸይድ ኣለኒ እናበለ ብመጋቢት 1968 ሞይቱ።
ጋጋሪ ዘብርራ ዝነበረት ናይ ስልጠና ሚግ-15 ካብ ሞስኮ ወጻእ ወዲቓ ከም ዝተሓምሸሸትን ከም ዝሞተን ይግለጽ።
እንተኾነ ኣማውትኡ ክሳብ ሕጂ ኣካታዒ'ዩ። ዩሪ ጋጋሪ ክመውት እንከሎ ወዲ 34 ዓመት ነይሩ።
"ንሱ ምስ ሞተ ሶቭየት ሕብረት ኣይጥዓማን። ኮሮሌቭ ሞይቱ። ኣመሪካውያን ከኣ ናብ ወርሒ እትወስዶም ሮኬት ሒዞም መጺኦም" ይብል ፕሮፌሰር ታሪኽ ዝሑል ኲናት ቤት ትምህርቲ ቁጠባ ለንደን ቶም ኢልስ።
ፈላማይ ወርሒ ዝረገጸ ኣመሪካዊ ጠፈርተኛን ኢንጅነር ጠፈርን ኒል ኣርመስትሮንግ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ምብጻሕ ከካይድ እንከሎ፡ ንክርእዩዎ ሕጉሳት ብዝነበሩ ሰባት ተኸቢቡ።
"ናሳ፡ ነዚ ምስ ርኣየ ኣርምስትሮንግ ንኡሽቶ ጋጋሪ ስለ ዝኾነ'ዩ ኢሉ ሓሲቡ" ነይሩ ይብል ኢሊስ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







