ፈላሚ ክታበት ዝመሃዘ፡ ዓለም ዝረሰዓቶ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, WELLCOME TRUST
ዋልደማር ሃፍኪን ሞርዴካይ፡ ካብ ፓሪስ ናብ ህንዲ እናተመላለሰ ኣብ ዓለም ፈላሚ ክታበት ሕማም ሽሮኽ ምሂዙ።
ይኹን'ምበር፡ ትጽቢት ብዘይተገብረ ምረዛ ህይወቱ ተመዛቢሉ። ዋልደማር፡ ብ1894 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮፓ) ናብ ህንዲ ካልካታ ተጓዒዙ። እንታይ ደልዩ? እንተኢልኩም ንሕማም ሽሮክ ዝኸውን መድሃኒት ክረክብ።
እዋኑ ናይ ጽድያ ኣዋርሕ ኮይኑ፡ ሕማም ኮሌራ ኣብ ህንዲ ይላባዕ ነይሩ። እቲ ተመራማሪ፡ ናብ ህንዲ ክኸይድ እንከሎ ሒዙዎ ዝኸደ ክታበት፡ ነቲ ሕማም ከጥፍኦ እዩ ብዝብል ነይሩ።
እንተኾነ፡ መዓልታዊ እቲ ተስፍኡ እናቕሃመ ይኸይድ።
ኣብቲ እዋን ህንዲ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣንያ ነይራ። ኢንግሊዛውያን ገዛእቲ ድማ፡ ነዚ ተመራማሪ ከስርሑዎ ኣይክኣሉን።
ዋልደማር፡ ተመራማሪ እንስሳት በረኻ'ዩ ነይሩ። ዶክተር ኣይኮነን። ኣብ ርእሲኡ ሩሲያዊ ኣይሁድ'ውን እዩ።
ዝበዝሕ ግዝኡ ግን ኣብ ፓሪስ'ዩ ኣሕሊፉዎ። ዋልደማር፡ ናብ ህንዲ ክኸይድ እንከሎ ወዲ 33 ዓመት ነይሩ። እቲ ዝመሃዞ ክታበት ድማ፡ ብኽልተ ዙርያ ዝወሃብ እዩ።
ኣብ ፈተነ ክታበት ዋልደማር ዝተሳተፉ ሰባት ደሊኻ ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ። ኣብ ቐዳማይ ዙርያ ተኸቲቦም ኣብ ካልኣይ ዙርያ ርጋጽ እግሮም ዘይከብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ነይሮም።
ብመጋቢት 1984፡ ቢሮ ጥዕና ካልካታ እንተኽኢልካ እስከ ኣብዚ ከባቢ ሽሮክ ኣሎ'ዶ የለን ዝብል ከተጻርየልና ቅልቅል በል ይብሎ።
እዚ፡ ነቲ ተመራማሪ ምቹእ ኣጋጣሚ ኮነ። ኣብ ዝኸዶ ቦታ ብዙሓት ዝሓመሙ ሰባት ይረክብ። ምልክታት ሕማሞም ከኣ ተመሳሳሊ ነይሩ።
ዋልደማር፡ እቲ ሕማም ኣብ ዝለሓኸሎም ገዛውቲ ኣትዩ፡ ንፍርቆም ኸቲቡ ንፍርቆም ከይኸተበ ብምውጻእ ውጽኢቱ ክርኢ ክኽእል ኣለዎ፤ ከምኡ ከኣ ገይሩ።
በዚ መሰረት፡ ካብ 200 ሕሙማት ነቶም 116 ሰባት ኸቲቡዎም። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ 10 ሰባት ብምኽንያት እቲ ሕማም ከም ዝሞቱ ይንገር። ኩሎም ከኣ እቶም ዘይተኸተቡ'ዮም ነይሮም።
እዚ ውጽኢት፡ ኣመሓደርቲ እታ ግዝኣት ንምህዞ እቲ መድሃኒት ንክቕበሉዎ ዕርቡን ነይሩ። ብብዝሒ ክታበት ክእዝዙዎ ምክኣሉ።
ግን ድማ፡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ክታበት ክተእምን ዓርሱ ዝኽኣለ ስራሕ ነይሩ።
ዋልደማር ኣብ ክንዲ ምስ ኢንግሊዛውያን ሓካይም ምስ ህንዳውያን ሓቢርካ ምስራሕ ከም ዝምረጽ ተረዲኡ ኣሎ።
ሰባት ንክኣምኑዎ ድማ፡ ኣብ ኣደባባይ ጠጠው ኢሉ ነቲ ክታበት ተወጊኡ።
ዋልደማር፡ ኣብ ካልካታ ፈላማይ ዝተባህለ ክታበት ፈቲኑ ብዙሓት ሰባት እንተኣድሓነ'ውን፡ ኣብ ህንዲ ኮነ ኤውሮጳ ከምኡ'ውን መላእ ዓለም ሽሙ ኣይልዓልን።

ምንጪ ስእሊ, WELLCOME TRUST
እዚ ውልቀሰብ፡ ብ1884 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ)፡ ኣብ ዩክሬይን ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣዴሳ ብመጽናዕቲ እንስሳ ተመሪቑ።
ፕሮፌሰር ንምዃን ኣምልኪቱ ግን ኣይሁድ ስለ ዝኾነ ተኸሊኡ።
ሰራዊት ሩሲያ፡ መንበሪ ገዛ ሓደ ስድራቤት ኣይሁድ ከዕንዩ ምስ ርኣየ ጠጠው ከብሎም ፈቲኑ፡ ግዳይ ማህረምትን ማእሰርትን ኮይኑ'ዩ።
ኣብዚ እዋን፡ ናይ ትውልዲ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ጄኔቫ ቐጺሉ ድማ ናብ ፓሪስ ከይዱ።
ኣብኡ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ኣብ ዝኾነ ቤተ መጽሓፍቲ ሓደ ትካል መጽናዕቲ ባክቴሪያ ስራሕ ጀሚሩ።
ኣብቲ ግዜ፡ ሕማም ሽሮኽ ብንፋስ ዝመሓላለፍ ሕማም'ዩ ተባሂሉ ይእመን ነይሩ።
ኣብ መጽናዕቲ ሽሮክ ሸኺሉ ዝቐጸለ ዋልደማር፡ ፈተነ እቲ ክታበት ኣብ ጊኒ ፒግ ጀሚሩዎ። ድሕሪኡ ናብ ህበይ። ቐጺሉ ድማ ናብ ሰብ ተሰጋጊሩ።
ብሓምለ 1892፡ ዋልደማር ኮነ ኢሉ ንርእሱ ብሽሮኽ ይብክል። ንመዓልታት ብሓያል ረስኒ ተሳቕዩ ይድሕን። ቐጺሉ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ፍቓደኛታት ዝኾኑ ተሳተፍቲ ይፍትኖ።
እቲ ሓደ ተሳታፊ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ስለዘይበጽሖ፡ እቲ ተመራማሪ ንብዙሓት ሰባት ዝኸውን ክታበት ከም ዝሰርሕ ኣሚኑ።
እንተኾነ፡ ብዙሓት ፍቓደኛታት ሰባት ዝረኽበላ ሃገር ክትህሉ ነይሩዋ።
ሽዑ፡ ኣምባሳደር ኢንግሊዝ ኣብ ፓሪስ ዝነበረ ሎርድ ፍሬድሪክ ዱፈሪን ናብ ቤንጋል ክኸይድ የማኽሮ።
ንሱ ድማ ናብ ካልካታ ከይዱ ምስተሳኽዐሉ፡ ኣብ ኣሳም ዝርከቡ ኣፍረይቲ ቖጽሊ ሻሂ ሰራሕተኛታቶም ክምርምረሎም ይዕድሙዎ።
ብታሕጓስ ናብቲ ቦታ ዝኸደ ዋልደማር፡ ንብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ኸቲቡዎም። ይኹን'ምበር፡ ኣብቲ እዋን ዓሶ ሓሚሙ ናብ ኢንግሊዝ ተመሊሱ።
መዘክር ዋልደማር ከምዝሕብሮ፡ ኣብቲ እዋን ብውሑድ 42 ሽሕ ሰባት ከቲቡ ነይሩ።
ንሱ ብዛዕባ እቲ ክታበት ዘስተዋዕሎ ነገር እንተሃለወ፡ እቲ መድሃኒት ቑጽሪ በቲ ሕማም ዝልከፉ ሰባት እንተነከየ'ውን ካብ ሞት ግን ከድሕኖም ኣይክኣለን ዝብል'ዩ።
ብ1984፡ ኣብ ግዝኣት ቻይና የዑናን ሓደ ለበዳ ይለዓል። ብኡ ኣቢሉ ናብ ሆንግ ኮንግ ይላበድ። ቀጺሉ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ናብ ዝነበረት ቦምቤይ ይበጽሕ።
ኣብቲ እዋን ገዛእቲ ብሪጣኒያ፡ እቲ ሕማም ተጎዳኢ ኣይኮነን ኢሎም ዕሽሽ ኢሎምዎ። እንተኾነ፡ ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ዒቕ ዒቕ ትብል ዝነበረት ሞምባይ እናልሓኾ ይኣቱ።
እዚ ለበዳ፡ ክልተ ዕጽፊ ሽሮኽ እዩ ዝቐትል። ሕጂ ዋልደማር ይድለ፤ ንሱ'ውን ጉእዝኡ ተቕሊሉ ናብ ሞምቤይ ይኸይድ።
ምስ ሰለስተ ዘይሰልጠኑ ተሓጋገዝትን ሓደ ጸሓፍን ብምዃን ኣብ ሓንቲ ዓምጻጽ ጎጆ ክነብር ይጅምር። ነቲ ለበዳ ዝኸውን መድሃኒት ምርካብ ከኣ ቀንዲ ዕማሙ ኮነ።

ምንጪ ስእሊ, WELLCOME TRUST
ክታበት ምስራሕ ንዕኡ ሓድሽ ነገር ስለ ዘይኮነ፡ ዋልደማር ንሕማም ሽሮኽ ዝተጠቐሞ ሜላ ተኸቲሉ ሓድሽ መድሃኒት ክእልሽ ጀሚሩ።
10 ጥሪ 1897፡ ካብቲ ሓድሽ ለበዳ 10 ሲሲ ነክዩ ንርእሱ ይወግእ። ቅድሚ ሰለስተ ሲሲ'ዩ ዝጥቀም ነይሩ።
ንግዝኡ ብሓያል ረስኒ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ሓውዩ ይለዓል። በዚ መገዲ ናብ ህዝባዊ ፈተነ ይሰጋገር።
እቲ ለበዳ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ብምእታው፡ ናብኡ ብምኻድ እቲ ክታበት ክፍትን ፍቃድ ይረክብ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝነበሩ ተሃነጽቲ፡ ነቶም 147 ከቲቡዎም፤ 172 ድማ ብዘይ ክታበት ክትትል ይገብረሎም።
ካብቶም እቲ ክታበት ዝተዋህቦም እቶም ክልተ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ኮይኖም። ካብቶም ዘይተዋህቦም ድማ 12 ሰባት ተታሒዞም፤ 6 ሞይቶም።
ነዚ ዝርኣየ ዋልደማር ክታበት ብብዝሒ ክፈርን ሰባት ክውግኡን ይእዝዝ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት እቲ ክታበት ይወስዱ።
በዚ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ለበዳ ድሒኖም። ታሕሳስ 1901፡ ኣብ ግዝኣት ኢንግሊዝ ቪክቶሪያ ሽልማት ኒሻን ጅግና ተዋሂቡዎ።
ድሕሪኡ ኣብ ቦምቤይ 53 ሰባት ዘለውዎ ሓደ ቤተ ፈተነ ንከመሓድር ሹመት ተዋሂቡዎ። ሃንደበት ግን ሓደ ሓደጋ መጺኡ።
ብመጋቢት 1902፡ ኣብ ግዝኣት ፑንጃብ ብውሑድ 19 ሰባት ብምኽንያት ቲታነት ይሞቱ። ናይዚ ምኽንያት ክኣ ክታበት ዋልደማር'ዩ ነይሩ።
እቲ ጉዳይ ክጻረ እንከሎ፡ 53 ኤን ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ብልቃጥ መዘዘኛ ኾይኑ ተረኺቡ። ኣብቲ ብልቃጥ እዋኑ ዝሓለፎ ክታበት ነይሩ።
እቲ ምጽራይ ክቕጽል እንከሎ፡ ዋልደማር ክታበት ዝህበሉ መገዲ ከም ዝተቐየረ ይፍለጥ። እቲ ተመራማሪ ቅድም ኢሉ እቲ ክታበት ዘቕምጠሉ ኣቕሓ በካርቦሊክ አሲድ ይሓጽቦ ነይሩ።
ይኹን'ምበር ቅልጣፈ ንክውስኽ ብዝብል ሓዊ ኣርሲኑ ክሓጽብ ምጅማሩ ምኽንያት እቲ ጸገም ከም ዝኾነ ይእመን።
ካብዚ ብዝብገስ ካብ መዝነቱ ይስጎግ። ካብ ህንዲ ከኣ ናብ ኢንግሊዝ ተመሊሱ።
ወዮ ክታበት ብምርካብ ጅግና ዝብሃል ዝነበረ ተመራማሪ፡ ክዋረድ ጀሚሩ።
ኣብ ዙርያ ስራሕቲ ዋልደማር መጽሓፍ ዘዳለወት ዶክተር ባርባራ ሃውጉድ ንሱ ብምኽንያት መንነቱ ተነጽሎ ይበጽሖ ነይሩ ትብል።
ከካልኦት ተመራመርቲ'ውን በዚ ይሰማምዑ። ምናልባት ኢንግሊዛዊ እንተዝኸውን ነይሩ እዚ ኣይምበጽሖን ይብሉ።
ዋልደማር ካብ ስርሑ ምስተኣገደ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብ1904 እቲ ለበዳ ሰማይ ዓሪጉ፡ ልዕሊ 1.4 ሚሊየን ህዝቢ ወዲኡ።
ስራሕቲ እዚ ውልቀሰብ ካብ ሞንጎ ዘጽንዑ ሓደ ውልቀሰብ፡ ምናልባት ዋልደማር ኮነ ተባሂሉ'ዩ ካብ ስርሑ ተሰጒጉ ይብል።
ነዚ፡ ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ቲታነስ እኹል ፍክጠት ዘይምንባሩን እቲ ብልቃት ክኽፈት እንከሎ ዝተፈለየ ጨና ዘይምንባሩን ይጠቅስ።
በቲ በለ በቲ፡ ዋልደማር ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ተነጽሎ በጺሑዎ'ዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
ዋልደማር ኣብ ወርሒ ሕዳር ብ1907 ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ተፈቲሑ ኣብ ፓርላማ ተራእዩ ናብ ህንዲ ተመሊሱ ስርሑ ክቕጽል ይፍቀደሉ።
ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ክታበት ከይገብር ግን ተኣጊዱ። ሽዑ ናብ ሽሮኽ ተመሊሱ ዝሓሸ ክታበት ንምፍራይ ስራሕ ጀሚሩ።
እንተኾነ፡ ፈተነ ንምግባር ዘቕረቦ ሕቶ መንግስቲ ህንዲ ነጺጉዎ።
ዋልደማር ከኣ ብ1914 ኣብ 55 ዕድሚኡ ካብ ህንዲ ጠቕሊሉ ወጺኡ።
ከካብ 1897 ክሳብ 1925 ኣብ ዘለው ኣመታት፡ 26 ሚሊየን ክታበታት ዋልደማር ካብ ሞምባይ ናብ ካልእ ዓለም ተላኢኹ እዩ።
እቶም ፈተነታት ከም ዘመላኽቱዎ፡ እቲ ክታበት ካብ 50 ክሳብ 85 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ነይሩ። ይኩን'ምበር ክንደይ ዝኣክል ሰብ በቲ ክታበት ከም ዝድሓነ ዝሕብር መረዳእታ የለን።
ዋልደር ናብ ፈረንሳ ምስተመለሰ፡ ሙሉእ ህይወቱ ናብ ቤተ እምነት'ዩ ኯይኑ። ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ትምህርቲ ኣይሁድ ንምስፋሕ ብዙሕ ለፊዑ።
ሓዳር ኣይመስረተን። ብዛዕኣ ምውላዱ'ውን ብዙሕ ሓበሬታ የለን።
ዋኣብ 70 ዓመቱ ግን ኣብ ግዝኣት ስዊዘርላንድ ሎውዛን ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።
ዋልደማር ኣብ ህንዲ እናሃለወ ዝጥቀመላ ዝነበረት ቤተ ፈተነ ሕጂ'ውን ኣገልግሎት ትህብ ኣላ።
ሕጂ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሃበላ ክፍሊ ኮይና ኣላ። መንግስቲ ህንዲ፡ ዋልደማር ቅድሚ ምሟቱ ቅድሚ 5 ኣመት ነዛ ቤተ ፈተነ "ትካል ሃፍኪን" ብምባል ብሽሙ ክትጽዋዕ ገይሩ'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







