ኣብ ኣመሪካ ክታበት ኮሮናቫይረስ ግዱድ ኣይክኸውንን - ጆ ባይደን

ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጆ ባይደን ቅድም ክብል ምክትል ፕረዚደንት ኦባማ ኾይኑ ሰሪሑ እዩ

ቀጻሊ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣመሪካውያን ክታበት ኮሮናቫይረስ ንክወስዱ ኣይግደዱን ኢሉ።

ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት (ሲዲሲ) ድማ፡ ንፈለማ እዋን ኣመሪካውያን ካብ ናይ ባዕሎም ገዛ ወጻእ፡ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም’ውን “መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ” ኣለዎም ክብል ተማሕጺኑ’ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣመሪካ “ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምልባዕ ተሰጋጊሩ” ኣሎ ዝበለ ሲዲሲ፡ ኣብታ ሃገር ትማሊ ዓርቢ ጥራይ፡ ሞት ልዕሊ 2500 ሰባት ተመዝጊቡ፤ ካልኦት ሓደሽቲ 225 ሽሕ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

ኣብታ ሃገር፡ 14.3 ሚሊየን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ልዕሊ 278 ሽሕ ድማ ብምኽንያት እዚ ሕማም ሞይቶም።

20 ጥሪ 2021 ቃለ መሓላ ዝፍጽም ጆ ባይደን ከኣ፡ በዓለ ሲመቱ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።

ፖሊሲ ክታበት ባይደን

ኩባኒያ መፍረ ክታበት ፒፋይዘር፡ 95 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ዝኾነ ክታበት ከም ዝረኸበ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣመሪካዊ ኩባኒያ ሞዴርና ድማ ክታበቱ 94 ሚኢታዊት ውጽኢታውነቱ ከምዝተረጋገጸ ይገልጽ።

ክልቲኦም ድማ፡ እቲ ክታበት ኣብ ረብሓ ንክውዕል መረጋገጺ ፍቓድ ንክረኽቡ ንምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ኣመሪካ ኣመልኪቶም ኣለው።

ኣብዚ ሰሙን፡ ዓባይ ብሪጣኒያ ክታበት ፒፋይዘር ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ረብሓ ንክውዕል ውሳነ ብምሃብ ፈላመይቲ ሃገር ኮይና እያ።

ምኽትል ፕሬዝደንት ማይክ ፔንስ ድማ፡ ክታበት ኮቪድ-19 “ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙንን ፈረቓን” ክጸድቕ እዩ ክብል ትማሊ ተዛሪቡ።

ጆ ባይደን ድማ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ግዱድ ምግባር ኣገዳሲ ኣይኮነን ኢሉ ኣሎ።

“ሰባት ግን፡ ነቲ ቅኑዕ ነገር ንክገብሩ ከተባብዕ’የ፤ ንሱ’ዩ ዘገድስ” ኢሉ።

ማእከል መጽናዕቲ ፒው፡ 60 ሚኢታዊት ኣመሪካውያን ክታበት ኮሮናቫይረስ ንክወስዱ ድሉዋት ምዃኖም ሓቢሩ።

ብሓሙስ፡ ፕሬዝደንታት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፣ ጆርጅ ደብሊው ቡሽን ቢል ክሊንተንን ክታበት እቲ ቫይረስ ንምውሳድ ቅሩባት ኢና ኢሎም።

ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ኣመሪካውያን ን 100 መዓልታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ጸዊዑ።

ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣመሪካ ድማ፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ኣብ ደገ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ይምዕድ።

ፍርቂ እቶም ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ምልክት ካብ ዘይርእዩ ሕሙማት ዝተመሓላለፉ ምዃኖም ዝገልጽ እቲ ማእከል፡ ነዚ ንምክልኻል ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም፣ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።

ኣብ ቀረባ ድማ፡ ምምሕዳር ካሊፎርኒያ፡ ዜጋታቱ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ መምርሒ ዘሕለፈ ኮይኑ፡ ብሮቡዕ ድማ ከንቲባ ሎስ ኣንጅለስ፡ ኩሎም ብእግርን ብመኪናን ንዝግበሩ ጉዕዞታት ዝግድብ መምርሒ ኣሕሊፉ እዩ።

ኮሮና